ድለ

cq5dam.thumbnail.cropped.250.141.jpeg

ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ካብ ፍርሒ ሓራ የውጽእን መዓጹ የርህውን

ሓድሽ ጰራቅሊጦስ ነቲ ዝወረረና ፍርሒ ኣውጺኡ ሃልሃልታ ፍቕሪ ኣምላኽ ዳግማይ የበራብር!

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ዝለገዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፥ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ፍርሒ ገሲጾም፡ ሃልሃልታ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ከበራብሩ ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ምእመናን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም “ሎሚ ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዝተነበ ወንጌል፡ ናብቲ ድሕሪ ሞት ኢየኡስ ሓዋርያት ተዓቝቦምሉ ናብ ዝነበረ ጽርሓ ጽዮን ይወስደና፡” ኣብ ፋሲካ ምሸት እቲ ተንስኣ እሙታን ኣብ ናይ ፍርሕን ጭንቀትን ኩነታት ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ ከመይ ገይሩ ከም ዝቐረቦም ኣዘኻኺሮም፥ “ኣብ ልዕለኦም ኡፍ ብምባል መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ” በሎም።

ውህበት መንፈስ ቅዱስ

ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ብውህበት መንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ካብ ፍራሒ ሓራ ክወጹን በዚ ድማ ወንጌል ከበስሩ” ገበሮም። እቶም ደቀ መዛሙርቲ “ብፍርሒ መዓጾ ዓጺዮም - ተዓጽዮም” ከም ዝነበሩ ድማ ገሊጾም ብሞት ኢየሱስ ሰንቢዶም ተስፋ ኣጥፊኦም ከም ዝነበሩን - ኣብ ገዛ እርሶም ተዓጽዮም ነበሩ!” ንሕና እውን “ክንደይ ግዜ ኢና ንነብስና ንዓጽዋ’? ብሰንኪ ሓደ ከቢድ ኩነታት ወይ ውልቃዊ ጸገም ወይ ብሰንኪ መከራ ወይ ኣብ ከባቢና እነስተንፎ ክፍኣት ገዛእ ርእስና ንዓጽው ፡ ናብ ተስፋ ምቝራጽ ሸተት ቢልና ንቕድሚት ከይንብል ትብዓት ንስእን።”

ከም ሓዋርያት ኣብ ሽግራትና ገዛእ ርእስና ንዓውጽው

ገዛእ ርእስና እንዓጽው ኣብ ልዕሌና ፍርሒ ምስ እነንግሶ ጥራሕ ከም ዝኾነ ቅዱስነቶም ኣብሪሆም፥ ዝተፈላለየ ዓይነት ፍርሕታት ዘርዚሮም፥ . . . ንዝተፈላለየ ዓይነት ፍርሒ ኢድና ምስ እንህብ ማዕጾና ንዓጽው መዓጾ ልባትና ንዓጽው . . . ናይ ቤተ ክርስቲያን ማዕጾ እውን ከይተረፈ!”

ፍርሒ ኣብ ዘለሉ ምዕጻው ኣሎ፥ እዚ ኣይንግበር!

ፈውሲ ትንሳኤ

ወንጌል ናይቲ ዝተንሰአ ማለት ናይ መንፈስ ቅዱስ ፈውሲ የቕርበልና፡ ካብ ናይ ማእሰርቲ ፍርሒ ሓራ የውጽኣና . . . እዚ ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና በዓለ ጰራቕሊጦስ ‘ሓዋርያት መንፈስ ምስ ተቐበሉ ካብቲ ተዓጽዮምሉ ዝነበረ ወጺኡም ሓጢኣት ይቕረ ክብሉን ወንጌል ከበስሩን ወጹ፥

ሳልኡ ፍርሒ ተሰጊሩ ማዕጾ ይኽፈት!

መንፈስ ቅዱስ ቅርበት ኣምላኽ ከም ዝስምዓና ይገብር

ቅርበት እግዚኣብሔር ከም ዝስምዓና ዝገብር መንፈስ ቅዱስ እዩ። ፍቕሪ ንፍርሒ ይግስጽ መገዲ የብርህ የጸናንዕ ኣብ ጸገም ምሳና ህልው ይኸውን -  ሓድሽ ጴንጠቆስጠ ነቲ ዝሃርመና ፍርሒ ገሲጹ ሃልሃልታ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ዳግማይ ክበራበር ይገብር፥”

ሓድሽ ጰራቅሊጦስ ነቲ ዝወረረና ፍርሒ ኣውጺኡ ሃልሃልታ ፍቕሪ ኣምላኽ ዳግማይ የበራብር!

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ግንስተ ሰምይ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

31 May 2023, 08:54