ድለ

 “ኣእዳው ካብ ኣፍሪቃ ክለዓል!” ዘርእስታ መጽሓፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ኣእዳው ካብ ኣፍሪቃ ክለዓል!” ዘርእስታ መጽሓፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 

“ኣእዳው ካብ ኣፍሪቃ ክለዓል!” ዘርእስታ መጽሓፍ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ፥ “ሃብታን ጸጋታትን ካብ ነዊሕ እዋን ዝመዝመዘላ ሃገር፡ ብዘመትን ግጭትን ዝደኸመት ሃገር ዳግማይ ክትህነጽ ብብርቱዕ ተስፋ እትጽበ ሃገር”

ንቐጻሊ ምዝመዛ ኣፍሪቃ ብሓይልታት ምዕራባውያን ዝኹንን ናይጀሪያዊት ጸራሲትን ተሓላቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮን ቺያማንዳ ንጎዚየ ኣዲቺየ ዝደረሰኦ መቕድም ዘተነብሮ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲሙ ካብ ዕለት 22 ግንቦት ከም እተዘርገሔ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣእዳው ካብ ኣፍሪቃ ይለዓል!” ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዝፍጸም መዝመዛን ጸጋታት ምሕንካኽ ከብቅዕን መሬታ መሬት ተፈንጀርቲ ቦምባታት ካብ ምዃን ክትላቐቕን፥ ናይ ገዛእ ርእሳ ዕጫ ቀንዲ ተዋሳኢት ክትከውን” ዝብል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ኣብ ቀዳማይ መደረኦም ዘስመሩሉ ቃል ማእከል ዝገበረት መጽሓፍ ምዃና ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እዛ መጽሓፍ ቅዱስነቶም ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ኣብ ዘካየድዎ ዑደት ዘስምዕዎ መደረታትን ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን ስብከታትን ብስሩዕ ኣገባብ እተቕርብ ኮይና፡ ናይ ቅዱስነቶም ድምጺ ጥራሕ ዘይኮነ ናይቶም ኣብ ጉዕዞኦም ዝተራኸብዎም ሰባት ድምጺ እተቃልሕ እውን እያ፥ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ሕሱም ሓድሕዳዊ ግጭት ከም ዘሎን፡ ህዝበን በዚ መዓት እዚ ንዝተፈላለየ ስቓይ ተቓሊዑ ዘሕልፎ መሪር ኩነታት ብቃል ቅዱሰንቶም እንታይ ይመስልን ምኽንያቱን እተቕርብ እውን እያ፡ ናይታ መጽሓፍ መቕድም ደራሲት ናይጀሪያዊ ተሓላቒት መሰል ደቂ ኣንስትዮን ደራሲትን ቺማንዳ ንጎዚ ኣዲቺየ ከም ዝኾና ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስስዒቡ፥

ናይ ሰላም ነጋዲ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 31 ጥሪ - ዕለት 5 ለካቲት 2023 ዓ.ም. ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ዑደት ከም ዘካየዱ ዝዝከር ኮይኑ፥ ናይቲ ዘካየድዎ መገሻ መርሕ ቃል እውን “ነጋዲ ሰላም” ዝብል ኮይኑ፡ ኣብተን ብግጭት ዝተሃስያ ሃገራት ዕርቂ ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ካብ እደ ኣታውነት ወጻኢ ሃገራት ናጻ ንኽኾና ንምትብባዕ ዝዓለመ እውን ምንባሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፡ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ምስ ናይ መንግስትን በርገሳውያንን ላዕለዎት ኣካላትን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን ከምኡ እውን ምስ ጳጳሳትን ገዳማውያንን ገዳማውያንት ልኡካነ ወንጌል ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ምእመናንን መንእሰያትን ተራኺቦም፥ “ፖለቲካውን ቁጠባውን መግዛእትን” ስርዓት ጊልያነት እንክብሉ ገሊጾም፡ እዚ ሓድሽ ጊልያነት እዚ ከብቅዕን ከምኡ እውን ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብ ሞንጎ ተጻባእቲ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ዘሎ ግጭት ሃገርን ህዝብን ዘዕንው እዩ እሞ፥ ንሰላም ግዚኡ ሕጂ እዩ፡ ካልእ ዝባኽን ግዜ የሎን እንክብሉ ንዕርቅ ከም ዝዓደሙን ክዝከር እንከሎ እታ መጽሓፍ ነዚ ኩሉ ምእንቲ ናጽነት ኣፍሪቃን ህዝባን ዘስምዕዎ መደረ እተቕርብ ምዃና ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ሸለልትነት ዓለምን

ኣዲቺየ ኣብቲ ዝደረስኦ መቕድም፥ ብፍላይ ኣብቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝገበርዎ ጉዕዞ፥ “ሃብታን ጸጋታትን ካብ ነዊሕ እዋን ዝመዝመዘላ ሃገር፡ ብዘመትን ግጭትን ዝደኸመት ሃገር ዳግማይ ክትህነጽ ብብርቱዕ ተስፋ እትጽበ ሃገር” እብክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ፡ ብኣጽንዖት የዘኻኽራ፡ እቲ ዝዓበየ ዘሕዝን ፍጻመ ናይዚ ኩነታት እዚ፡ “እቲ ዝተሓላለኸ ግጭት ዘይኮነስ ናይ ዓለም ሱቕታ - ዘይተገዳስነት” ምዃኑ ገሊጸን፥ ግጭት “ናይ ኣፍሪቃ ጸጋታት እትበልዕ ዓለም ንሰብኣውነት ኣፍሪቃ ብቐጻሊ ተዕንው ምዃና ዘርእይ እዩ” ቢለን ምስ እዚ ኣተሓሒዘን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ፥ ተረኺቦም ናይ ዘስምዕዎ መደረ መልእኽቲ ንኮንጎን ንኣፍሪቃን ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ዝምልክት እዩ፡ እዚ ድማ እቲ ሰሜናዊ ዓለም ዝምርኮሰሉ ጸጋታታ ምኽንያት ዝገበረ እሞ እታ ሃገር ዳግማይ ከምቲ ኣብ ዝሑል ኩናት ዘጋጠመ ናይ ምዕራባውያን ውክልና ውግእ ዝካየደለን ዝነበራ ሃገራት ኮይና ኣላ ዝብል ስግኣት ስለ ዘሎ እውን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣፍሪቃን ህዝባ እውን ከም ኩሉ ፍጥረት ሰብን ሃገርን ክቡር ዋጋ ስለ ዘለዎም ምዃኑ ኣብቲ ዝደረሰኦ መቕድም ከም ዘነጸራ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

23 May 2023, 15:54