ድለ

cq5dam.thumbnail.cropped.750.422.jpeg

ር.ሊ.ጳ. ብህቦባላ ሞቻ ንዝተሃስዩ ማሕበረሰባት ሓገዝ ክህሉ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ቅዱስነቶም ነቶም በቲ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዝተጠቕዑ ህዝብታት ቅርበቶምን ጸሎቶምን ኣረጋጊጾም፥ ናይ መንግስቲ ኣካላት እቶም ዝተጐድኡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሖም ኣብ ምግባር ክተግሁ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን በዓለ ጰራቅሊጦስ ኣብ ዘብዓለትሉ ሰንበት ዕለት 28 ግንቦት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን መሪሖምን ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ መንጎ ምያንማርን ባንግላድሽን ዝርከቡ ከባቢታት ዕንወትን ሞትን ብዘስዕብ ብርቱዕ ህቦብላ ንዝተሃስዩ ህዝብታት ሰብኣዊ ሓገዝ ከይፈለዮም ንሰበ ስልጣን  ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰበ ስልጣን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ወሽመጥ ቤንጋል ብህቦብላ ሞቻ ንዝተሃሰዩ ህዝብታት ሓገዝ ንምብጻሕ  ተበጻሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ከመቻችእ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ “ልዕሊ 800 ሺሕ ሰባት” ብጀካ እቶም ኣብ ሚያንማር ካብ ዓመጽ ዝሃዱሙን ኣብ “ዘይተረጋገጸ ኩነታት ዝርከቡ” ናብ ባንግላድሽ ዝኣተዉን ብዙሓት ሆሪንጋውያን ስደተይናታት ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮም ኣመላኺቶም፥ ኣብ ዶብ ምያንማርን ባንግላደሽን ዝነብሩ ብህቦብላ ንፋስ ንዝተሃሰዩ” ክንጽኪ ከም ዝዓደሙ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ሞትን ዕንወትን

እቲ ብርቱዕ ህቦብላ ሞቻ ዕለት 14 ግንቦት ኣብ መንጎ ባንግላደሽን ሚያንማርን ኣብ ዝርከብ ከባቢ 41 ሰባት ንሓደጋ ሞት፡ ካልኦት 700 ድማ ንሓደጋ ማህሰይቲ ከም ዘቃለዔን ብጠቕላላ ን5.4 ሚሊዮን ህዝቢ ከም ዝጸለወን 3.2 ሚሊዮን ድማ ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ክሕበር እንከሎ፡ ኣብ ባንግላደሽ ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ህቦብላ ንኣስታት 2.3 ሚሊዮን ሰባት ዝጸለወ ኮይኑ፡ ኣስታት 12 ሺሕ ኣባይቲ ከም ዝዓነወን ኣብ መዓስከር ስደተይናታት ዝርከቡ ሮሂንጋውያን ብዝያዳ ከም ዝሃሰየ ክፍለጥ እንከሎ፥

ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት ንዕድለ ረድኤት

ቅዱስነቶም ነቶም በቲ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዝተጠቕዑ ህዝብታት ቅርበቶምን ጸሎቶምን ኣረጋጊጾም፥ ናይ መንግስቲ ኣካላት እቶም ዝተጐድኡ ሰብኣዊ ሓገዝ ክበጽሖም ኣብ ምግባር ክተግሁ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ማሕበራትን ኤቅለሳውያን ናይ ግብረሰናይ ማሕበራትን ነቶም ዝተጎድኡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓገዝ ከቕርቡ ጻውዒት ኣመሓላሊፎም ዘስምዕዎ ቃለ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲኣክን ሓቢሩ።

31 May 2023, 08:59