ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 30 ሚያዝያ ካብ ሃንጋሪ ኣብ ምምላሶም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ኣብ ሃንጋሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻኦም ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ምስቶም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ዘሰነይዎም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ዜና ማዕከትናት ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዩክረይን ዕርቂ ንምምጻእ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ከምኡ እውን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሆስፒታል ዝኣተውሉ ምኽንያትን ብዛዕባ ጥዕናኦምን ኣብ ዝምልከቱን ካልኦትን ሕቶታት ሰፊሕ መልሲ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብታ ካብ ቡዳፐስት ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ዝተጓዓዙላ ነፋሪት ነቶም ዘሰነይዎም ልኡካን ጋዜጠይናታት ንዘቕረቡሎም ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ሰፊሕ መልሲ ከም ዝሃቡን . . . ኣብ እዋን ኲናት ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ህጻናት ዩክረይን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ኣብ ተስፋ ሰላም ምስ ክረምሊን ዝገብርዎ ዘለዉ ርክብን ቅድሚ በዓለ ሆሳዕና ኣብ ሮማ ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክምና መእተዊኦምን ምኽንያት ብዛዕባ ጥዕናኦም መልሲ ሂቦም፥
ኣብ ሃንጋሪ ኣብ ዝገበርክምዎ ርክባት ውልቃዊ ተመክሮኹም እንታይ ይመስል?
ኣብ ሱሳታት ብዙሓት ሃንጋራውያን ኢየሱሳውያን ካብ ሃገሮም ኣብ ዝተሰጎጉሉ እዋን ናብ ኣርጀንቲና ምስ ዝመጹ ከም እተራኸቡን፡ እዚ እውን ንፈለማ ግዜ ምስ ሃንጋራውያን ኣብ ምርኻብ ናይ መጀመርያ ተመክሮኦም ምዃኑ ገሊጾም፥ ካብ ሃንጋሪ ዝመጹ ኣባይቲ ስድራን ዓለማውያን ምእመናንን ብቐረባ ክራኸቡ ከም ዘክኣሎምን . . . እቶም ሃንጋራውያን ስደተይናታት ብምንባሮም ናብ ዓዶም እውን ክምለሱ ዘይክእሉ ብምዃኖም ዝስምሞም ዝነበረ ቃንዛ ከም ዝተነከፎም . . . ይሕብሩ።
ቅዱስነቶም ልባትናን ማዕጾ ኣባይትናን ዶባትናን ክንከፍት ካብ ርእሰ ፍትወት ተላቒቕና ስደተይናታት ነቶም ዘይሕጋዊ እውን ዝኾኑ ስደተይናታትን ተመዘበልትን ክእንገዱ ጻውዒት ኣቕሪብኩም . . . ምስ ናይ ሃንጋሪ መራሔ መንግስቲ ኦርባን ኣብ ዝገበርክምዎ ርክብ ነቲ ዝዓጸውዎ ዶባቶምን ናይቲ ዝዓጸውዎ መስመር ባልካን ንኽኸፍቱ ሓቲትክምዎም ዶ? ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት እውን ምስ ሜጥሮጶሊታ ሂላሪዮን ተራኺብኩም ነርኩም ናይዚ ርክብ እዚ ዕላማ እንታይ ነይሩ ምሓበርኩምና ዶ? ወትሩ ሰላም ክኡል ዝገብሩ መትረባት እቲ ዝዓበየ ገዛእ ርእስኻ ምኽፋት እዩ . . . ሰላም ገዛእ ርእስኻ ኣብ ምዕጻው ክኡል ክኸውን ዘይሕሰብ እዩ። . . . እዚ ቀሊል ኣይኮነ፡ እዚ እውን ንመራሔ መንግስቲ ኦርባን ኮነ ንካልኦት እውን ደጋጊመ ዝብሎ ጉዳይ እዩ፡ . . . ብዛዕባ ጸኣት ስደተይናታት ናብ ኤውሮጳ ብኤውሮጳዊ መድርኽ እዩ ክረአ ዘለዎም እምበር ንነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝሕደግ ማሕበራዊ ክስተት ኣይኮነን፡ ስለዚህ እቲ ሕብረት ኤውሮጳ ዝብል መጸውዕ ኣብ ኩሉ መድረኻት ክውን ክኸውን ኣለዎ . . . ምስ ጉዳይ ስደተይናታት ዝተኣሳሰረ ጉዳይ እውን ኣሎ፡ ንሱ እውን መጠን ውልደት ዝምልከት እዩ፡ ከም ኢጣሊያን ስፐይን ዝኣመሰላ ሃገራት ውላድ ዘይብለን ይኾና ዘለዋ . . . ኣብዘን ሃገራት እዚኣተን ብዙሓት ሓውሲ ከተማታተ ዞባተን ብዋሕዲ ሰብ ምኽንያት ናብ ምድረ በዳነት እዩ ዝቕየር ዘሎ . . . ስለዚ ስደተተይናታት ነዚ ጉዳይ እዚ እውን መልሲ እያቶም። ስደተይናታት ጸገም ኣይኮኑን! . . . ካልእ ብዛዕባ ምስ ሂላሪዮን ዘካይድዎ ርክብ . . . ሂላሪዮን በሊሕን መስተውዓልን ሜጥሮጶሊታ እዮም። . . . ብዛዕባ ሓድነት ክርስቲያን ክንዛረብ እንተድኣ ኮይናን ክፉት ኢድ ክህልወና ኣለዎም . . .
ምስ ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ኪሪል ኲናት ካብ ዝጅምር ሓንሳብ ጥራይ ከም እተራኸቡ ነርበዓ ደቓይቕ ከም ዝዘተዩን በቶም ንሂላሪዮን ዝተክኡ ሜጥሮጶሊታ ኣንቶንዮ ኣቢሎም ርክባቶም ቀጻሊ ምዃኑ ድማ ይሕብሩ። . . . ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ኪሪል ክራኸቡ መደብ ከም ዝነበሮምን እቲ ርክብ ብሰንኪ ኩናት ከም ዘይተኻየደ ኣዘኻኺሮም፡ ይኹን እምበር እቲ ርክባት ቀጻሊ እዩ። ምስቶ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ፈደራላዊት ሩስያ ልኡከ መንግስቲ ጽቡቕ ሌላ ዘለወኦም ኣቢሎም እውን ርክባቶም የቐጽሉ ምህላዎም የብርሁ።
. . . ኣብቲ ዘካየድዎም ርክባት ብዛዕባ መገዲ ሰላም ኣገዳስነቱን ብዛዕባ ህልው ኲናት ከም ዝዘተዩን እቲ ኲናት ደው ክብል ዘድሊ ነገር ኩሉ ክገብሩ ድማ ድልው ምዃኖም ኣረጋጊጾም . . . እቲ ዝገብርዎ ዘለው ጻዕሪ ንህዝቢ ብወግዒ ኣይተገልጸን . . . ኣብይ ከም ዝበጽሕ ምጽባይ ክሕሸና እዩ። ምእንቲ ሰላም ዘድሊ ኩሉ ክፍጽሙ ፍቓደይና ምዃኖም ደጊሞም የረጋግጹ።
ብዛዕባ ጥዕናኦም ድሕሪ ኣብ ጀመሊ ቤት ሕክማን ዝተገብረሎም ክንክን ጥዕና . . . ነቲ ኣብ ሊዝበን ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክትከዱ እውን ኢኹም፡ እዚ ጽዑቕ ዝኾነ መርሓ ግብሪ ዘጠቓልል ጉዕዞ ከተካይዱ እኹል ጸዓት ዘለኩም ኮይኑ ዶ ይስምዓኩም? ናብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ክኸዱ ዘገደዶም ጸገም ናይ ምስትንፋስ ምዃኑን እዚ እውን ምስ ናይ ሳምቡእ ጉዳይ ዝተተሓሓዘ ምንባሩ ገሊጾም . . . ኣምላኽ ይመስገን ሕጂ ጽቡቕ ኣለኹ . . . ናብ ሊዝበን እውን ክኸይድ እየ . . . ተስፋይ ምሉእ እዩ! . . . ድሕሪ ሊዝበን እውን ናብ ፈረንሳ ከተማ ማርሲሊያን ናብ ሃገረ ሞንጎሊያን መደብ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ከምዘለዎም . . . ይሕብሩ።
. . . መራሔ መግንስቲ ዩክረይን ነቶም ብሓይሊ ናብ ሩሲያ ዝተወስዱ ሕጻናት ንምምላስ ሓገዝኩም ሓቲቱ ነይሩ። ክትሕግዙ ዲኹም? . . . ቅድስቲ መንብረ ኣብ ገለ ገለ ናይ እሱራት ምልውዋጥ ኩነታት ከም መንጎይና ኮይና ስለ ዝሰርሐት ስለዚ ኣብዚ ጉዳይ እዚ እውን ንምሕጋዝ ድልዋት ኢና። . . . ብሰንኪ ኲናት ዝመጽእ ቅልውላው ሰብኣውነት ዝምልከት ሕቶ እዩ። ብሰብኣዊ መገዲ ኩሉ ነገር ተኻኣሊ እዩ ዝኸውን፡ ጭካነ ናይ ሓገዝ ምልክት ክኸውን ፈጺሙ ኣይክእልን . . . ንስደተይናታት ናይ ምሕጋዝ ሰናይ ተመክሮና ሓደራ ኣይነፍጥእ፡ እዚ ንኹሉ ዝምልከት ጉዳይእዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ይዛዝሙ።