ሓይሊ ጸሎት!
ናይ ዜና ቫቲካን ርእሰ ዓንቀጽን ዜና ቫቲካንን ዋና ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብቐጻሊ ዘቕርብዎ ሕቶን ብፍላይ ድማ ኣብዚ ቀረባ እዋን እዚ ብሕማም ረኽሲ ስርዓተ ምስትንፋስ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ኣደጊፎም ኣብ ዘቕረብዎ ሓተታ፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሓደ ካብ ባህርያት ኾርገ ማሪዮ በርጎሊዮ ወትሩ ነቶም ዝራኸብዎም “ምእታይ ጸልዩ” እንክብሉ ዘቕርብዎ ሕቶ ዘነጽር እዩ። ናይ ሮማ ጳጳስ ቅድሚ ምዃኖም ብዙሕ ዓመታት ከይተረፈ ብዘይ እታ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ዓለም ብምልእታ እትፈልጦ ቃል ቅዱስነቶም፥ “በጃኹም ምእታይ ምጽላይ ኣይትረስዑ” ዝብል ዘቕርብዎ ሕቶ መግለጺኦምን ናይ ጸሎት ሓይሊ ዘረጋግጽን እዩ። መደረ ኣብ ዘምዕሉን ቃለ ምዕዳን ኣብ ዝልግሱሉን መልእኽቲ ኣብ ዘመሓላልፍሉ እዋን ዘቕርብዎ ሕቶ እዩ። እዞም ኣርጀንቲናዊ ኢየሱሳዊ ካህን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ እተን ቃላት ናይ ኩነታት ጉዳይ ኮይነን ኣይፈልጣን እየን። ኣሽሓት ግዜ ዝደጋግምዎ ሕቶ እውን እንተኾነ ናይ ተራ ድኹም ልምዲ መግለጺ ኮይኑ ኣይፈልጥን። . . .
ፍራንቸስኮ ድሕሪ ምሕራዮም ነዊሕ ከይጸንሑ ሓደ ኣርጀንቲናዊ ጋዜጠይና ኾርገ ራይሎን ዝበሃል ቅድሚ ሒደት ዓመታት በርጎሊዮ ሊቀ ጳጳሳት ቦኖስ ኣይረስ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ዘጋጠሞ ነገራት ዝነግር ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፥ “ሓደ መዓልቲ ዝጽበዮ ናይ ሕክምና ውጽኢት ስለ ዝነበረን ገል ኣሉታዊ ውጽኢት ክህሉ ከም ዝኽእል ጥርጣረ ስለ ዝነበረኒ ምእንታይ ክጽልዩ ሓቲተዮም ነይረ” ደሓር ግን እቲ ውጽኢት እወታዊ ስለ ዝነበረ ነቲ ጉዳይ ምሉእ ብምሉእ ረሲዐዮ ነይረ፥ ድሕሪ ክልተ ሰለስተ ወርሒ ኣብ ቦኖስ ኣይረስ እንደገና ምስ ተራኸብክዎም፥ “ጸልዩለይ ኢልካኒ ነርካ እሞ እቲ ጸሎት ክቕጽሎ ድየ?” እንክብሉ ከም ዝሓተትዎ ይሕብር . . . ጸሎት ንቶም ዝሓቱ ሰባት ኣብ ዘድልዮም ግዜ ምስ ካልኦት ምቅርራብ ክህሉ ዝሕግዝ መገዲ እዩ፡ ከምቲ ኢየሱስ ባዕሉ ኣብ ወንጌል ዝመሃሮን ዝምስክሮን ዝሰማማዕ እውን እዩ።
ዕለት 13 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ኣብ ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፥ ብዛዕባ ናይ ጸሎት ትብዓት ክዛረቡ እንከለዉ፥ “ብኸመይ ኢና እንጽሊ? ብልምዲ ድዩ ወይ ከኣ ብትብዓት ኢና ኣብ ቅድሚ ጐይታ ንርእስና ነቕርብ? ትብዓት ኣብ ጸሎት፥ ትብዓት ዘይብሉ ጸሎት ናይ ሓቂ ጸሎት ኣይኮነን፡” ጐይታ ከም ዝሰምዓና ንምእማን ዘሎና ትብዓት ማዕጾ ንምዅሕኳሕ ዘሎና ትብዓት፥ ጐይታ፥ “ዝልምን ይቕበል ዝደሊ ይረክብ ነቲ ዝዅህኩሕ ማዕጾ ይኽፈተሉ” ይብላና፡ ሓደ ሰብ እምበኣር ክገብሮ ዘለዎ ምሕታን ምድላይን ምዅሕኳሕን እዩ” ከም ዝበሉ ይዝከር።
ይኹን እምበር ብጸሎት እቶም ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብሚሊዮናት ዝቝጸሩ ምእመናን ዝውከል ጸሎት ብዓይኒ ዘይርአ ብርቱዕ ውሕጅ ኣሎ፡ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ህጻናትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ስድራ ቤትን ዘቕርብዎ ጸሎት። ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘዕርግሉን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ጸሎትን ርክብን “ምእንታይ ምጽላይ ሓደራ ኣይትረስዑ” እንክብሉ ዘቕርብዎ ሕቶ ዝሰምዑ ተራ ሰባት ነቲ ዘቕርብዎ ሕቶ ኣርዚኖም እዮም ዝርእይዎ ነዚ ሓሳብ ገይሮም ድማ መዓልታዊ ይጽልዩ።
ከምቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ቤት ሕክምና ጀመሊ ኣብ ዝኣተውሉ እዋን ዝረኣናዮ ነዞም “ካህን ምዃን” ኣጸቢቖም ዘፍቅሩ ውፉይ ኣቡን ሮማ ዝቐርብ ዝነበረ ጸሎት፡ እቲ ምእንቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምጽላይ ዘይርስዕ ህዝበ እግዚኣብሔር ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንቕዱስነቶም ምስ ርኣየ ዝተሰምዖ ሓጎስ ናይ ጸሎት ሓጎስ እዩ ዝመስክረ።
(Andrea Tornielli)