ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ኮርያዊ ቅዱስ እንድሪያስ ኪም ታጎን ‘ናይ ሓዋርያዊ ቅንኣት ኣርኣያ’

“ትንሳኤ ልክዕ እቲ ካብ ነፍሲ ወከፍ ውድቀት ክንትንስእ ዘሎና ተኽእሎ ሱር ዝሰደደሉ ምስጢር እዩ”

ዕለት 24 ግንቦት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኣብ ኮርያዊ ቅዱስ እንድርያስ ኪም ታጎን ሓዋርያዊ ቅንኣት ዘንጸባርቕ ኮይኑ፥ ነቲ ጅግንነታዊ ምስክርነት ናይቲ ቀዳማይ ኮርያዊ ካህን ሰማእት እምነት ዝኾነ፥ ዋላ እኳ ስደት እንተጋጠሞ ንደቂ ሃገሩ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ኣብ ምምስካር ጸኒዑ ንቕድሚ ክብል ከም ዘይሰናኸሎ የብርሁ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ህይወቱ ርቱዕ ቀናእተይና ወንጌል ምንባሩ ገሊጾም፡ ሎሚ እውን ህያው ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብቲ ነዚ ቀዳማይ ካህን ተወላዲ ኮርያ ሰማእትን ቅዱስን ኣማእኪሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ገሊጾም፥ ጸገምን ስደትን እናሀለወ ወንጌል ኣብ ምስፋሕ ዝነበሮ ጽንዓትን ቅንኣትን ንኢዶም፥ ነቶም ብፍርሒ ማእሰርትን ኣሳዶን ክርስትያናዊ መንነቶም ብምስጢር ክሕዙ ንእተገዱ ፋሕ ዝበለ መጓሰኡ ህዝበ ክርስቲያን ኮርያ፡ ብትብዓት ዝደልን ኣብ ምግልጋሎም ዝነጥፍ ሓዋርያዊ ቀናእን እንክብሉ ገሊጾም፥

ቅድሚ 200 ዓምት ኣቢሉ ኣብ ምድሪ ኮርያ ኣብ ልዕሊ እምነት ክርስትና ኣዚዩ ከቢድ መስጐጒቲ ከም ዝነበረን ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብ ኮርያ ብኢየሱስ ክርስቶስ ምእማን ክሳዕ ሞት እውን ከይተረፈ ንምምስካር ድሉው ምዃን ማለት ምንባሩ

ቅዱስነቶም ኣመላኺቶም፡ ኣብ ኮርያ እምነት ንምትሕልላፍ ዓለማውያን ምእመናን ኣገደስቲ ምዃኖም እውን ኣዘኻኺሮም ፍቕሪ ኢየሱስ ኣብ መላእ ግዝኣቶም ንኽፍለጥ እምነት ዓለማውያን ምእመናን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥

ዓቢይ መሰናኽል ንወንጌል

እንድሪያስ መንእሰይ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት እንከሎ፡ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ልኡካነ ወንጌል ካህናት ይሕግዞም ከም ዝነበረን ንሳቶም ድማ ብሕቡእ ናብታ ሃገር ብምእታው ንህዝቢ ዘገልግሉ ዝንበሩ ምዃኖም ገሊጾም፡ ሓደ እዋን ኣብ መንጎ ነዊሕ ጉዕዞ እንከሎ ደኺሙ ኣብ መሬት ወዲቑ ብሰንኪ ዘጋጠሞ ድኻም ንድሕሪት ክብል ብዙሕ ፈተና ምስ ኣጋጣሞ፡ ኣብዚ ጉዕዞን ኣገልግሎትን እዚ በይኑ ከም ዘይኮነን ጐይታ ፈጺሙ ንበይኑ ከም ዘይሓድጎን ተረደአ፡” ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝነበሮ ሓይሊ እዚ እምነት እዚ ምዃኑ ድማ ከም ዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንኽርስቶስ ኣብ ምስዓብ ጽንዓት!

ኣብ መወዳኣታ ቅዱስነቶም ንክርስቶስ ኣብ ምስዓብን ንዝህቡ ኣብ ምግልጋልን ዝነበሮ ጽንዓት፡ ሰማእት ኮይኑ ናብ ሞት ከም ዘብጸሖ ገሊጾም፥ እንድሪያስ ኪም ንኹሉ መንነት ናይቲ ክርስቶያን ዘጠቓለለ መግለጺ፥ “ናይ ኢየሱስ ደቀ መዝሙር” ዝብል መለለይኡ ብሓቂ ብምንባሩም ንጐይታ ብምስዓብ መገዱ ዝተኸተለ ከም ዝነበረን ደቀ መዝሙር ምዃን መገዲ ጎይታ ምስዓብ ማለት እውን ምዃኑ ዝተሰቖሮን ንወንጌል ክሳብ ህይወትካ ምሃብ ዘጠቓልል ምንባር ማለት ምዃኑ ምስትውዓል ማለት እውን እዩ፡ እንድርያስ ወዲ መዝሙር ምዃን ብምልኣት ዝነበረ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ክርስቲያን ብባህሪኡ ወንጌላውን ምስክርን እዩ፡ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ ልኡኽን ምስክርን ኣቦ ከም ዝነበረ፡ “ኵሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ነዚ መንነት እዚ ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝቕበሎ፡ መላእ ቤተ ክርስቲያን እውን ከምኡ ካብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ዝጅመር እዩ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ወንጌል ብምልኣት ምንባር

ወንጌል ብምልኣት ክንበር እንከሎ፡ እቲ ሰብ ናብ ገዛእ ርእሱ ከም ዘይምለስን “ንእምነት ተላባዒ እምነት ብምግባር እዩ ዝምስክር፡” ኣብዚ እዩ ድማ “ናይ ወንጌላውነት ኒሕ ዝውለድ” ቢሎም፥ እንድሪያስ ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኩነታት ምቹእ እንተዘይነበረ እውን፡ ወዲ መዝሙር ካብ ምዃን ኣየቋረጸን . . . ብኣንጻሩ ዝያዳ ዋጋ እዩ ዝህቦ፡ ቅዱስ ኣንድሪያስ ኪምን ካልኦት ኮርያውያን ምእመናን እቲ ኣብ ግዜ ስደት ዝተወሃበ ምስክርነት ወንጌል ንእምነት ብዙሕ ፍረ ከፍሪ ከም ዝገብርን ዘረጋግጹ እዩ፡ እንድሪያስ ተመሃራይ ዘርኣ ክህነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ልኡካነ ወንጌልን ካህናት ብሕቡእ ዝቕበለሉ መገዲ ክረክብን ከለልይን ከም ዝኸኣለ እውን ቅዱስነቶም ኣዘኻኺሮም፥ “እዚ ቀሊል ዕማም ኣይነበረን፡ እቲ ናይቲ እዋን ስርዓት ንኹሎም ወጻእተይናታት ናብ ኮርያ ክኣትዉ ብጥብቂ ዝኽልክል እዩ ዝነበረ፥ ሓደ እዋን ብንውሓት ጉዕዞ ደኺሙ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ወዲቑን እንከሎ ‘ተንስእ ንኺድ` ዝብል ድምጸ ሰመዐ . . . እንድሪያስ ነዚ ድምጺ እዚ ምስ ሰምዓ ናብ ልቡ ተመልሰ ጽላሎት ናይ ሓደ ዝመርሖ ሰብ ዝመስል ነገር ድማ ረኣየ . . . “

ዓቢይ ኮርያዊ ምስክር

ቅዱስነቶም ናይቲ “ዓቢ ኮርያዊ ናይ እምነት ምስክርነት” ተመክሮ ተዓዚቦም፥ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ሓዋርያዊ ቅንኣት ይምህረና፡ ማለት “ንቑልቁል ምስ እንወድቕ ክንምለስ ትብዓት ዝህብ” እዩ።

ቅዱስ እንድሪያስ ብስጋዊ መዳይ ክወድቕ ከሎ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ሓጢኣት ምውዳቑ ንክርስቶስ ስለስተ ግዜ ምኻሓዱ ድማ ድሕሪ ምውዳቕና እውን ኩሉ ግዜ ተመሊስና ክንትንስእ ከም እንኽእል ዘርእየና እዩ፡ . . . “ኩሉ ግዜ ክንምለስ ንክእል ኢና፡ ምኽንያቱ ጐይታ ኢየሱስ ፈጺሙ ኣይሓደገናን፡ ኩሉ ግዜ ቀረባና እዩ፡ የተባብዓና ብኢድና ድማ ይሕዘና። ንሱ ድማ ኩሉ ግዜ ተንስእ ንጓዓዝ!” ክብለና እዩ” . . . ኢየሱስ ካብ ሞት ዝተንስአ እዩ! ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ካብ ነፍሲ ወከፍ ውድቀት ዘተንስእ

“ትንሳኤ ልክዕ እቲ ካብ ነፍሲ ወከፍ ውድቀት ክንትንስእ ዘሎና ተኽእሎ ሱር ዝሰደደሉ ምስጢር እዩ” ቢሎም፥ “ንቕድሚት ክንከይድ ዘኽእለና ምንጪ ሓይሊ እዩ” እንክብሉ ብኣጽንዖት ገሊጾም፥

ዝለገስዎ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥

ኣሕዋትን ኣሓኣትን ተስፋ ኣይንቑረጽ፡ እቲ ጥዕም ሓጎስ ስብከተ ወንጌል ኣይነድክሞ በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝህበና ሓይሊ ድማ ንቕድሚት ንኺድ”

እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

24 May 2023, 16:14