ር.ሊ.ጳ. ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ሓንጋሪ ሓዋርያዊ ዑደት ንዝገበረትሎም ሓለዋ ኣመስጊኖም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃንጋሪ ዘካየድዎ መበል 41 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ዛዚሞም ሮማ ምስ ኣተዉ ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምኻዶም ብቐጥታ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ መርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ከም ዝፈጸሙን፥ ቅድስቲ ማርያም ኣብዚ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ መገሻ ስለ ዝገበረትሎም ሓለዋ ብምምስጋን ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ቅድሚ ምንቃሎምን ኣብ ምምላሶምን ዝገብርዎ፥ ዕለት 30 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ዛዚሞም ሮማ ምስ ኣተዉ፡ ናብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ቅድሚ ምኻዶም ብቐጥታ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም፡ ኣብ ፊት ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ሓጺር ናይ ግሊ ጸሎት ምስጋና ኣቕሪቦም ናብ ሓዋርያዊ መንበሮም ከም ዝኣተዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ናብ ሮማ ኣብ ምምላሶም ንናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ካትሊን ኖቫክ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ስለ እቲ ዝተገበረሎም ምዉቕ ኣቀባብላ ንመንግስትን ህዝብን ሃጋሪ ምስጋናኦም ገሊጾም፡ እቲ ከሃሌ ኩሉ ኣምላኽ ንኤውሮጵ ናይ ሓድነትን ሰላምን በረኸቱ ክጽግዋ ጸሎቶም ምዃኑ ከም ዘረጋገጹ ኣፍሊጡ።