ር.ሊ.ጳ. ንሃንጋሪ ምሁራን፥ ፍልጠት ትሕትናን ፍትሕን ሰላምን እዩ!
ነቲ ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ዘካየድዎ መበል 41 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም፥ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ምስ ናይ ሃንጋሪ ምሁራት ኣካላት ብዘካየድዎ ርክብ ከም ዝዛዘሙን ኣብቲ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ምሁራንን ተመራመርትን ናይ ስነ ፍልጠት ሊቃውነትን ኩሎም ወትሩ ትሑታት ክኾኑን ፍልጠት ሓቂ ምዃኑን ሓቂ ድማ ናጽነት ምዃኑን ከስተውዕሉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ንወከልቲ ምሁራት ሃንጋሪ፥ “ፍልጠት ሱር ምስ ዝህልዎ ሃብታም ፍረ ብምፍራይ ቀጻሊ ይኸውን . . . ሮማኖ ጓርዲኒ ዓቢይ ምሁርን ሊቅን ኣማንን፥ ክልተ መገድታት ፍልጠት ከምዘሎ ይገልጽ፥ እቲ ቀዳማይ ልኡም ዝምድናዊ ፍልጠትን ምልክትን ኮይኑ ካብ ተፈጥሮኣዊ ተክኽእሎታት ዝወጸ ብምግልጋል ዝመርሕ ደረት ዘይጥሕስ ዝብል ምዃኑን እቲ ካልኣይ ድማ ዝትንትን ፍልጠት” እንክብሉ ይገልጽ።
ዕደ ጥበብ
ንዋትን ፍልጠትን ናብ ሓደ ጫፍ ምስ ዘቕንዕ ማለት ናብ ዕደ - ጥበብ ጥራይ ምስ ዘቕንዕ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ህያዋን ሰባት ዝቆጻጸር ዓብላሊ ሜላ ከም ዝኸውን ኣስተብሂሎም፡ ጓሪኒ ንዕደ ጥበብ ከም ኣጋንንት ኣይርእዮን እዩ፥ እደ ጥበብ ንህይወትን ርክብን ዘመሓይሽን ብዙሕ ብልጫታት ዘምጽእን እዩ። እንተኾነ ግን ኣብ መወዳእታ ንህይወትና ክቆጻጸር እኳ እንተዘይከኣለ ክዕብልል ከም ዝኽእል ኣጠንቂቖም፡ ነዚ ስግኣት ኣዚ ጓርዲኒ ኣቐዲሙ ከም ዝረኣዮን ኣብዚ ስርዓት እዚ ህይወት ነቲ ህያው ባህርያቱ ክዕቅብ ይኽእል ዶ? ዝብል ሕቶ ድማ የቕርብ።
እዋናዊ ክውንነት
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ መብዛሕቲኡ ግዜ እቲ ጓሪኒ ኣቐዲሙ ዝረኣዮ ነገራት ሎሚ ንዓና ንጹር ከም ዝመስልን “ብዛዕባ ምህዳራዊ ቅልውላው ጉድለት ስነ ምግባራዊ ደረት፡ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኣብ ውልቃውነትን ድሌታቱን ናይ ምትኳር ረብሓን ስልጣንን ንምርካብ ዘሎና ስስዐ ከምኡ እውን ብዛዕባ ፍግረት ሓባራዊ ማእስር ክንሓስብ የድልየና። ከም ውጽኢት ናይዚ ድማ ምርሓቕን ጭንቀትን ህላወ ዝመልኦ ቅልውላው ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ማሕበረሰብ ጸገማት እዩ።” እታ ብሮበርት ሂው በንሰን እተደርሰት “ናይ ዓለም ጐይታ” ዘርእስታ ልበ ወለድ መጽሓፍ፥ “ኵሉ ነገር ብስም ዕቤት ምእሙእን ሓደ ዓይነት ዚዀነሉ፡ ከምኡ እውን ሓድሽ ‘ሰብኣነት’ ዚእወጀሉ በበይኑ ዝዓይነቱ ፍልልይ ብምውጋድ ሰባት ዘለዎም ፍሉዩነት ብምጭፍላቕን ሃይማኖት ብምጥፋእን ብእደ ጥበብ እተዓብለለ መጻኢ ዝሕብር መግለጺኡ ብእተወሰነ ደረጃ ትምቢታዊ እዩ።”
ሓቀይና ፍልጠት ትሕትና የጠቓልል
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም፥ ሓቀይናታት ሰብ ፍልጠት ብሓቂ ትሑታትት ምዃኖም ብኣጽንዖት ሓቢሮም፡ “ክፉታትን ርክብ ዝገብሩን ኮይኖም ክቕጽሉ ግዴታ ይስምዖም እምበር ፈጺሞም ዘይተዓጻጸፍትን ተዋጋእቲ ንምዃን ግዴታ ዝስምዖም ኣይኮኑን፡ ሕቀይና ኣፍቀርቲ ባህሊ ብሓቂ ምሉእ ብምሉእ ዕግበት ዘይስምዖ ግና ጥዑይ ውሽጣዊ ቅሳነት ዘለዎም እያቶም።”
ሓቂ ናጽነት እዩ
“ሓቂ ናጽነት እዩ፥ ቃል ኢየሱስ መሰረት ገይሮም. . . ሓቂ ሓራ ዘውጽእ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ሃንጋሪ ኣብ ልዕሊኦም ብጸቕጢ ዝቐረበ ናጽነት ክህቡ ዘይክእሉ ህልዮታት ርእያ እያ፡” እዚ ሓደጋ እዚ ክሳብ ሎሚ ከም ዘሎ ኣመልኪቶም፥ ኣብዚ ድማ ካብ ዴስነት ናብ ሃልክነት ዝድርክ ዘሎ ምዃኑን፡ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ኣተሓሳስባ ዝጻዓን ዝነበረ ደረት ናብቲ ደረት የልቦን ናብ ዝብል ኣመለኻኽታ ምስግጋር ክሳብ ክደይ ቀሊል ምዃኑ ድማ ኣመልኪቶም፥ ኣብ ክንዱኡስ ስነ ፍልጠት፥ ትሑትን ክፉትን ጭቡጥን ሓባራውን ተባዕን ሓናጽን እዩ፡” መናብርተ ጥበብ፥ ነዚ ዝምድናዊ ፍልጠት ከማዕብሉ ዝተጸውዑ እያቶም፡ ኩሉ ግዜ ኵላዊ መብራህትን ሓርነትን ፍረ ዘለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ሰብኣውነትን ቤተ ሙከራ ተስፋን መታን ኪኾኑ እዩ” ቢሎም ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።