ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንብጋሰ ስድራ ቤታዊ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ይድግፉ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንፈለማ ግዜ ዓለም ለኻዊ ስምምዕ ስድራ ቤት፥ ኣብ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዘበገሶ መጽናዕታዊ ምርምር ኣባይቲ ስድራ ናብ ዘተ ዘእትው ንኣባይቲ ስድራ ዝኣመተ ሓዋርያዊ ጉስነት ብሉጽ ዝገብር ከም ዝኾነ ሓቢሮም፥ ነዚ ተበግሶ ድጋፎም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ንመጻኢ ዓለምን ናይ ቤተ ክርስቲያንን ወሳኒ” ንሃለዋት ስድራ ቤት ንምድጋፍ ዝሕግዝ መገዲ ተባሂሉ ዝጅምር ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ስድራ ቤታዊ ውዕል ደገፎም ገሊጾም፡ ኣብቲ ዕለት 30 ግንቦት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብዕላማታት ናይቲ ውዕል ተበግሶ ምኽንያት ንዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ህይወትን ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ከምኡ እውን ጳጳሳዊ ተቕዋም ማሕበራዊ ስነ ፍልጠትን ንኢዶም፥
ጉስነት ኣብ ዘተ
ዓለም ለኻዊ ውዕል ስድራ ቤት ብፍላይ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኣባይቲ ስድራ ዘጋጥሞ ሓድሽ ብድሆታት ኣብ ግምት ብምእታው ንጉስነት ስድራ ቤት ምስ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዝርከብ ማእከላት መጽናዕትን ስነ ፍልጠትን ብዛዕባ ስድራ ቤት ናብ ዘተ ንምምጻእ ዝዓለመ እዩ። እቲ ዕላማ ንኽልቱኡ ዝጠቅም እውን ምዃኑ ቅዱነቶም ገሊጾም፥ “ኣብተን ፍሉያት ኣቢያተ ክርስቲያን ዝርከባ ኣባይቲ ስድራ ጉስነታዊ ክንክን ካብቲ ኣብ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ዝካየድ መጽናዕትን መደባት ትምህርትን ዘቕርቦ ህንጸት ተጠቀምቲ ክኾና ኣለወን” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ መናብርተ ጥበብን መደባት ጉስነት ኣገልግሎትን ብሓባር ብምጥርናፍ ክልቲኦም ኣብዚ ዘይርጉጽነትን ጭንቀትን ዝረኣየሉ እዋን፥ ናይ ስድራ ቤትን ህይወትን ባህሊ ብዝበለጸ ከስፍሑ ከም ዝኽእሉ ሓቢሮም፡ እቲ ተስፋ ሎሚ ሰባትን ሓደስቲ ወለዶታትን ንጽባቐን ዋጋን ኣገዳሰነት ሓዳርን ስድራ ቤታዊ ሕይወትን ከምኡ እውን ንህይወት ደቂ ስባት ምፍራይን ምሕብሓብን ዝያዳ ከጽዕሩ ከም ዝኽእሉ ምርግጋጽ እውን እዩ። ቅዱስነቶ ሓዋርያዎ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ፥ ናይ ፍቕሪ ሃሴት ጠቂሶም ነቲ ዕላማ፥ “እቲ . . . ንሓዳርን ስድራ ቤትን ንምምራጽ ዝድርኹ . . . ድርኺታት ንምቕራብ ዝያዳ ሓላፍነታውን ለጋስ ንጻዕሪ ምግባርን በዚ መገዲ እዚ ድማ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ነቲ ጸጋ ብዝለበለጸ ምላሽ ንምሃብ ንሓገዝ ኣምላኽ የቕርቦም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣብ ቅልውላው ዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ
ሎሚ ብብዙሕ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብዘይተጸበናዮን ብድሆታትን ከምኡ እውን ብደረጃ ሕብረተሰብን መምርሕታትን ዝመጽእ “ቅልውላው ኣብ ዝምድናታት ኣባይቲ ስድራ” ኣብ ህይወት ስድራ ቤት ጸቕጢ ክገብሩ ንዕዘብ ኣሎና፡ ከምኡ እውን መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ “ስድራ ቤት ቀንዲ ምንጪ ማሕበራዊ ህይወት ኮይና ትቕጽል ኣላ፡ ከምኡ እውን ብዓለም ደረጃ ክካፈሉን ክነቓቕሑን ዝግብኦም ጽቡቕ ልምድታት ከምዘለዉ ዘመልክት እዩ” እንክብሉ ኣጒሊሖም፥ ኣብዚ ጻዕርታት ስድራ ቤት ባዕሎም ኣባይቲ ስድራ መሰኻኽርን መራሕትን ክኾኑ ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ኣርባዕተ ሸቶታት
ቅዱስነቶም ከም ኣካል ናይቲ ነዊሕ ዝጸንሕ መስርሕ ብዓለማዊ ስምምዕ ስድራ ቤት ቅቡል ዝኾነ ኣርባዕተ ሸቶታት ተመልኪቶም ከም ዘለዉ ኣብሪሆም፥ እቲ ቀዳማይ ኣብ መንጎ ንጉዳያት ስድራ ቤት ዝከታተላ ማእከላት ምርምር መናብርተ ጥበብ ዘተን ዝዓበየ ምትሕብባርን ንምጅማር ዝጥምት ኮይኑ፡ ኣብ መንጎአን ዝዓበየ መርበባዊ ርክብ ምህላው እዩ። እቲ ካልኣ ዕላማ ድማ ኣብ መንጎ ማሕበረሰብ ክርስቲያንን ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብን ዝዓበየ ምትሕብባር ኣብ ትሕዝቶን ዕላማን ምፍጣር ዝጥምት እዩ፡ እቲ ሳልሳይ፥ ምድንፋዕ ባህሊ ስድራ ቤትን ህይወትን ኣብ ሕብረተሰብ ዝብል እዩ፡ ሓጋዚ ህዝብዊ መምርሕታት ንኽቕልቀል እውን። እቲ ራብዓይ ዕላማ፥ እታ ስድራ ቤት ኣብ መንፈሳዊ ጉስነታዊ ባህሊ ሕጋዊ ፖለቲካዊ ቁጠባውን ማሕበራውን ዓውድታት ብዝበለጸ ክትግልገል ምእንቲ ብሓባር እማማት ምቕራብ ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፥
ብዙሕ ካብቲ እግዚኣብሔር ንማሕበረሰብ ደቂ ሰባት ዝሓልሞ ሕልሚ ኣብ ስድራ ቤት እዩ ዝፍጸም!
ኵሉ ሰብ ነታ ስድራ ቤት ክሕግዝን ብሰንኪ ዘይርጉጽነትን ውልቃውነትን ሃልኪን ወይ ድማ ውልቀ ሰባት
ንርእሶም ጥራይ ኣብ ዝጥምቱ መጻኢ ክይተብል መታን እንክብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥
ብዛዕባ መጻኢ ስድራ ቤት ከም ማሕበረሰብ ህይወትን ፍቕርን ፍሉይን ዘይብተኽን ቃል ኪዳን ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ወለዶታት ዝራኸብሉ ቦታ ምንጪ ተስፋ ሕብረተሰብ ዘይግደሱ ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና!
ቢሎም ንኹሎም ነቶም ኣብ ዓለማዊ ውዕል ስድራ ቤት ዝተጸንበሩ ኣመስጊኖም ንቤተሰብ ዳግማይ ኣብ ሕመረት ጉስነታውን ማሕበራውን ተወፋይነት ንምምስራቕ ዝሕግዝ ጻዕርታት ብመሃዝነቶምን ብርእሰ ተኣማንነቶምን ስለ ተወፋይነቶም ኣመስግን እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።