ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢጣሊያ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሞትን ዕንወትን ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢጣሊያ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሞትን ዕንወትን ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኢጣሊያ ምዕልቕላቕ ማይ ዘስዓቦ ሞትን ዕንወትን ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም

ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ ቤቱ ክቕበሎምን ንስድራ ቤት ምዉታት ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሐር ተመንዮም ንዅሎም በቲ ምዕልቕላቕ ማይ ዝተሃሰዩ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ሓገዝ ኩሉ ከይፍለዮም ከም እተላበዉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ኢጣሊያ ሰሜናዊ ዞባ ብርቱዕ ዝናብ ብዘስዓቦ ከቢድ ምዕልቕላቕ ማይ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት ከም ዘውረደን በሸሓት ዝቑጸሩ ቤቶም ለቒቖም ክወጹ ንዝተገዱን ቅርበቶምን ጽሎትም ከም ዘረጋገጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ኢጣሊያ ሰሜናዊ ዞባ ኤሚሊያ ሮማኛን ምብራቓዊ ዞባታትን ፍሉይ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ዘስዓበ ብርቱዕ ዝናብ ዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ ምኽንያት፡ 14 ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከም ዘጋጠሞምን ካልኦት በሸሓት ዝቑጸሩ ከምእተመዛበሉን ክግለጽ እንከሎ፡ ብመሰረት ሚኒስትር ሓለዋ ህዝቢ ኒሎ ሙሱመቺ ገለ ከባቢታት ኣብ ውሽጢ 36 ሰዓታት ጥራይ ማእከላይ ዓመታዊ ዝናም ከም ዝሃረመን ሩባታት ብምልኣት ማይ ፈንጢሶም ከተማታት ከም ዘዕለቕለቐን በሸሓት ሄክታር ዝቑጸር ናይ ሕርሻ መሬት ከም ዘባደመ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ዕንወት እዚ ቅልውላው ከባቢ ኣየርን ምህዳርን እናገደደ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ሓደ ካብቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ካብ ዝኽሰት ዝተፈላለዩ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ከም ዝኾነ ኣመላኺቱ።

ጸሎትን ቅርበትን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ

ር.ሊ.ጳ. ፍራችነስኮ ኣብ ኤሚሊያ ሮማኛ ብፍላይ ድማ ኣብ ምብራቓዊ ኣውራጃታት ብዝተፈጥረ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ንዝተሃሰዩ እናሓሰቡ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ትኩእ ሓፈሻዊ ጉዳያት ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ኤድጋር ፐይና ፓራ ክታም ዝተነብሮ ናብ ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳሳትን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳኣት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማተዮ ሱፒ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራም፥ ዝተሰምዖም ሓዘን ገሊጾም ቅርበቶም ኣረጋጊጾም፥ ኩሉ ነቲ ዝተጐድአ ህዝቢ ቀረባ ክኸውን ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ድሕሪ ከቢድ መዓት ዘድሊ ቅርበትን ሓገዝን

ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም እግዚኣብሔር ኣብ ቤቱ ክቕበሎምን ንስድራ ቤት ምዉታት ምጽንናዕ ካብ እግዚኣብሐር ተመንዮም ንዅሎም በቲ ምዕልቕላቕ ማይ ዝተሃሰዩ ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ሓገዝ ኩሉ ከይፍለዮም ከም እተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ነቲ ዝተጎድአ ዞባ ኢጣሊያ ህዝቢ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ከም ዘመሓላለፉን ኣፍሊጡ።

‘ካርቲታስ’ ኣብ ጎድኒ ዝተጎድአ ህዝቢ

ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ‘ካሪታስ’ ጨንፈር ኢጣሊያ ኣብቲ ዝተጎድአ ዞባ ኢጣሊያ ዘድሊ ረድኤት የቕርብ ከም ዘሎን ናይቲ ጨንፍር ካሪታስ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ማርኮ ፓኒየሎ ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ምስ ናይ ኢጣሊያ ኤጲስቆጶሳዊ ጉባኤ ብምውህሃድ እዋናዊ ስእሊ ናይቲ ኩነታት ብምርካብ ብቐዳምነት ክእለዩ ዘለዎምን ዘድልዮም ነገራትን ብሓባር ንምልላይ ካሪታስ ኢጣሊያ ይንቀሳቐስ ከምዘሎን . . . ብዙሓት ሰበኻታት እውን ዝተፈላለየ መጉዳእቲ ከም ዘጋጠመን እተን ብዙሕ ዘይተጐድኣ ሰበኻታት ድሮ ካብ ቤቶም ንዝተመዛበሉ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ምእንጋድ ከም ዝርከባን ቅልጡፍ መሰረታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ እውን ከም እተዋፈራ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥

ቅልውላው ከባቢ ኣየር - ምህዳር

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ መባእታ ናይዚ ሰሙን እዚ እቲ ሞቻ ዝብል መጸውዕ ዝተወሃቦ ህቦብላ ኣብ  ባንግላደሽ ዓሌት ሮሂንጋያ ኣብ ዝእለይሉ መዓስክር ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝርከበሉ ወደባዊት ከተማ ሲትዌን ብውሑዱ ሽዱሽተ ሰባት ንሞት ሓደጋ ከም ዘቃለዔን መራኸቢታት ክቋረጽ ከም ዝገበረን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ” ኣብ ማላዊ ብሰንኪ ፍረድይ ዝብል መጸውዕ እተውሃቦ ትሮፒካዊ ህቦብላ ሞትን ዕንወትን ከም ዘስዓበ የዘኻኽር።

19 May 2023, 16:41