ድለ

ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሊዝበን 2023 ዓ.ም.፥ ኣብ ተስፋ ዘዕቢ ዕድል እዩ! ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሊዝበን 2023 ዓ.ም.፥ ኣብ ተስፋ ዘዕቢ ዕድል እዩ! 

ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሊዝበን 2023 ዓ.ም.፥ ኣብ ተስፋ ዘዕቢ ዕድል እዩ!

ቤተ ክርስቲያን “ሓይሊ መንእሰያት ከተስተማቕር” ዝተባርከት እያ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዋና ከተማ ፖርቱጋል፥ ሊዝበን ንዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ንዝሳተፉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኣብቲ መደብ ዝሳተፉ መንእሰያት፡ ምስቶም ከምኣቶም መንእሰያት ዝኾኑ ንኽራኸቡን ብተስፋ ክዓብዩን ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ካብ ዕለት 1 – 6 ነሓሰ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ፑርቱጋል ርእሰ ከተማ ሊዝበን ዝክየድ ምዃኑ ቅድም ክብል ተሓቢሩ ከም ዝነበረን ቅዱስነቶም ነቶም ንኽሳተፉ ዝተመዝገቡ መንእሰያት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ኣተባቢዖም፥ “ኣብ ኣእምሮኹም ዝመላለሰ ዘበለ ነገራት ክርድኦ ይኽእል እየ፥ ንኽትሳተፉ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክትሓቱን ካብ መጽናዕቲ ክትቦኽሩን ንመገሻ ዘድልየኩም ነገራት ክትረኽቡን ተሕልፍዎ ዘለኹም ሓላፍነት ዝመልኦ ምድላዋትን ዝብሉ ጠቒሶም፡ ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነቲ ዝስምዖም ፍናንን ተስፋን ከም መሰጋገሪ ብምጥማት ናብ ኵላውነት ክጥምቱ ኣተሓሳሲቦም፥

ኣብ ሓሴት ዝህነጽ ተስፋ

ኣብ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ምስታፍ ኣብ ተስፋ ዝቐውም ፍጻመታት ዝተሓንጸ ሰናይ ነገር እዩ፥ ስለዚ እቶም መንእሰያት ኣብዚ ኣሚኖም ብዓቢይ ኒሕ ገዛእ ርእሶም ከዳልዉ ተላብዮም “ተስፋ ይሃልኹም ምኽንያት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓለም ሓቆፍ ኣብ ዝኾነ መደብ ምስታፍ ብዙሕ ስለ ዘዕቢ”፥ እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ክፍለ ዓለማትን ዝመጹ መንእሰያት ብሓባር ኣብ ሓባራዊ ክብርታት ዝተመስረተ ዝምድናታት ኣብ ዝሃንጽሉ እዋን ዘደንቑ ሓደስቲ ነገራት ክረኽቡ ትጽቢት ክህልዎም ከም ዝኽእል ድማ ገሊጾም፥

ምስ ኣቦሓጎታት ኣደሓጎታትን ተዘራረቡ

ቤተ ክርስቲያን “ሓይሊ መንእሰያት ከተስተማቕር” ዝተባርከት እያ፡ ስለዚ ድማ ተሳተፍቲ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ክዳለዉ ኣተባቢዖም፥ ጽቡቕ ገርካ ምድላው ከኣ ምስ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያን ኣረጋውያንን ብቐረባ ብምርኻብ ናብ ኣናስር ምጥማት ዝሕግዝ እዩ፥ እቲ ብዕድመ ዝደፍአ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጥበብ ክህቡኹም ከም ዝክእሉ ኣስተውዕሉ ቢሎም፥ እቶም መንእሰያት ንቕድሚት ክብሉ ኣተባቢዖም፡ ኣብ ሊዝበን ንኽራኸብዎም ድማ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ምህላዎም ሓቢሮም ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ንዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት ሊዝበን 2023 ዓ.ም.፥ ኣብ ተስፋ ዝዕቢ ዕድል እዩ!
05 May 2023, 16:22