ር.ሊ.ጳ. ኣብ ንብዓትን ጸሎትን ዝተፈራረቆ ሕፅበተ እግር ናይ 12 እሱራት መንእሰያት ፈጺሞም!
ዜና ቫቲካን!
ዓመት መጸ ብበዓለ ጸሎተ ሓሙስ ነቲ ብልማድ ኣብ ቤተክርስትያን ዝፍጸም ሥርዓተ ሕጽበተ እግር ቅዱስነቶም በትረ ሥልጣን መንበረ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙ ንብዙሓት ብዘስደመመ መንገዲ ኣብ ፈቀዶ ቤትማእሰርታት ሥርዓተ ቅዳሴ ብምዕራግ ኣእጋር ናይቶም ብዝተፈላለየ ገበናት ዝተኣሥሩ እምነትን ዓሌትን ጾታን ብዘየገድስ ብኣምሳል ናይቲ ጐይታ ዝገበሮ ን12 ሰባት ይሕጽቡ። ኣብ ናይ ሎምዘመን ፍጻሜ ንካልኣይ ግዜ ድሕሪ 10 ዓመት ናብ ዝተመልስዎ ቤት ማእሰርቲ ካዛ ደል ማርሞ ምስ በጽሑ ካብቶም እሱራት ከባቢ 18 ዓመት ዝዕድሚኡ ሩስያዊ መበቆል ዘለዎ ግን ከኣ ኣብ ሮማ ተወሊዱ ዝዓበየ ኡሶቭ ክነብዕ ጀመረ። ምናልባት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንእግሮም ክሓጽቡን ክስዕሙን ተንበርኪኾም ክርእዩ ሓይሊ ናይቲ ጽልዋ ኣይተጸበየን ይኸውን። ኣብ መጀመርታ ምስ ሓደ ቈርጫጭ ጸጉሪ ዘለዎን፡ ንቕሳት ኣብ ክሳዱ ዘለዎን ብጻዩ ከም ሓውሲ ዋዛ፡ ዋእ ብዝሑል ማይን ጥራይ እግርን እናበለ ነቲ ዝተሰምዖ ሕፍረት ክሸፋፍን ይፍትን ነበረ። ጽንሕ ቢሉ ግን ቅዱስነቶም ኢዶም እናኣወዛወዙ ሰላም ክብልዎም ምስ ረኣየ ከይተረደኦ ንብዓት ክውሕዝ ጀመረ። ኣብቲ ሥርዓት ሕፅበተ እግር ከኣ ቅዱስነቶም ንእኡን ካልኦት ትሽዓተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን ብሄረ ሲንቲን እግሮም ምስ ሓጸቡ ቁሩብ ትብዓት ይረክብ እሞ፣ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ይቕሬታ ድሕሪ ገለ ህያብ ከቅርበልኩም እኽእልዶ!' ይብሎም። ቅዱስነቶም ከኣ ኣዎንታኦም ንምግልጽ ክምስ ይብሉ እሞ ርእሶም ይንቅንቁሉ። ኢዶም ጨቢጡ ይሳለም። ኣብ መወዳእታ ከኣ ሳላ ሓገዝ ሓደ ሓላዊ፡ ክልተ ጥንታውያን ብራናታት ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከብጽሕ ክኢሉ።
ኣባት ነፍሲ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ነዚ ፍጻሜ እዚ ‘ምልክት ተስፋ ሓድሽ ህይወት ንኹሉ’ እንክብሉ ይገልጽዎ።
ኣብ ቤትማእሰርቲ ዝነበሩ ከም ካልኦት መንእሰያት እውን ከምቲ ናይዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ መንእሰይ ብስምዒት ተዋሒጦም። ኣብ መንጎ እዚኦም ሓደ ካብ ሰኔጋል ዝመጸ ኣስላማይ እውን ይርከቦም። እቶም እምበርዶ ሥርዓታት ሶሙነ ሕማማት ክፍጽሙ እዮም ክበሃሉ ዝቀነዩ ቅድሚ ቁሩብ መዓልታት ካብ ሆስፒታል ዝወጹ ቅዱስነቶም ንኩሎም ብዘደንቅ ኣገባብ በጃ ክዳን ወድዮም እጅገኦም ሰብሰቢኦም ሓደ ብሓደ ኣእጋር እቶም እሱራት ኪሓጽቡን ምስ ነፍስወከፎም እሂን ምሂን ክበሃሃሉን ክዋዘዩን ነቲ ሥርዓት ፈጺሙ። ካብተን ኣብ መወዳእታ ኣእጋረን ዝሓጸብወን ክልቲ ደቂኣንስትዮ ‘ዋእ ንዓኽን ክልተ ኣብ መወዳእታ ሰሪዖምኽን’ እንክብሉ ተዋዝዮም።
መልክዕ ማእከላይ ምብራቕ ዘለዎ፣ በዓል ጸሊም ጭሕሚ ተራኡ ዝጽበ ዝጸንሐ ማቴዎስ ዝተባህለ መንእሰይ እውን ቅዱስነቶም ኪሓጽብዎ ድንን ምስ በሉ፣ ሰለስተ ግዜ ትእምርት መስቀል ብምግባር፣ ናብ ሰማይ ገጹ ኣንቃዕሪሩ የመስግን። ከማኡ እውን ተቀማጢ ሮማ ዝኾነ ሓደ ክሮኤሽያዊ ብስምዒት ተዋሒጡ “ማማ ሚያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ አፍቅረኩም እየ ኩሉ ግዜ ከኣ ስለኹም እጽሊ!” ገሊኦም ከኣ ቅዱስነቶም ኣብ ኤውሮጳ ሰላም ንኽህሉ ኣብ ዝገብርዎ ጸሎት ከምዝጽንበሩ ብምርግጋጽ "እዚ ውግእ ክውዳእ ኣለዎ" እንክብሉ ተማሕጸንዎም።
እቶም መንእሰያት ኣብቲ ቦታ ንዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት ዝሃብዎ ምስክርነትን ዝገለጽዎ ናይ ግሊ ታሪኻታቶምን ብሓቂ ዘደንቅ ነበረ። ዝተፈላለየ ገበናት ዝፈጸሙ መንእሰያት ግን ከኣ በቲ ቅዱስነቶም ዘርኣይዎ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ልባቶም ዝተተንከፈ ገለን ብንብዓት ጣዕሳ ገለን ብንብዓት ሓጎስ ነናቶም ኣዘንትዮም።
ኣብ ቤትማእሰርቲ ካሳል ደል ማርሞ ዝርከቡ ኩሎም ዝተፈላለየ ዓመጽን ፈተነ ቅትለትን ንግድ ዕጸፋርስን ስርቅን ዝፈጸሙ እዮም። ይኹን እምበር፡ ዛንታታቶም እንክትሰምዕን ኣብ ገጻቶም ዝነበረ ስምዒታት እንክተንብብን እቲ ጠንቂ ማእሰርቶም ዝኾነ ዕሽነትን ትዕቢትን ኩሉ ጠፊኡ በቲ ቅዱስነቶም ዘርኣይዎ ዓቢ ለውሃት ዝተዓለሰ ነበረ። ነዚ ቅዱስነቶም ወትሩ ዘርእይዎ ለውሃት ዘስተውዓላ ኣመሓዳሪት እቲ ቤትማእሰርቲ ማርያ ተረዛ ዩልያኖ ‘ንስኹም ቅዱስነትኩም በዚ ለውሃትኩምን ጣዕምኹምን ዕጥቅና ከም እንፈትሕ ትገብሩና በዚ ከኣ ናብቲ ኣገዳሲ ጉድያት ከምእንምለስ ትገብሩና’ እንክብላ ሓጐሰን ብምግላጽ ብስም ኩሎም እሱራትን ተሓጋገዝቶምን ልባዊ ምስጋና ኣቅሪበን።
ዳይረክተር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብታ ካብ ፖርታ ሳንትኣና ድሕሪ ሓጺር ናይ 15 ደቓይቕ ጉዕዞ ዝኣተዋ ቤት ማእሰርቲ ትሕቲ ዕድመ ምስ በጽሑ ብሓጎስ ተቐቢሎምዋ፣ ኣብኡ ድማ ክልተ ዓበይቲ ክንፊ ምእመናን ጭድርታ ጌሮም ብስማርትፎኖም ምሕላፍ 500L ዳግማይ ጀሚሮም። ኣብ ቪያ ደል ማሸሪኖ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሓደ ኣብ ዓረብያ ስንኩላን ዝነበረ መንእሰይ ሰላምታ ንምሃብ መኪና ደው ምስ ኣበሉ ነቲ ህዝቢ ዳርጋ ኣብ ሓደጋ ኣእቲናዮ። ሽዑ እታ መኪና ናብ ሉንጎተቨረ ገጻ ኣቕነዐት፡ ነተን ኣብ መብራህቲ ትራፊክ ደው ዝብላ መካይን እናሰገረት፡ ኣብ መንጎ በጻሕቲ ዓዲ "ኣንታ ኣምላኸይ!" ፕሮፋይል ፍራንቸስኮ ካብ መስኮት ኣብ ምርኣይ።
ስብከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት
ቅዱስነቶም ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ካብ ዝተቀበልዎም ሓደ መንእሰይ ካህን ኣባ ኒኮሎ ሴኮሊኒ ተቀበሎም፣ ቅዱስነቶም ከኣ እናተዋዘዩ ናይዚ ቤትማእሰርቲ ኣበ ነፍሲ ንስኹም ዲኹም! ንምዃኑ መጀመርያ ቊርባን ጌርኩምዶ! እንክብሉ ገና ብጣዕሚ መንእሰይ ምዃኖም ድሕሪ ምስሓቅ ብሓባር ቀደሱ። ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ሓጺር ስብከት እቲ ጐይታ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ዝፈጸሞ ተግባር ትሕትናን ንጽሕናን ሎሚ እውን ብኣኦም ኣቢሉ ይደግሞ ከምዘሎ ብምዝኽኻር ነእጋሮም ንሶም ዘይኮኑ ክርስቶስ ባዕሉ ከምዝሓጸቦም ክፈልጡ ከምዚ ክህሉ ኣዘኻኽርዎም።
ቅዱስነቶም ስብከቶም ብምቅጻል ኣብ ገጽ እታ ኣብታ ቤትጸሎት ተጋቢኦም ዝነበሩ ኣስታት ሓምሳ ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለየ ዓድታትን ቀቢላታትን ዝኾኑ መንሰያት ዝንበብ ስምዒታትን ጥርጣሬታትን ብምትኳር ‘ነፍሲ ወከፎ ብልቦም እዞም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ውሽጠይ ዘለኒ ነገራት እንተዝፈልጡስ...' ክትብሉ ትኽእሉ! እንተኾነ ኢየሱስ ንኩሉ ይፈልጦ! ምፍላጥ ጥራይ ዘይኮነ ከኣ ንነፍስወከፍና ከም ዘለናዮ የፍቅረና፣ ንዅልና ኣእግርና ይሓጽበና። ኢየሱስ ድኽመትና ፈጺሙ ኣይፈርሆን እዩ፣ ድሮ ዕዳና ከፊልዎ ስለ ዝኾነ ፈጺሙ ኣይፈርሕን እዩ፣ ከሰንየና ጥራይ እዩ ዝደሊ፣ ህይወት ክንድዚ ከይትኸብደና ብኢድና ክሕዘና ይደሊ" እንክብሉ ኩልና ዋላ ቅዱሳን እውን ከይተረፉ ናይ ዝሓለፈ ጌጋን ናይ መጻኢ ተስፋን ዘሎና ምዃና ከምዚ ኩሉ ገለጹሎም።
ኣብ ፍጻሜ ቅዳሴ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክወጹ ናብቲ ማዕጾ ገጾም ምስ ቀረቡገ: "ፓፓ፡ ፓፓ፡ ነዊሕ ዕደመ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት" ብዝብል ድምጽን ብጣቅዒትን እታ ንእሽቶይ ቤትጸሎት ዓቅላ ጸባባ። እቶም ሓለውቲ ቅዱስነቶም ነቶም ኣዝዮም ፍስሃ ዘስከሮምን ናብ ር.ሊ.ጳ ዝቀርብዎም ህድኡ እናበሉ ደው ኣበልዎም። ናይዛ ሓጻር ምብጻሕ እዚኣ ሓያል ስምዒት ብምልውዋጥ ውህበታት ማለት ንቅዱስነቶም ፍርያት ናይቲ ኣብዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካሳል ደል ማርሞ ዝተኸፍተ እንዳ ፎርኖ ዝኾና ክልተ ባኮ ፓስታ ይቕበሉ። ነዚ ሓሳብ መበገሲ ዝኾነ ቅዱስነቶም ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ናብቲ ትካል ብምኻድ ነቶም ኣወዳት "ተስፋኹም ኣይትዝረፍ" ምስ በሎም ዝተበገሰ ነበረ። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ነዞም ቆልዑ ሞያ ንምምሃርን ምናልባት’ውን ካብዞም መናድቕ ወጻኢ መጻኢ ንምውሓስን ብዙሓት ፕሮጀክትታት ተወሊዶም ኣለዉ፡ ዝተፈላለዩ ስልጥናታት ካብ ምስትኽኻል ጸጉሪ ጀሚርካ ክሳብ ጽርበትን፡ ወርክሾፕ ራፕ ሙዚቃን ይወሃቡ ኣለው።
ናይ ተስፋ ቃላት
ኣብ ፋብሪካ ፓስታ ቅርጺ መስቀል ዘለዎም ቢስኩት ይስራሕ። በቶም እሱራት ዝተሠርሐ ብወርቂ ዝተለበጥ መስቀል ዕንፀይቲ እውን ኣወፍዮምሎም። ቅዱስነቶም ብወገኖም መቁጸርታትን ናይ በዓል ፋሲካ እንቋቊሖ ቸኮላትን ለጊሶምሎም። ኣብ መወዳእታ ነታ ኣመሓዳሪትን ኣዛዚ ናይቲ ቤትማእሰርትን ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ፣ ኣዛዚ ናይቲ ቤትማእሰርቲ ንቅዱስነቶም "ጭርሖና ተስፋ ምምላስ እዩ፣ በቲ ዓቢ ኣብነትኩም ተስፋና ኣደልዲልክምዎ፣ በዚ ኸኣ ነዞም ኣወዳት ተስፋ ክንመልሰሎም ሓጊዝኩምና" በልዎም። ቅዱስነቶም ብወገኖም “ኣጆኹም ብትብዓት ንቕድሚት ገስግሱ፣ ስለይ ጸልዩ! ስለይ ደኣ እምበር ከም ካልእ ኣይትጸልዩን ግዲ ትኾኑ” ብማለት ብሓዋርያዊ ቡራኬ ተሰናበትዎም።