ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ መላእ ዓለም ክወርድ ንጽልይ
ዕለት 28 ግንቦት ናይ ላቲን ስረዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ ክብረ በዓል ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘብዓለትሉ ሰንበት፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ “መንፈስ ቅዱስ ንዓለም ስኒት ክጽግውን ንእዋናዊ ግዜ መገዲ ከቕንዕን ምድረ ገጽ ክሕድስን” ንለምኖ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝፈጠሮ ዓለምን ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ልብናን ከመይ ከም ዝዋሳእ ኣብ ኩሉ መዳያት ስርዓትን ስኒትን ከም ዘምጽእ ኣጉሊሖም፥
ናይ መንፈስ ቅዱስ ተራ ኣብ መጀመርታን ኣብ ኩሉ ግዜን ዝተፈጥሩ ክውንነታት ካብ ስርዓት ኣልቦነት ናብ ስርዓት ካብ ምብትታኽ ናብ ምትእስሳር ካብ ምድንጋር ናብ ስኒት ከም ዝሓልፍ ምግባር እዩ!
መንፈስ ቅዱስ ስኒትን ሰላምን የምጽእ
ኣብ ዓለም ስኒት ኣብ ምምጻእ መንፈስ ቅዱስ “ንናይ ግዜና መንገዲ ይመርሕ ምድረ ገጽ ይሕድስ” ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ እዚ ሎሚ ብዘይምስምማዕን ምፍልላይን ዝልለይ ዓለምና ድማ ነዚ ዝቃወም ስኒት ኣዝዩ የድልያ ኣሎ፥ ኣብ ክውንነት ሎሚ ፍጥረት ሰብ ኣዚዩ “መረብታዊ ምትእስሳር” ዘለዎ እኳ እንተመሰለ ነንሕድሕዱ ዝተበታተኸን ብሸለልትነት ዝያዳ ዝደንዘዘን ክይኑ ኣሎ፡ እዚ ሎሚ እንዕዘቦ ዘሎና ብዙሓት ውግእን ግጭትን ውልቀ ሰባት ዝፍጽምዎ ዝገማምዕን ተጻብኦታት ዘስፍሕ ናይ ዲብሎስ መንፈስ ዘስዕቦ እኩይ ተግባር እዩ። ነዚ መንፈስ ክፍኣት ዘይምስማዕን ንምምካቱን ጐይታ ኣብ ጫፍ ድሕነት ከመይ ጌሩ ንሓቀይና ሰላም ዘድልየና ስኒት ንኽህበና ሰናይ መንፈሱ ከም ዘውረደልና ገሊጾም። መንፈስ ቅዱስ ስኒት የምጽእ -መንፈስ ሓድነትን ወሃቢ ሰላምን” እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስኒት ካብ ብዙሕነት
መንፍስ ቅዱስ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከመይ ገይሩ ከም ዝሰርሕ ካብ ዕለት ጴንጠቖስጠ ጀሚሮም እከብርሁ፥ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያት ወሪዱን ንነፍሲ ወከፎም ፍሉይ ጸጋን ፍሉዩ መንፈሳዊ መስህብ እናሃበ ከመይ ኣብ ልዕሌኦም ከም ዝወረደ ገሊጾም፡ ከምኡ እውን ሓደ ሰብ እቶም ዝተፈላለዩ ህያባት ምድንጋር ክፈጥሩ ይኽእሉ እዮም ቢሉ ክሓስብ ይኽእል፡ ኣብ ክውንነት ግን መንፈስ ቅዱስ ስኒት ካብ ብዙሕነትን ስኒት ኣብ ብዙሕነት ዝፈጥር እዩ፥
ስኒት መንፈስ ቅዱስ ግዴታዊ፡ ሓደ ዓይነት ስርዓት ማለት ኣይኮነን፡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብርግጽ ዝርኣ እውን ክኸውን ይኽእል፡ እንተኾነ ግን ብመሰረት ብዙሕነት ውህበት መንፈስ ቅዱስ ዝተሃንጸ እዩ!
ብሓቂ ኣብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዘጉልሖ፡ ‘ኩሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ’ (ግብረ ሓዋርያት 2,4)። ኩሎም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሊኦም፥ ካብ ዝብል እዩ ህይወት ቤተ ክርስቲያን ዝጅምር፡ ካብ ንጹርን ዝርዝርን ውጥናት ዘይኮነስ ካብቲ ናይ ሓባር ተመክሮ ፍቕሪ ኣምላኽ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ብኸምዚ ኣገባብ ኣቢሉ እዩ ስኒት ዝፈጥር፡ ብፍቕሩን በቲ ኣብ ካልኦት ዝህቦ ህያባቱን ንኽንፈርድ ይዕድመና።
ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ ዘሎ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ድማ ዘኪሮም፥ እዚ መገዲ እዚ ድማ ናይቲ ሲኖዶስ ሕመረት ምዃኑ ኣዘኻኪሮም፡ ንኣስተንፎ መንፈስ ቅዱስ ተኣዛዚ ናይ ምዃን ዕድል’ዝሕብር መገዲ እዩ፡ እዚ ንኣስፍሆተ ወንጌል ዝድርኽ እዩ።”
ብዘይ መንፈስ ቅዱስ ቤተ ክርስቲያን ህይወት የብላን፡ እምነት ተራ ትምህርቲ ግብረ ገብን ተራ ግብእነትን ጉስነት ድማ ናይ ስራሕ ጻዕሪ ጥራይ እዩ ዝኸውን። ምስኡ ብኣንጻሩ እምነት ህይወት ይኸውን ፍቕሪ እግዚኣብሔር የእምነና ተስፋ ድማ ዳግማይ ትውለድ፡ ስለዚ ንመንፈስ ቅዱስ ናብ ማእከል ቤተ ክርስትሊያን ንምለሶ!
ምስ በሉ ኣተሓሒዞም፥ መስርሕ ሲኖዶስ ንህዝበ እግዚኣብሔር ብሓንሳብ ብመንፈስ ተመሊኦም ክጓዓዙ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስኒት ክሃንጹን ክሕደሱን ፍልዩ ዕድል ዝህብ ምዃኑ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ።
ስኒት ኣብ ልባትና
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም፥ መንፈስ ምስ ኣምላኽ ጥብቅ ርክብ ክፈጥር እንከሎ፡ ኣብ ልባትና ስኒት ከም ዝመልስ ገሊጾም፥ ጐይታ መንፈሱ፥ “ሓጢኣት ክሓድግ ኣእምሮ ክዕረቕ ነቲ ኣዚዩ ዝቖሰለን ዝተሰብረን ብበደል ዝተደፋፍአ ልቢ ክዓርቅ” ለኣኾ፥
ስኒት እንተደሊና ንዕኡ ንድለይ እምበር ዓለማውያን መተካእታ ኣይንድለይ፡ በቢ መዓልቲ ንመፈስ ቅዱስ ንጸውዕ። ናብኡ ብምጽላይ መዓምትና ንመርምር፥ ንዓኡ እዙዛት ንኹን!
ቢሎም፥ እምበርእ ንናይ መንፈስ ሲኒት ክፉታት ዲና ኣይኮናን ገዛእ ራእስና ንመርምር፡ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ሓሳብን ጻዕርን ተጣቢቕና ብኣኡ ክንልወጥ ዘይንፈቐዱ ዲና ገዛእ ርእስና ንሕተት፡ ንናይ ገዛእ ርእስና ድኽመት ዕሽሽ እናበልና ንኻልኦት ኣብ ምፍራድ ህዉኻት ዲና ገዛእ ርእስና ንመርምር፡ ዕርቂ ከነዕቢ ስኒት ክንሃንጽ ንፍትን ዶ? ናይ ገዛእ ርእስና ምፍልላይ ንምስዓር “መንፈስ ቅዱስ ንለምን - መንፈስ ቅዱስን መንፈስ ወልድን መንፈስ ኣብን ዘይጸንት ስኒት እዩ፥ “ንዓኻ መላእ ዓለም ሕድሪ ንብል፡ ልብንና ቤተ ርክርስቲያናን ናባኻ ነወክፍ” ብዝብል ጸሎት ዘስምዕዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።