ር.ሊ.ጳ.፥ ወርሒ ግንቦት ጸሎት ምእንቲ ሰላምን ኲናት ከብቕዕን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 3 ግንቦት ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ፥ ኣብ ዩክረይን ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያን ሓደራ ቢሎም፡ ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ህዝብታት ድልድል ሰላም” እትሃንጽን፥ “ነቶም ማዕጾኣ ዝኹሕኩሑ ድማ ኣብ ፍልልያቶም ሓንጎፋይ ቢላ ክትቕበሎም” ተማሕጺኖም፥ ኣብዚ ንማርያም ዝውፈ ወርሒ ግንቦት፥ ኣብ ኤውሮጳ፥ “ጽንዓት ኣብ እምነትን ሓድነትን ስኒት ዘለዎ ምትሕብባርን ልዕሊ ኩል ሰላም ብፍላይ ኣብ ዩክረይን” ክህሉ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንማርያም ዝተወፈየ ወርሒ ግንቦት “ጸሎትን ዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴን” ሰላም ሓሳብ ዝገበረ ክኸውን ሓቲቶም፥
ሰላም ኣብ ዩክሬይን
ነቲ ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ምልስ ቢሎም ብምዝካር፡ ነቶም ኣብቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንዝሓበሩ ካብ ፖላንድን ሃንጋርን ዝመጹ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥
ምእንቲ ሃገራትኩምን መላእ ኤውሮጳን ኣብ እምነት ጽንዓት ሓድነትን ስኒትን ምትሕብባርን ሎዕሊ ኩሉ ግን ንሰላምን ብፍላይ ኣብ ዩክሬይን በማላድነት ማርያም ምእንቲ ሰላም ክትጽልዩ ሓደራ፡ . . .
ናብ ማርያም ዝቐርብ ጸሎት
ኤውሮጳ ኣብ መንጎ ህዝብታት ድልድል ሰላም ንምህናጽ ካብ ሃንጋሪ ክሳብ ዩክረይን ዝዝርጋሕ፥ ፍልልያት ዘሳዄዐት ሓንቲ ኤውሮጳ ነቶም ማዕጾኣ ዝኹሕኩሑ ክትቅበልን” ተማሕጺኖም፥ “ልብና ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ” ሱር ክሰድድን “ኣብ ዓለም ድልድላት ሰላም ንምሕናጽ” በማላድነት ማርያም ጸሎትና ጽኑዕ ይኹን ሓደራ ቢሎም፥
ነቲ ስዉእ ህዝቢ ዩክረይን ንመጸናንዒት ኣደን ንግስተ ሰላምን ሓደራ ንበል!
እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።