ክሌኣዊ ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ቦስኒያን ሀርዘጎቪናን መራሒት መንግስቲ
ዕለት 3 ሚያዝያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ቦስኒያን ሀርዘጎቪናን መራሔ መግንስቲ ክርሽቶ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ብዛዕባ ምስፋሕ ሕብረት ኤውሮጳ ካልኦት ዞባውን ዓለም ለኻውን ኣብ ዝምልከቱ ብርክት ዝበሉ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ምስ ናይ ቦስኒያን ሀርዘጎቪናን መራሒት መንግስቲ ናይ ቦዝኒያን ሀርዘጎቪናን ነበር ርእሰ ብሔር ቦርጃና ክርሽቶ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢተን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ኣቡነ ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸባን ኣብዚ ርክብ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ሰናይ ዝምድና ከምኡ እውን ኣበርክቶ ኣብ ቦስኒያን ሀርዘጎቪናን ኣትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕብረተሰብ ከም እተስተበሃለን ኩነታት ማሕበረሰብ ካቶሊክ ኣብ ቦስኒያን - ሄርዘጎቪናን መንግስትን ዝምልከቱ ኣርእስታት ከም እተመያየጡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
እቲ ክሌኣዊ ዘተ ብሰፊሕ ኣብ ኩነታት እታ ሃገር ዘተኮረ ኮይኑ፡ ሕጋውን ማሕበራውን ማዕርነት ኩሎም ዜጋታት ንምርግጋጽ ዝግበር ጻዕርታት ከምኡ እውን ኣገዳስነት ሓቛፊ ዘተ ኣብ ፖለቲካዊ ህይወት ንሓባራዊ ረብሓ ቦዝኒያን ሄርዘጎቪናን ዘተኮረ ከም ዝነበረን ኣብ መወዳእታ ብዛዕባ ብኣባል ሃገራት ምስፋሕ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዝምለት ዛዕባ ዘተ ከም እተኻየደን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2022 ዓ.ም. ቦዝንያን ሀርዘጎቪናን ሕጽይቲ ኣባል ሕብረት ኤውሮጳ ዝብል ደረጃ ዝሃበ ናይ ውሳነ መስርሕ ብዕግበት ዘጉለሐ ርክብ እውን ምንባር የመላኽት።