ር.ሊ.ጳ.፥ ንካቶሊካውያን መምሃራን ክፉት ሰብኣውን ኣእምሮን ክፈጥሩ ይዕድሙ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካቶሊካውያን መምሃራን ህልዮነት ሰጊሮም ናይ ሓባር ረብሓ ከማዕብሉ ዝኽእሉ መንእሰያት ከህልዉ ዝሕግዙ ክኾኑ ከም ዘለዎም ኣተባቢዖም፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ካቶሊክ - ኵላውነት እዩ፡ ስለዚህ ካቶሊካውያን መምሃራን ኵላውያን - ካቶሊካውያን ዝኾኑ መንእሰያት ከቑሙ ከም ዘለዎምን ምእንቲ እዚ ክንየው ህልዮነት ዝሓልፉ ቋንቋ ሰብኣውነት ዝዛረቡ ክፉት ኣእምሮን ልብን ኣእዳውን ዘለዎም መንእሰያት የድልዩና” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ኣባላት ውዳበ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ላቲን ኣመሪካን ካሪብያንን ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ጋግ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ነታ ዘፍቅርዋ ዝተወለዱላ ላቲን ኣመሪካ ዘሳቕይ ዘሎ ቝስሊ እናሓሰቡ፥ ዘይምዕሩይነት ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላዋት ከምኡ እውን ህልዮኣውን ፖለቲካውን ውልትውና ነታ ኣህጉር ናብ ሁከት ዘእትዋ ይመስል እንተሃለወ፡ ግን ኣምላኽ ብዝጸበቐን ፈጠራውን ኣገባብ ዝዓየሉ ስፍራ እያ።”
መርበብ
እቲ ውዳበ ናይ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ላቲን ኣመሪካ ካሪቢያንን ኣብ ቺለ ብሊቀ ጳጳሳት ኣልፍሬዶ ሲልቫ ሳንትያጎ ምስ ብርክት ዝበሉ ካቶሊካውያን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብምትሕብባር ዝተመስረተ እዩ፡ ኣብዚ እዋን እዚ 115 መናብርተ ጥበብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ዝሓቁፍ ኮይኑ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮንን ፈረቓን ተመሃሮ ዝውክል ልዕሊ 110 ሺሕ መምሃራን መናብርተ ጥበብን ኣስታት 5 ሺሕ ዝተፈላለዩ ዓይነት ጨንፈር ስነ ፍልጠት ዝውክል ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ነቶም ናይቲ ማሕበር ወከልቲ ኣብ ሃገራውን ስግር ደባውን ኩነታት ብምትኳር፡ “ምስ ትምህርቲ ተዛማዲ ዝኾነ መምህርሕታት ኣብ ምሕናጽ ኣበርክቶ ክገብሩ ኣተባቢዖም - እቲ ለበዳን ሳዕቤናቱን ኣብ መላእ ዓለም ንፖለቲካውን ወተሃደራውን ቅልውላው ኣብኢስዎ ኣሎ፡ ህልዮኣዊ ምትፍናን ንጻዕርታት ልምዓትን ሃረርታ ናጽነትን በራት ዝዓጽው ይመስል” ኣሎ ምስ በሉ፥ እዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ነቲ ዝኣረገ ቁጠባዊ ስርዓታትን ቅድታትን ንምግምጋም ዕድል ዝህብ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኪንየው እቲ ኣብ ህልዮ ዝተመርኮዘ ጽልኢ ዘላብዕ ናብ ኣግላሊ ባህሊ ዝመርሕ ኩነት መፍትሕታቱ ክንብል ዝድርኸና ምዃኑ ኣብሪሆም፡ በዚ ድማ ከምቲ ትካል ዝኣመሰሉ ውዳበታት መርበባዊ ማሕበር ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ብምቛም ናብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክዓዩ ዝኽእሉ ካቶሊካዊ ኣእምሮ ክፈጥሩ ተላብዮም፥ መንበረ ጥበብ ዝብል ቅጽል ሽም ኣእምሮ ዘደልድልን ምትብባዕ ዝህብን ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ኣፍሊጡ።
ዓለም ለኻዊ ውዕል ትምህርቲ
ነቲ ባዕሎም ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ እዋን ህጹጽ ኩነታት ለብዒ ኮቪድ - 19 ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ለውጢ ንምትብባዕ ኣሚቶም ዘበገስዎ ዓለም ለኻዊ ውዕል ትምህርቲ ብምዝኽካር፡ ትምህርቲ ንውልቃዊ ባህሊ ጸረ መርዝን . . . ኣብ ምትሕግጋዝን ራእይ ሓባራዊ መጻእን ዝተመስረተ ናይ ተስፋ ኪደት እዩ። ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ‘ልቢ ተልእኾ’ ዘለዎ ቋንቋ ‘ሰብኣውነት’ ዝተማህሩን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓብይን ወሳንን ተራ ኣለወን” እንብክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።