ድለ

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሱዳን ተጻባእቲ ሓይልታት ዕጥቆም ኣውሪዶም ናብ ዝተ ከብሉ ጻውዒት የቕርቡ! ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሱዳን ተጻባእቲ ሓይልታት ዕጥቆም ኣውሪዶም ናብ ዝተ ከብሉ ጻውዒት የቕርቡ! 

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ሱዳን ተጻባእቲ ሓይልታት ዕጥቆም ኣውሪዶም ናብ ዝተ ከብሉ ጻውዒት የቕርቡ!

ኣብታ ብሁከት እተሃሰየት ሃገረ ሱዳን ስልጣን ንምሓዝ ዝዓለመ ኣብ መንጎ ሓይሊ ምክልኻል እታ ሃገርን ሓውሲ ወተሃደራዊ ሓይልን ዝተለዓዓለ ንሞትን ማህሰይትን ዝዳረግ ዘሎ ውግእ ብዓቢ ሻቕሎት ይከታተልዎ ከም ዘለዉ

ኣብ ሱዳን ስልጣን ንምሓዝ ዝሓቀነ ኣብ  መንጎ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓውሲ ወትሃድራትን ዝተለዓዓለ ብዓስረተታት ዝቑጸሩ ንሞትን ማሕሰይትን ዝዳርግ ዘሎ ሕድሓዊ ውግእ ከብቕዕ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸሶ ዕለት 16 ሚያዝያ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 16 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ምእመናን ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ መሪሖም ብሓባር ምስ ደገሙ ኣብታ ብሁከት እተሃሰየት ሃገረ ሱዳን ስልጣን ንምሓዝ ዝዓለመ ኣብ መንጎ ሓይሊ ምክልኻል እታ ሃገርን ሓውሲ ወተሃደራዊ ሓይልን ዝተለዓዓለ ንሞትን ማህሰይትን ዝዳረግ ዘሎ ውግእ ብዓቢ ሻቕሎት ይከታተልዎ ከም ዘለዉ ሓቢሮም፥ “ምስቲ ህዝቢ ዘለዎም ጥልቂ ቅርበት” ድሕሪ ምርግጋጽ፥ “ኣጽዋር ውግእ ከወግዱን ዘተ ከዕውቱ ነቶም ተጻባእቲ ሓይልታት ጻውዒት አቕርብ . . . ብሓባር ናብቲ ናይ ሰላም መገዲ ክትብሉ እላበው” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ሁከት

በቲ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ብውሑዱ ዓሰርተታት ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉን ካልኦት ብዙሓት እውን መቑስለቲ ከም ዝወረዶምን፥ እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ከብቅዕ ድላይ ናይቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ከም ዘይኮነን፡ ድሮ እቲ ውግእ ካብ ርእሰ ከተማ ሱዳን ናብ ካልኦት ክፋል እታ ሃገር ይተኣታተው ከምዘሎን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዕጥቃዊ ግጭት ደው ክብል ጻውዒት ከቕርቡ እንከለዉ፡ ናይ ዓለም ናይ ስነ መላዊ ክሌኣዊ ርክባት ጉዳያት ውግእ ደው ክብል ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ እዋን፥ በቲ ተለዓዒሉ ዘሎ ግጭት 56 ሰባት ከም እተቐትሉ ናይታ ሃገር ማሕበር ሓኻይም ከፍልጥ እንከሎ፡ ብተወሳኺ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ሓይሊ ምክልኻልን ሰለስተ ናይ ዓለም ሓቆፍ መግባዊ መርሓ ግብሪ ሰራሕተይናታት ከም እተቐትሉን፥

ማሕበረሰብ ዓለም ተኹሲ ደው ክብል ጻውዒት የቕርብ

ዓባይ ብሪጣንያ ቻይና ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኩሎም ናይቲ ውግጭት ተዋሳእቲ ዘለዓዕልዎ ዘለዉ ዓመጽ ደው ከብሉን እታ ሃገር ናብ በረገሳዊ ምሕደራ ዘሰጋግር ባይታ ክፍጠር ጻውዒት የቕርባ ምህላወን ክሕበር እንከሎ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ካርቱም ካብ 2021 ዓ.ም. እትሒዛ ልዑላዊ ቤት ምኽሪ ብዝብል መጽውውዕ ዝፍለጥ ወተሃደራዊ መግንስቲ ትምራሕ ከም ዘላን፥ እዚ ዓይነት ስርዓተ መንግስቲ ኣብቂዑ በርገሳዉ ስርዓተ ክቐውም ካብ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ጻውዒት ይቐርብ ምህላዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዕቡ፥ 

ህጹጽ ሰብኣዊ ኩነታት

ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ድሕሪ ናይ ዓመታት ዓሌት ናይ ምጽናት ኲናት ሓድሕድ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝእቑጸሩ ሰባት ኣብ መዓስከራት ተመዛበልቲ ክነብሩ ከም ዘገደደን፡ ናይታ ሃገር ማሕበር ሓኻይም ዓለም ለኻውያን ትካላት ግብረ ሰናይ ንሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ከቕርባ ጻውዒት ኣቕሪቡ፡ ናይ ሕሙማን መጓዓዝያ ማካይን ህሙማን ናይ ምብጽጻሕ ኣገልግሎተን ክኡል ክኸውን ውሑስ ናይ መተሓላልፎ መገዲ ክረጋገጽ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ኣብ ልዕሊ እቶም ናይቲ ውግእ ተዋሳእቲ ጸቕጢ ክገብር እውን ከም ዝሓተቱ ኣመላኺቱ፥ ኣብ መስቀላዊ መገዲ ማእከላይ ምብራቕን ትሕተ ሰሃራ እርከብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ሱዳን ካብ 1950 ዓ.ም. ናጽነታ ካብ እትረክብ ኣትሒዛ ብወተሃደራዊ ዕልዋታት መንግስትን ውሽጣዊ ግጭትን ኣትፈልጥ ሃገር ምስ ሹዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ እትዳበው ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ስነ ሚላዊ ቦታ ዝሓዘትን ድሕሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ውሽጣዊ ግጭት ሰላም ዝሰኣነት ሃገር ኮያን ከም ዘላን፡ ካብ 2011 ዓ.ም. ደቡብ ሱዳን ናጻ ሉኣላዊት ሃገር ከም ዝኾነትን ካብ ጠቕላላ ብዝሒ ህዝቢ ሱዳን እቲ 16 ሚሊዮን ዝግመት ዳርጋ ሓደ ሲሶ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተመርኮዘ ምዃኑ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጠቒሱ የመላኽት።

17 Apr 2023, 15:52