ኣብ ህይወትኩም ልዑል ዕላማ ክትገብሩን ቀጻሊ ምልምማድ ከተዘውትሩን ሓደራ! ር.ሊ.ጳ ንመንእሰያት ሃንጋሪ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም ብቋንቋ ናይቲ ዓዲ ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ! ምስ በሉ ስለቲ ዘቅረቡሎም ምውቅ ኣቀባብላ እውን ብቋንቋ እቲ ዓዲ እግዚአብሔር ይሃበለይ እንክብሉ ምስጋናኦም ኣቅረቡ።
ነቲ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ፈረንክ ‘ንእስነት ዓበይቲ ሕቶታትን ዓበይቲ መልስታትን ዝርከበሉ እዋን ምዃኑ’ ዝገለጽዎ ንሶም እውን ከምዝሰምሩሉ ብምሕባር ከኣ፣ ‘ንሕቶታትኩም ዘበራብርን ዝሰምዕን እምበር፡ ንምድዕዓስ ቢልካ ቀሊልን ኣቐዲሙ ዝተሰነዔን መልሲ ዘይህበካ፡ ግን ከኣ ብሉጽ መልሲ ኣብ ምድላይ ንቃልሲ ህይወት ብዘይ ፍርሒ ክትገጥሞ ዝሕግዘካ ሰብ ክህሉ ኣገዳሲ እዩ። ኢየሱስ ዝገበሮ ዝነበረ እውን እዚ እዩ’ በሉ። ኣስዒቦም በርታላን ‘ኢየሱስ ኣብ መጽሓፍ ዛንታ ዘሎ ገጸ ባህሪ ወይውን ኣብ ትያትር ዝቀርብ ልዑል ጅግና ኣይኮነን’ ንዝበሎ ጠቂሶም፣ ‘ሓቂ እዩ: ክርስቶስ ብዓጽምን ስጋን ብደምን ዝቆመ ኣምላኽ እዩ: እቲ ናባና ዝቐርብ ህያው ኣምላኽ እዩ፤ ንሱ ካብ ኣዕሩኽ ዝበለጸ ዓርኪ እዩ፣ ካብ ኣሕዋት ዝበለጽ ሓው እዩ። መምህር ብምዃኑ ከኣ ብርግጽ ኣብ ወንጌል ቅድሚ መልሲ ምሃቡ ሕቶታት ይሓትት። ንኣብነት ኣብ ቅድሚ እታ ኩሉ ሰብ ኣጻብዕቶም ዘወጣውጡላ ዝነበሩ ኣብ ዝሙት ዝተረኸበት ሰበይቲ ዝገበሮ እሞ ንመልከት። ጣልቃ ይኣቱ እሞ ነቶም ዝኸሰስዋ ‘ካባኹም ሓኣጢት ዘይብሉ ቀዳመይቲ እምኒ ይደርቢ’ ምስ በሎም በብሓደ ይኸዱ፣ ንሱ ድማ ምስኣ በይኑ ይተርፍ። ሽዑ ብረቂቕ መንገዲ ይሓታ: «ኣቲ ሰበይቲ ኣበይ ደኣ ኣለዉ ዝኸሱኺ? ዝፈረደኪ ሰብዶ የልቦን?” ምስ በላ ንሳ ድማ፡ «ማንም የለን ጎይታ!» ትብል። ስለዚ ድማ ከምቲ ዝብሎ እግዚኣብሔር ክምሕር እምበር ክኹንን ከም ዘይደሊ ትርዳእ። ኣምላኽ ኩሉ ግዜ ይቕረ ይብለና፣ ምስ ነፍሲ ወከፍ ውድቀትና ዳግማይ ከተንስኣና ድሉው እዩ! ምስኡ እምበኣር ኣብ ህይወት ክንመላለስን ንቕድሚት ክንስጉምን ፈጺምና ክንፈርሕ የብልናን። ከማኡ እውን ብዛዕባ ማርያም መግደላዊት ንሕሰብ፣ ንሳ ኣብ ንግሆ ፋሲካ ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ካብ ሞት ዝተንሥአ ኢየሱስ ዝረኣየት እያ። ኣብ ጥቓ እቲ ባዶ መቓብር ንብዓት እናነብዐት ነበረት ኢየሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ ይሓታ: «ኣቲ ሰበይቲ ንምንታይ ትነብዕ? ንመንከ ትደልዪ ኣሎኻ?" ቢሉ ይሓታ። ማርያም መግደላዊት ልባ ትኸፍት፡ ጭንቀታ ትነግሮ፡ ድሌታታን ፍቕራን ትገልጸሉ። ከምኡ እውን ኢየሱስ ምስቶም ደቀ መዛሙርቱ ዝገበሮ ናይ መጀመርታ ርክብ እስከ ንመልከት። ክልተ ካብኣቶም ብዮሓንስ መጥምቕ ተሓቢሮም ደድሕሪኡ ይኸዱ ነበሩ። ጎይታ ምልስ ቢሉ ሓንቲ ሕቶ ይሓቶም "እንታይ ትደልዩ?" (ዮሃ 1፡38) ይብሎም። ንሶም ከኣ ኣበይ ከም ዝነብር ይሓቱዎ፡ ኢየሱስ ድማ ኣድራሻ ኣይሃቦምን እንተኾነ መንገዲ ይኸፍተሎም፡ "ንዑ ርኣዩ" ከኣ ይብሎም። ኣይሰብኽን እንታይ ደኣ ምስኦም ጒዕዞ ይጅምር። ደቀ መዛሙርቱ ትምህርቲ ዝደግሙ ተማሃሮ ክኾኑ ኣይደልን፣ ናጻ ዝኾኑን ኣብ ምንቅስቓስ ዘለዉን መንእሰያት፣ ብሓደ ድሌታቶም ዝሰምዕን ኣብ ሕልምታቶም ዘተኩሩን ኣምላኽ ተሰንዮም ብሓባር ዝጐዓዙ ክኾኑ ይደሊ። ሽዑ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ክልተ መንእሰያት ደቀ መዛሙርቲ ብሕማቕ ሸተት ኢሎም: ናብ ኢየሱስ ጌጋ ልመና የቕርቡሉ: ማለት ንጉስነት ምስ ሓዘ ብየማኑን ብጸጋሙን ደው ክብሉ ይልምኑ! ኢየሱስ ግን ከምኡ ብምግባሮም ኣመና ደፊሮም ቢሉ ኣይገንሖምን: ሕልምታቶም ኣየፍርሶን እዩ፣ እንታይ ደኣ ከመይ ጌሮም ከም ዝበጽሕዎ ይእርሞም፤ ናብ ላዕሊ ንምብጻሕ ዘለዎም ድሌት ይቕበል፣ ኣብ ሓደ ነገር ግን ይጽዕር፣ እዚ ድማ ጽቡቕ ጌሩ ክዝከር ኣለዎ፣ ሓደ ሰብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብምርጋጽ ዘይኮነስ፣ ንነብሱ ናብ ኣገልግሎት ካልኦት ብምውራድ እዩ ዓቢ ዝኸውን፤ ብዋጋ ካልኦት ዘይኮነስ ንኻልኦት ብምግልጋል (ማር 10፡35-45)። ተመልከቱ እሞ ኢየሱስ ኣዕሩኽቱ ዓበይቲ ነገራት ብምዕዋትና ሕጉስ እዩ። ሃካያትን ሰነፋትን ምዃን ኣየድልየናን፣ ስቕ ምባልን ሓፋርን ምዃን ኣየድልየናን፣ ህያዋን፣ ንጡፋት፣ ቀንዲ ተዋሳእቲ ምዃን የድልየና። ከምኡ’ውን ንትጽቢትና ንመዐቀኒ ድሌታትና የልዕሎ እምበር ዋጋ ከጉድሎ ፈጺሙ ኣይህቅንን። ምስቲ ምስላኹም ‘ዝጽዕር ወይውን ጠኒኑ ዚኣቱ ይዕወት’ ዝብሎ ኢየሱስ ምተሰማምዐ እብል።
ኣብ ህይወት ግን ከመይ ጌርካ ትዕወት? ቢልኩም ምስ እትሓቱ ከምቲ ኣብ ስፖርት ዝግበር ክልተ መሰረታዊ ስጉምትታት ኣለዉ፡ ቀዳማይ፡ ልዑል ዕላማ ምግባር፤ ካልኣይ፡ ምልምማድ። ልዑል ዕላማ ግበር። ተውህቦ ኣለካ ድዩ? ብርግጽ ይህልወካ ይኸውን! ንኽትሕጎስ እቲ ዝተሓተ ማለት ገለ ዲግሪ: ገለ ገንዘብ ክትረክብ ዝሕግዝ ስራሕ: ገለ ምዝንጋዕእ ወዘተ ኹል እዩ ኢልካ ነዚ ተውህቦ ንጎኒ ኣይትግደፎ። ንዘሎካ ኣብ መስርዕ ኣቐምጦ። ጽቡቕ ብቅዓትከ ኣለካዶ? ብዘይ ምንም ፍርሒ! ኣብኡ ወፍሪ ግበር። ንብዙሓት ጽቡቕ ክኸውን ዝኽእል ክእለት ከም ዘለካ ኣብ ልብኻ ይስምዓካዶ? ንጐይታ ምፍቃር፡ ዓባይ ስድራቤት ምፍጣር፡ ንዝተጸገሙ ምሕጋዝ ጽቡቕ ኮይኑዶ ይስምዓካ? እዚኦም ዘይጭበጡ ድሌታት ከይመስሉኹም፡ ኣብ ዓበይቲ ዕላማታት ህይወት ወፍሪ ግበሩ! ብድሕሪኡ ቀጻሊ ምልምማድ ኣዘውትሩ። ምስቲ ዝበለጸ ኣሰልጣኒ ዝኾነ ኢየሱስ ኣብ ተዛተዩ ተዘራረቡ! ንሱ ይሰምዓካ፡ የነቓቕሓካ፡ ይኣምነልካ፡ ኣባኻ ዘሎ ዝበለጸ ከመይ ጌሩ ከም ዘውጽኦ ይፈልጥ። ከምኡ ውን ኩሉ ግዜ ብሓባር ክንጥርንፍ ይዕድመና: በይንና ክንከውን ፈጺሙ ኣይደልን! ወትሩ ምስ ካልኦት። ኣብ ቤተ ክርስቲያንስ ይኹን: ኣብ ማሕበረሰብ: ብሓባር: ናይ ሓባር ተመክሮታት ክንነብር ይደልየና። ሕጂ ንኣብነት ብዛዕባ ዓለምለኸ መዓልቲ መንእሰያት ክሓስብ እንከለኹ፡ በዚ ኣጋጣሚ ናብቲ ዝቕጽል፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ፖርቱጋል፡ ከተማ ሊዝበን ዝግበር ክትሳትፉ እዕድመኩም። ነቲ ሎሚ ዘሎ ፈተና ማለት ብሞባይልን ውሑዳት ኣዕሩኽን ክትቀስን ምፍታን ወጊድ በልዎ። ዋላ እዚ ብዙሓት ዝገብርዎ ይኹኑ፡ ዋላ ከምቲ ክትገብሮ ዝስምዓካ እንተኾነ፡ ንዓኻ ጽቡቕ ኣይኮነን።
ብድሕሪኡ ንልምምድ ኣገዳሲ ባእታ ኣሎ ከምቲ ክሪዝቲና ዝበለቶ
«ኣብዛ ጫውጫውታ ዝመልአ ዓለምና ንስቕታ ግዜ ኣይንፈቅድን ኢና: ምኽንያቱ ጽምዋ ስለ እንፈርሕ ድሕሪኡ ከኣ መዓልታዊ ድኻም ንኩሉ ይውድእ» ሓቂ እዩ። ሓቁ ቶግ ከብለልኩም ግን ኣንጻር ውሕጅ ክትከይድ ኣይትፍራሕ: መዓልታዊ ደው ኢልካ ክትጽልየሉ እትኽእል ናይ ስቕታ ግዜ ክትረክብ መድብ። ሎሚ ኩሉ ነገር ቅልጡፍ፡ ስሉጥ፡ ብተግባር ፍጹም፡ ከም ማሽናት ክትከውን ከም ዘለካ ይንግረካ! ሽዑ ግን ብዙሕ ግዜ ነዳዲ ከም ዝውዳእን እንታይ ከም እንገብር ኣብ ዘይንፈልጥሉ ደረጃን ንበጽሕ። ነዳዲ ክትመልእ ከመይ ጌርካ ደው ትብል፡ ምፍላጥ ኣዝዩ ጽቡቕ እዩ። ግን ተጠንቀቕ: ኣብ ጭንቀትካ ከይትጥሕል ወይ ብሓዘን ከይትጉባእ። መን ከምዚ ወይ ከምኡ ገይሩለይ ኢልካ ከይትሓስብ: ካልኦት ከመይ ከም ዝመላለሱ ክተደይብን ክተውርድን ግዜኻን ሓይልኻ ኣይተጥፍእ! እዚ ጽቡቕ ኣይኮነን!
ስቕታ ጠቓሚ ዝምድናታት ነማዕብልሉ ባይታ እዩ፣ ምኽንያቱ ነቲ እንነብሮ ንኢየሱስ ኣሕሊፍና ክንህቦ፣ ገጽን ኣስማትን ናብኡ ከነምጽእ፣ ጭንቀትና ኣብ ልዕሊኡ ክንድርቢ፣ ንኣዕሩኽትና ክንገምግሞምን ጸሎት ክንገብረሎምን የኽእለና። ስቕታ ንህይወትና ዝዛረብ ገጽ ወንጌል ከነንብብ ዕድል ይህበና፣ ንኣምላኽ ከነምልኾ በዚ ኸኣ ኣብ ልብና ሰላም ከም እንረክብ ይገብረና። ስቕታ ከተንብቦ ዘየድልየካ፡ ግን ከኣ ነፍሲ ወዲ ሰብ ከተንብብ ዝሕግዘካ፡ ተፈጥሮ ክትዕዘብ ዝሕግዘካ መጽሓፍ ክትወስድ የኽእለካ፡ ምእንቲ ምስ ብደቂ ሰባት ዝተሰርሑ ነገራት ክትራኸብን ነቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ጽባቐ ክትረክብን ይሕግዝ። እንተኾነ ናትና ስቕታ ኣብ ሞባይላትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ምጽናዕ ኣይኮነን፤ ኣይፋልን በጃኻትኩም: ህይወት ናይ ብሓቂ እምበር ሓሳባዊ መንባብሮ ኣይኮነን፣ ኣብ ገጽ ሞባይልን ተለቪዥንን ዘይኮነስ ኣብ ዓለም እዩ ዝፍጸም!
ስቕታ ኣፍደገ ጸሎት ኮይኑ ጸሎት ድማ ኣፍደገ ፍቕሪ እዩ። ዶራ፡ ብዛዕባ እምነት ከም ፍቕራዊ ዛንታ ስለ ዝተዛረበት ከመስግና እፈቱ፡ ኣብዚ ታሪኽ እዚ መዓልታዊ ጸገማት ጕርዝውና ዝገጥመካ፡ ግን ከኣ ምሳኻ ንዓኻ ዝኸውን ሓደ ሰብ ከም ዘሎ፡ እዚ ከኣ ኢየሱስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ዘጋጥመካ ዕንቅፋት ምሳኻ ኮይኑ ክስዕሮ ኣይፈርህን እዩ። ጸሎት ነዚ ንምግባር ይሕግዝ እዩ፣ ምኽንያቱ ምስ ኢየሱስ ዝግበር ዝርርብ እዩ፣ ልክዕ ከምቲ ቅዳሴ ምስኡ ዝግበር ርክብ፣ ኑዛዜ ድማ እቲ ሓደ ሰብ ካብኡ ዝረኽቦ ምጽንናዕ እዩ። ክትጽሊ ከለኻ ኩሉ ብውሽጣዊ ዓለምካ ዝሓልፍ ነገር ናብ ኢየሱስ ንከተምጽእ ኣይትፍራሕ: ፍቕሪ: ፍርሒ: ጸገም: ትጽቢት: ዝኽሪ: ተስፋ ኮታስ ኩሉ። ጸሎት ዝርርብ እዩ፣ ህይወት እዩ። ጎይታ ከምቲ ወንጌል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገጽ ዘዘንትዎ ምስ ዘይተለምዱ ሰባት ዘይኮነስ ምስ ናይ ብሓቂ ሰባት ዓበይቲ ነገራት ይገብር። የግዳስ እቶም ኣብ ዓቕሞም ተጸጊዖም ጽቡቕ ንኽመስሉ ብመልክዕ ዝነብሩ፡ ንኣምላኽ ካብ ልቢ ይርሕቕዎ። ኢየሱስ ምስ ሕቶታቱ፡ ብፍቕሩ፡ ብመንፈሱ፡ ናይ ብሓቂ ሰባት ክገብረና ይቱዂትዀና። ሎሚ ከም ሎሚ ሓቀኛታት ሰባት ኣዝዮም የድልዩ ኣለዉ!
ዝኸበርኩም ኣዕሩኽተይ ኣብ መወዳእታ ከካፍለኩም ዝደልዮ ጉዳይ ኣሎ፡ ንሱ ድማ ነቲ ዝበልናዮ ብሓጺሩ ዝገልጽ ናይ ወንጌል ክፍሊ ኣሎ። ቅድሚ ዓመትን ፈረቓን ንጉባኤ ቁርባን ኣብዚ ነይረ፤ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ ኣብ ምዕራፍ 6 ኣብ ማእከሉ ብዛዕባ ሓደ መንእሰይ ዚዛረብ ጽቡቕ ኣብነት ቅዱስ ቁርባን ኣሎ። እቲ መንሰይ ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኮይኑ ንኢየሱስ ይሰምዕ ነበረ። ምናልባት እቲ ኣኼባ ነዊሕ ግዜ ከም ዝወስድ ይፈልጥ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ ኣርሒቑ ዝጥምት ድማ ነይሩ: ምሳሕ ሒዙ መጺኡ ነይሩ። ኢየሱስ ግን ነቶም ህዝቢ ይድንግጸሎም እሞ ክምግቦም ይደሊ፤ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ሕቶታት ይሓቶም። ንሓደ ካብኣቶም ከመይ ጌርካ ነዚ ትምግቦ ቢሉ ሓተተ፣ እቲ መልሲ ናይ ብቁጽሪ ምግማት ነበረ፡ "ክልተ ሚእቲ ዲናር እንጌራ እኳ ንኹሉ ሰብ ቁራስ ክቕበል ኣየኽልን እዩ" (ዮሃ 6፡7)ዝብል ነበረ። ብኻልእ ኣዘራርባ: ብሕሳብ ዘይከኣል እዩ ማለት እዩ። ኣብ መንጎ እዚ ካልእ ረድኢ ነቲ መንሰይ ርእዩ ትዕዝብቲ ይገብር፡ ሕጂ’ውን ግን ኣሉታዊ ትዕዝብቲ እዩ፡ «እንሆ ሓሙሽተ እንጌራ ስገምን ክልተ ዓሳን ዘለዎ ወዲ፤ እዚ ግና ንብዙሓት ሰባት እንታይ እዩ፧” (ቁ. 9)ይብል። የግዳስ ኢየሱስ ነቲ ፍሉጥ ተኣምር ምብዛሕ እንጌራን ዓሳን ንኽፍጽም ኣኽል ታርፍ ነበረ።
ይኹን እምበር ወንጌል ዝርዝር ነገር ኣይነግርን እዩ፣ እዚ ድማ ንሓሳብና ይገድፎ: እቶም ደቀ መዛሙርቲ ከመይ ጌሮም እዮም ነቲ መንእሰይ እቲ ዝነበሮ ኩሉ ክህብ ከእምኑዎ ዝኸኣሉ? ምናልባት ምሳሑ ክቐርብ ሓቲቶምዎ ይኾኑ ንሱ ድማ ንየው ነጀው ጠመተ፡ ኣሽሓት ሰባት ረኣየ። ምናልባት እውን ከምኦም "ኣይኣክልን ስለምንታይ ትሓቱኒ እሞ ዘይትከናኸንዎ ኣቱም ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ?" ክብል ምኸኣለ፣ ምናልባት ኢየሱስ ባዕሉ ከም ዝሓተቶ ነጊሮምዎ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። እንተ በቲ እንተ በዚ ዘይተለምደ ነገር ይገብር፣ ይኣምን፣ ዘለዎ ኩሉ ይህብ: ንርእሱ ዋላ ሓንቲ ኣይዕቅብን:: ካብ ኢየሱስ ክቕበል መጺኡ ነበረ ንኢየሱስ ክህብ ከሎ ይረኽቦ። እቲ ተኣምር ግን ከምዚ እዩ ዝኸውን። ካብ ምክፋል ዝመጽእ እዩ፦ እቲ የሱስ ዝፈጸሞ ምብዛሕ፡ ነቲ መንእሰይ ምስኡን ንኻልኦትን ብምክፋል እዩ ዝጅምር። እቲ ንእሽቶ ናይቲ ኣብ ኢድ ኢየሱስ ዘሎ እንጌራን ዓሣን እቲ መንእሰይ ብዙሕ ይኸውን። እዚ እዩ እምነት ዝምርሓሉ ኣገባብ። እዚ ናብ ናጽነት ምሃብ: ናብ ኒሕ ምሃብ: ናብ ምብዳእ ፍርሒ: ዝሓዝካ ሒዝካ ናብ ምትእትታው የብጽሕ! ኣዕሩኽተይ፣ ነፍሲ ወከፍኩም ንኢየሱስ ክቡር እዩ፡ ንዓይ እውን ክቡር እዩ! ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ቦታኻ ክሕዝ ዝኽእል ሰብ ከምዘየለ ዘክር: ንስኻ ጥራይ ክትገብሮ እትኽእል ክገብር ዝኽእል የለን። ሽዑ ንርእስና ፍቑራትን ክቡራትን ምዃንና፡ ንዓበይቲ ነገራት ከም ዝተፈጠርና ክነእምና ንኽእል። ነዚ ንጸሊ በዚ ድማ ነብስና ነተባብዕ! ብጸሎትኩም ሠናይ ክትገብረለይ እውን ዘክሩ። ኮሾኖም! [የቕንየለይ!] ክብሉ ቃሎም ሃቡ።