ፍራንቸስኮ፥ ቤተ ክርስቲያን ታሪኻዊ ናይ ምስማዐ-ርእየት ሰነዳታ ክትዕቅብ የተሓሳስቡ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ሽማግለ ስነ ፍልጠት ናይ ምስማዐ - ርእየት ዝኽሪ ካቶሊክነት ማሕበር ዘመሓላለፈዎ መልእኽቲ፥ ቤተ ክርስቲያን ታሪኻዊ ናይ ምስማዐ ርእየት ውርሻታታ ክትዕቅብ ይላበዉ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ሽማግለ ስነ ፍልጠት ናይ ምስማዐ ርእየት ዝኽሪ ካቶሊክነት ዓቃቢ ማሕበር ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኻውን ንብረታ ዝኾነ ናይ ድምጽን ኣሳእልን ብንስነ ፍልጠት መዐቀኒታት ክዕቀብን ስርዓት ብዘለዎ ኣገባብ እናተመሓላለፈ ክኸይድ መታን ኣብዚ መዳይ እዚ ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ተወፋይነት ክህልዎ ከም ዘተሓሳሰቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነዚ ሓድሽ ዝቖመ ብየኔታ ዳሪዮ ቪጋኖ ኣቦ መንበርነት ዝምራሕ ናይ ኢጣሊያ ማሕበር ‘ድምጽን ኣሳእል ዝኽሪ ካቶሊክነት’፥ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ድምጽን ኣሳእልን (ምስማዕን ርእየትን) ሰነዳት ዘጠቓልል ታሪኻዊ ውርሻታት “ንናይ ባህላዊ ህጹጽ ጉዳያት መልሲ ንምሃብን ምዕቃብን ዋጋ ምሃብን ዘለዎ ኣገዳስነት ብኣጽንዖት ከም ዝገለጹ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዕለት 2 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ኣብ ዝተካየደ ናይቲ ሽማግለ ቀዳማይ ዓውደ ኣኼባ ተረኺቦም ነቲ ናይ ቅዱስነቶም መልእኽቲ ዘንበቡ ናይ ሮማዊት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቤተ መዝገብን መጻሕፍትን ሓላፊ ናይቲ ዝቖመ ሓድሽ ናይ ስነ ፍልጠት ሽማግለ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ቪቸንዞ ዛኒ ክኾኑ እንከለዉ፥ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ኣገዳስነት እቲ ዝቖመ ሽማግለን ዘለዎ ልዑል ዋጋን ኣመላኺቶም፡ እቲ ትካል ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሲነማን ማህደራት ጉዳይ ዝከታተል ቤት ጽሕፈትን ናይ ባህሊ ተቕዋማትን ብዘሳትፍ ኣገባብ ብምትሕብባር ነቲ ናይ ካቶሊክነት ውርሻ ክዕቀብን እናተመሓላለፈ እውን ክኸይድ ዝገብር ክኸውን ኣለዎ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም ኣብ መልእኽቶም፥ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዛዕባ ናይ ቤተ ክርስቲያን ውርሻ ዝምልከት “ንቑሕ ክንክን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝደንገግዎ ሕጊ ዘኪሮም ነዚ መሰረት ገይሮም ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ድምጽን ኣሳእልን (ምስማዕን ርእየትን) ማህደር ዝከታተል ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዝውክል ተቕዋም ክህሉ ንምግባር ዘለዎም ድላይ ምዃኑ ሓቢሮም፥ እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግብሪ ክውዕል ዝጀመረ “ሁሩ ወመሃሩ” ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ቅዋም፥ ቤተ ክርስቲያን ናይ ስነ ፍልጠትን ስነ ምርምርን ስነ ጥበብን ሓቂ እትዕቅብ ጥራሕ ዘይኮነ እዚ ውርሻ እዚ እውን ሓቂ ንዝደልዩ ምሁራትን ተመራመርትን ክጥቀምሉ ዝሕግዝ እውን ምዃኑ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።