ር.ሊ.ጳ. ምስ ፍጥረት ዘሎና ርክብ ክሕደስ ጻውዒት የቕርቡ
ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ንምክልኻል ፍጥረት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዕለት 25 ግንቦት ብወግዒ ከም ዝቐረበን፥ ናይቲ መልእኽቲ ኣርእስቲ ድማ ፍትሒ ከም ማያት ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ሩባ ይውሓዝ ዝብል ቃል ነቢይ ኣሞጽ ኣስተንፍሶ ዝገበረ፥ ፍትሕን ጽድቅን ይውሓዝ ዝብል ከም ዝኾነ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ብምኽንያት እቲ ዕለት 1 መስከረም ዓመት መጸ ተዘኪሩ ዝውዕል ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸሎት ሓልዮት/ምክንኻን ፍጥረት ን2023 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ዕለት 25 ግንቦት ብወግዒ ከም እተዘርገሐን እቲ ካብ ነቢይ ኣሞጽ ምዕ. 5, 24 ድሕረ ባይታ ዝገበረ ቅዱስነቶም ዝሃብዎ ኣርእስቲ መሰረት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቶም፥ “ኣምላኽ ፍትሒ ክነግስ ይደሊ፡ ፍትሕን ጽድቅን ከምቲ ማይ ንኣካላዊ ህላወና ኣገዳሲ ዝኾነ ከምቲ ብመልክዑ ዝተፈጠርና ደቂ ኣምላኽ ንህይወትና ኣግዳሲ እያቶም ከም ዝበሉን ቅዱስነቶም ዕለት 1 መስከረም ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ንሓልዮ ፍጥረት ክውከፍ ኣብ 2015 ዓ.ም. ከም ዝወሰኑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥ ካብ ዕለት 1 ክሳዕ ዕለት 4 ጥቅምቲ ምስ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ዝኸይድ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ብሓባር ኣብ ዛዕባ ምክንኻን ፍጥረት ዝተፈላለዩ መንፈሳውን ባህላውን መደባት ብምትሕብባር ዘካይዳ ምዃነን ክፍለጥ እንከሎ፡ ናይ ቁስጥንጥንያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 1 መስከረ መዓልቲ ፍጥረት እትዝክረሉ ዕለት ክኸውን ካብ 1989 ዓ.ም. ዘበገሰቶ ከም ዝኾነን ኣቢያተ ክርስቲያናት ኤውሮጳ ካብ 2001 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድማ ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸሎት ሓልዮ ተፈጥሮ ኮይኑ ክበዓል ከም ዝገበሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ልባዊ ስኒት
ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ዓ.ም. ኣብ ካናዳ ዘካየድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ብፍላይ ድማ ኣብ ዞባ ከተማ ኤድሞንተን ናብ ዝርከብ ገማግም ቃላይ ላክ ስቴ ብምኻድ ምስ ደቀባት ካናዳ ዘካየድዎ ርክብ ብምዝካር፥ እቲ ማይ ትእምርቲ ጽንዓትን ሓይልን እንክብሉ ገሊጾም፥ ኣብኡ ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ጽባቐ ምስቲ “ህርመት ልቢ ኣደታት ምድሪ” ኣመሳሲሎም፡ ከምኡ እውን ከምቲ ልቢ ናይ ሓደ ኣብ ማሕጸን ዘሎ ህጻን ምስ ኣደ ተሳንዩ ዝሃርም ከምኡ እውን “ናይ ገዛእ ርእስና ህርመት ህይወት ምስቲ ናይ ፍጥረት ህርመት ከነሰማምዖ ኣሎና፡ እዚ ድማ ህይወት ይህበና።”
“ኣብዚ ዘመን ፍጥረት ኣብቶም ህርመት ልቢ ናትናን ናይ ኣዴታትናን ኣደ ሓጎታትናን ህርመት ልቢ ኣምላኽን ንሓድር። ሎሚ ብስኒት ኣይሃርሙን ብፍትሕን ሰላምን ኣይተሰማምዑን” ይብሉ።
ከምኡ እውን ብዙሃት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ካብቲ ሓያል ሩባ ከይሰትዩ ዝተኸልከሉ ምዃኖም ነቒፎም፥ ምስ ግዳያት ከባብያውን ምህዳራውን በደል ኣብ ምቅዋም ደው ክንብል ነቲ ትርጉም ኣልቦ ኲናት ድማ መወዳእታ ክንገብረሉ ጻውዒትና ነስምዕ።”
ውሽጣውን ግዳማውን በረኻታት
. . . ኣብ ሓደ እዋን ኣዚዩ ሰፊሕ ዝኾነ ውሽጣዊ በረኻታት ግዳማዊ በረኸታት ከመይ ይዓብዩ ከምዘሎ ኣስተብሂሎም፥ ኣብዚ ድማ በነዲክቶስ መበል 16 ብምዝካር፡ ሎሚ ንዑደት ናይ እታ መሬት ዝዝርግ ስስዐን ርእሰ ፍትወትን ነቒፎም። ኣብ ልዕሊ መሬትናን ምንጪ ማያትናን ሓደጋ ዘስዕቡ ብዙሕ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ቅሪት ኣካላት ነዳዲን ንለውጢ ከባቢ ኣየር ኣበርክቶ ዝገብሩ ዕንወት ኣግራብን ምውዳቕን ብከላ ምንጪታት ማይ ንዝተፈላለዩ ውጥናት ኣብ ምትግባር ዘጋጥም ሓደጋታት ዘርዚሮም፡ ብህጹጽ ነዚ ንምብዳህ ክንዋሳእ ኣሎና። ዝያዳ ዘላቕን ፍትሓውን ዓለም ንምፍጣር ነቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝሃቦ ከቢድ መጠንቀቕታታት እውን ብምጥቓስ ዓዲሞም። ኩላትና ተጠርኒፍና ሕጂን ንመጻእን ዝያዳ ዘላቒ ዝኾነ መገድታት ንምኽዋን እንተወሲንና እቲ ዝኸፍአ ከይፍጸም ምክልኻል ዝካኣል ይኸውን እንክብሉ ኣብ መልኽቶም ኣስሚሮም፥
ብሓቂ ከም ብዙሓት ወሓይዝን ሩባታትን ተኣኪብና ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓደ ሓያል ሩባ ተዋሃሂድና ንህይወት እታ መስተንክር መሬትናን ሰብኣዊ ስድራ ቤትናን ንዝመጽእ ወለዶ ከነመስኖ እንተኾይኑ ብዙሕ ክግበር ዝከኣል እዩ። ስለዚ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ናብ መላእ ዓለና” ፍትሕን ሰላምን ይውሕዝ ዝብል ተባዕ ስጉምቲ ንውሰድ!
ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።
ውልቃውን ሓባራውን ለውጢ
ቅዱስነቶ ብፍላይ ንማሕበርሰብ ክርስቲያን እናሓሰቡ፥ ኩላትናን “ልብናን ኣነባብራናን ንሕብረተሰባትና ዝገዝእ ህዝባዊ መምርሕታት ክንቅይር ብምውሳን” ንጽቡቕ ለውጢ ኣበርክቶ ክንገብር ከም እንኽእል” ኣረጋጊጾም፥ ልብና ምልዋጥ ቁልፊ መበገሲ ኮይኑ፡ እዚ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክንሓቑፎ ዘተባብዑና “ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥ” ድማ ድሕሪ ደጊም “ከም ዝምዝመዝ ነገር ገይርና ከይንርእዮ ምስ ፍጥረት ዘለና ርክብ ምሕዳስ” ዘጠቓልል እዩ። ኣብ ክንዱኡ ግን ከም ቅዱስ ህያብ ፈጣሪ ኣኽቢርና ንርእዮ።”
ብሓገዝ ጸጋ ኣምላኽ ብፍላይ መስርሕ ምፍራይ መርዛምን ዘላቒ ዘይኮነን ኣብ ዝኾነሉ ብውሑድ ጉጅለታትን ዘየድሊ ሃልኪ ዝተለለየ ኣነብብራ ንቕበል፡
ኩሎም ምእንቲ ክስስኑ ብዛዕባ ልምድታትናን ቁጠባዊ ውሳኔታትናን ብዝተኻኣለና መጠን ነስተውዕል። . . . ኵላትና ክንገብሮ ንዘኪና ነገራት ብዙሕ እዩ . . . ከም ጸጋታት መጠን ምጥቓም . . . ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ኣብ ልዕል እቶም ዝኸፍአ ሳዕቤን ለውጢ ከባቢ ኣየር ዝስከሙ መጻኢ ወለዶታት ዝፍጸም ዘሎ በደል ደው ክብል ድምጽና ክስማዕ ጻውዒት ዘቕረቡ ቅዱስነቶም፥ ነዚ ኣብ ሕብረተሰብን ተፈጥሮን ዘሎ ኣርኣእያታት ዝሰማማዕ ስጉምቲ ክንወስድ ሓቲቶም።
ሲኖዳውነት ንናይ ሓባር ቤትና
. . . ኣብ ወሒ ጥቅምቲ ቀዳማይ ኣኼባኡ ዝኸፍት ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝዝትይ ሲኖዶስ ብምዝካር፡ ልክዕ ድሕሪ ምዝዛም ቅነ ዘጥረት ዕለት 4 ጥቅምቲ ብተመሳሳሊ “ብዘሎ ሕዝበ እግዚኣብሔር ናብ በሊሕን መስተውዓልን ጉዕዞ ሲኖዳዊ ዘተን ምልዋጥን ዝዕድም እዩ . . . እዚ እውን ንኣቢያተ ክርስቲያን ዝድግፍ ነፍሲ ወከፈን ድሉይን መተካእታ ዘይብሉን ኣበርክቶ ስለ ዘለወን መንፈስ ቅዱስ ድማ “ገጽ ምድሪ ንምሕዳስ” እንገብሮ ጻዕርታት ክመርሕ እዩ።”
ከምቲ ብዙሓት ደቀቕትን ዓበይትን ጨናፍር ዘለዎ ተፋሰስ ሩባ፡ ቤተ ክርስቲያን ማእለያ ዘይብለን ከባብያዊ ኣቢያተ ክርስቲያን ሃይማኖታውያን ማሕበራትን ማሕበረሰብን ካብ ሓደ ናይ ሓባር ማያት ዝመሓላለፍ ሕብረት እያ፡ ነፍሲ ወከፍ ምንጪ ናቱ የበርክት! ፍሉይን መተካእታ ዘይብሉን ኣበርክቶ፡ ኩሎም ብሓባር ናብቲ ሰፊሕ ውቅያኖስ ፍቕራዊ ምሕረት ኣምላኽ ክሳዕ ዝውሕዙ!
ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ገዛናን ንኹሎም ነበርታን ምንጪ ህይወት ክትከውን ኣለዋ . . . ኣብ ዝበጽሓቶ ቦታ ፍትሕን ሰላምን ክትዘርእ ኣለዋ፥
ኣብዚ ዘመነ ፍጥረት ከም ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣብ ናይ ሓባር ሲኖዳዊ ጉዕዞና ናይ ሓበር ቤትና ዳግማይ ብህይወት ክመልእ ንነብር፡ ንሰርሕን ንጽልን። መንፈስ ቅዱስ ደጊሙ ኣብ ልዕሊ ማያት ይንሳፈፍ ገጽ ምድሪ ንምሕዳስ ንእንግብሮ ጻዕሪ ይምራሕ!
እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዝሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።