ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሃንጋሪ ንዝተገብረሎም እንግዶት የመስግኑ፥ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ንጸልይ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኣደባባይ ኮሱት ላዮስ ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፡ ንሰበ ስልጣንን ህዝቢ ሃንጋርን ንዝገበሩሎም ምዉቕ ኣቀባብላን እንገዳን ኣመስጊኖም ኣብ መላእ ኣህጉር ኤውሮጳ ብፍላይ ድማ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን ኩሉ ክጽሊ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፡ ህዝቢ ሃንጋሪ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ሕድሪ ኣቕሪቦም፥ . . . “ካብዛ ዓባይ ከተማን ክብርቲ ሃገርን ዛዕባ መላእ ሰላም ኣህጉር ኤውሮጳ እሓስብ . . . ብፍላይ ምእንቲ ህዝቢ ዩክረይንን ህዝቢ ሩሲያን ጸሎትና ነቕርብ፡ ንስኺ ንግስቲ ሰላም ኣብ ልቢ ህዝብታትን መራሕቶምን ሰላም ናይ ምህናጽን ንመንእሰያት ወለዶታት ናይ ተስፋ መጻኢ እምበር ናይ ውግእ ዘይኮነ፡ ናይ መቓብር ዘይኮነ ብርሃን ትንሳኤ ዝመልኦን ፈላላይ መናድቕ ዘይኮነ ናይ ሕውነት መንፈስ ከሰርጽ በማላድነትኪ ንጽሊ . . . ።”
ጸሎት ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ
ቅድስቲ ድንግል ማርያ ንናይ መጀመሪያ ስጉምትታት ቀዳሞት ማሕበረሰብ ክርስቲያን ከመይ ከም ዘሰነየትን ንደቀ መዛሙርቲ ኣብ ጸሎት ከም ዝሓበረቶም ኣዘኻኪሮም፡ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን “ብጸሎት ሓይላ ዝተሓደሰ ትሕትናን ተኣዛዝነትን ከምኡ እውን ኣብነት ዘእምን ምስክርን ናይ ሓጎስ ብስራትን ክትከውን” ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ምስጋና ስለ ዝተገብረሎም እንግዶት
ቅዱስነቶም ቀጺሎም ንሰበስልጣን መንግስቲ ሃንጋርን ኩሎም ሃንጋራውያንን ስለቲ ዝገበሩሎም ልባዊ ኣቀባብላን እንግዶትን ኣመስጊኖም፡ ብፍላይ ኣብቲ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ሓዋርያዊ ዑደቶም ካብ ርሑቕ ተጓዕዞም ንኽረኽብዎም ዝመጹ ብዙሓት ምእመናን ከምኡ እውን “ንሕሙማን ብዕድመ ዝደፍኡን ምሳና ኣብዚ ክሕብሩ ዘይከኣሉ ኣብ ጽምዋ ዘለዉ ኣብ ኣምላኽ እምነትን ኣብ ህይወት ተስፋን ዝሰኣኑን እሓስብ፡ ንኹልኹም ቅርበተይ አረጋግጽ ምእንታኹም እጽሊ ቡራኬይ ድማ እህበኩም” ቢሎም፥
ኣብ ወንጌል ዝተጠርነፉ ክርስቲያን
ንዅሎም ነቶም ናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ነቲ ኣብ ሃንጋሪ “ዘካይድክዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣፍልጦ ብምሃብን፡ ንዝሓበሩ እመስግን . . . ዶባት መራኸቢ እምበር ዝፈላልይ መናድቕ ክኸውን የብሉን ኣመንቲ ኣብ ክርስቶስ ድማ ዝፈላልየና ታሪኻውን ባህላውን ሃይማኖታውን መፈላለዪ ዘይኮነስ ነቲ ዝጥርንፈና ግብረ ሰናይ ከነጉልሕ እንኮለና ሰናይን ጽቡቕን ይኸውን፡”
ናይ ወንጌል ሓሴት ምስፋሕ
ህዝቢ ሃንጋሪ ብሓጎስ ክርስቶስ ናብ ኩሉ ከባብኦም ከብጽሑ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ . . . ናይዘን መዓልታት ሓሴት ኣብ ልበይ የንብሮ . . . ሰናይ ትምኒተይ እገልጸልኩም፡ ስለይ ሓደራኹም ጸልዩ፡ ኣምላኽ ንህዝቢ ሃንጋሪ ይባርኽ” እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።