ድለ

2023.05.22 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን 2023.05.22 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን

. ቅዱስነቶ ነዚ ስደተይናታት ዘጋጥሞም መዓት፥ ናይ እዋንና ፍኖተ መስቀል እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ

ኣብ መንጎ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይ ኢጣሊያ ጳጳሳትን ብሕቶን መልስን ዝተሰነየ ናይ ሰለስተ ሰዓት ዘተ ከም እተኻየደን፥ እዚ ርክብ እዚ እውን ነቲ ካብ ዕለት 22 – 25 ግንቦት 2023 ዓ.ም. ዝካየድ ዘሎ መበል 77 ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ብወግዒ ንምብጋስ ዝተኻየደ ኮይኑ፥ ብዛዕባ ሰላምን ቁጠባውን ከባብያውን ህልዮታትን ኣገልግሎት ካህናትን ጳጳሳትን ግብረ ሰናይ ንድኻታትን ስደተይናታትን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ከም እተመያየጡን ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ንኹሎም ጳጳሳት፥ “ንእሽቶ ሓው” ዘርእስታ መጽሓፍ ዛዕባ ካብ ኣፍሪቃ ዝተሰደ መንእሰይን ዘጋጠሞ መዓትን እተዘንትው መጽሓፍ ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዕለት 22 ግንቦት ድሕሪ ቀትሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ክሳብ ዕለት 25 ግንቦት ዝቕጽል ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጽርሓ ሲኖዶስ ዝካየድ ልዕሊ 200 ጳጳስሳት ዘሳተፈ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት መበል 77 ሓፈሻዊ ዓውደ ኣኼባ ብወግዒ ከም ዘበገሱን ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ቃል ምዕዳን ብሕቶም መልስን ዝተሰነየ ኮይኑ፥ እቲ ዓውደ ኣኼባ “መንፈስ ቅዱስ ንቤተ ክርስቲያን ዝብሎ ምስማዕ” ብዝብል ኣርእስቲ ዝምራሕ እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

መልስን ሕቶን

እቲ ብናይ ሓባር ጸሎትን ብናይ ቅዱስነቶም ሰላምንታ ከምኡ እውን ነቲ ኣብ ኢጣሊያ ዞባ ኤሚሊያ ሮማኛ ዘጋጠመ ብርቱዕ ምዕልቕላቕ ማይን ዘስዓቦ ሰብኣውን ንዋታውን ዕንወት ብጸሎት ድሕሪ ምዝካር ተበጊሱ፥ እቲ ዕጽዉን ሰለስተ ሰዓት ዝወሰደ ርክብ፥ ገለ ገለ ጳጳሳት ዘልዓልዎ ዛዕባ ዋሕዲ ጸዋዕታን በዚ ዝርአ ዘሎ ዋሕዲ ጸዋዕታ ምኽንያት ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ናብ ምውህሃድ ገጹ የብል ከም ዘሎን ብዛዕባ ኣገልግሎት ካህናትን ዝምልከቱ ኣርእስታት ዝዳህሰሰ ምዃኑ የመላኽት።

ግብረ ሰናይ ምትብባዕ

ኣብ ዩክሬይንን ዓልምን ኣገዳስነት ሰላምን ኣብ ዓለም ዝረኣ ዘሎ ህልዮታትን ባህላዊ ጸገማትን ቁጠባውን መብዛሕቲኡ ግዜ ንቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ጸገም እውን ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም፡ ኣተሓሒዞም እውን ብዛዕባ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ዘድልዮ ምህዳራዊ - ከባብያዊ ጸገማትን ዝምልከት ጉዳይ እውን ከም ዝተንከፉን እዚ ኹሉ ጸገማት ንምብዳህ “ሓድሽ ቅዲ” ኣገዳሲ ከም ዝኾነን፡ ንሱ ኸኣ እቲ ድሮ ተበጊሱ ዘሎ ንቤተ ክርስቲያን ሓሙሽተ ኣህጉራት ዘሳትፍ መገዲ ሲኖዳውነት ዝጠልብ እዩ። ፈጺሙ ድማ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ከይቦክር ከም ዘተሓሳሰቡን ብፍላይ ኣብ መዳይ ግብረ ሰናይ ቅዱስነቶም ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ስደተይናታት ኣብ ምቕባልን ምእላይን ዘካይድዎ ዘለዉ ኣገልግት ብኽብሪ ዘኪሮም ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ንኡስ ሓው” ዘርእታ መጽሓፍ

ቅዱስነቶም ንኹሎም ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት “ንኡስ ሓው” ዘርእስታ መጽሓፍ ገጸ በረኸት ከም ዘቕረቡን እዛ መጽሓፍ ብዛዕባ ሓደ ስደተይና ኣብ ስደት ዘጋጠሞ መዓት እተዘንትው ከም ዝኾነትን፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ጉዕዞ ምድረ በዳን ማእሰርትን ስቅያትን ጉዕዞ ባሕርን ሞትን ሃለዋት ምጥፋእን ኩሉ እትነገር መጽሓፍ እያ፥ . . . ቅዱስነቶ ነዚ ስደተይናታት ዘጋጥሞም መዓት፥ ናይ እዋንና ፍኖተ መስቀል እንክብሉ ከም ዝገለጽዎ እውን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ሰላምታ ነቶም ብምዕልቕላቕ ማይ ዝተጎድአ ዞባ ኤሚሊያ ሮማኛ ንዝመጹ ጳጳሳት

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ነቶም ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ብዘይምቁራጽ ብዝዘነመ ብርቱዕ ማይ ዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ ዝተጎድአ ዞባ ኤሚሊያ ሮማይና ዝመጹ ጳጳሳት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ እቲ ሓደጋ ምስ ኣጋጣመ ቅዱስነቶም ጸሎቶምን ቅርበቶምን ድሮ ኣረጋጊጾም ከም ዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፥ ናይ ቦሎኛ ሊቀ ጳጳስት ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ማሪዮ ሱፒ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋን ዝሳለጥ ዘሎ ግብረ ሰናይን ኣመልኪቶም ቃሎም ከም ዘስምዑ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ . . . ቅዱስነቶም ነቲ ከባቢ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓገዝ ከም ዘይቋረጾን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጎድኒ እቶም ዝተጎድኡ ምዃና እውን ኣረጋጊጾም፡ ኣተሓሒዞም ኣብ ኢጣሊያን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋ እውን ምዃኑ ገሊጾም፥ እዚ ኩነታት እዚ ንተወሳኺ ኣስተንትኖ ብዛዕባ ኣኽብሮትን ክንክንን ፍጥረትን ምሕላው ናይ ሓባር ቤትናን ዝድርኽ እዩ” እንክብሉ ከም ዝገለጹን ህዝቢ ሮማኛ ጽኑዕ ህዝቢ ምዃኑ ድማ ኣዘኻኺሮም . . . ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ብተደጋጋሚ የጋጥም ምህላዉን እዚ እውን ስነ ምህዳራዊ ምልዋጥ ኣገዳሲ ምዃኑ የተሓሳስበና” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ

እቲ ዝተኻየደ ርክብ ዕጽው ከም ዝነበረን በዚ ምኽንያት እውን ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ኣቡነ ጁዘፐ ባቱሪ “ቲቩ 2000” ምስ እተሰምየ ናይ ኢጣሊያ ብጹዓን ጳጳሳት መደብር ተለቪዥን ኣብ ዝሃብዎ ጸብጻብ፥ “ቅዱስ ኣቦና ብዘተኣማምን ኣእማኒ ምስክርነት ኣቢሉ ዝሓልፍ ሓድሽ ሓይሊ ወንጌላውነት ህጹጽ ምዃኑ ኣጉሊሖም እዮም፡” ኣቡናት “ንሰባት ደንገጽትን ርህሩሃንን ብፍላይ ኣብ ጽንኩርን ኣድላይን ኩነታት ክከናኸኑ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን እቲ ዝካየድ ዓውደ ኣኼባ እውን ኣብቲ ኣብ ጉዕዞ ሲኖዳውነት እንጥቀመሉ መገዲ ንጽጽርን ዕዮን ዝስዕብ ክኸውን ቅዱስነቶም የተባብዑ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

23 May 2023, 15:50