ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍርቂ መዓልቲ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ቡራኬ ሂቦም

ባዕልኻ ጎይታ ህይወት ከምቲ ኣብ በዓለ ፋሲካ ንደቀ መዛሙርቲ “ሰላም ምሳኻትኩም ይዅን ዝበልካዮ ኣብ ጉዕዞና ኣተባብዓና!

ዕለት 9 ሚያዝያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ዘዕረግዎ  መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሰገነት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ቡራኬ ቅድሚ ምሃቦም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

. . . ትንሳኤ ክርስቶስ ዘምጽኦ ሓጎስ ብምቅላሕ ክርስቲያን ኣብዛ ብብዙሕ መከራ እትልለይ ዓለም ንእግዚኣብሔር ንሰላም ብምስራሕን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምግልጋል ክንራኸቦ ኣተባቢዖም፥

ድልድል ናብ ህይወት

ነቲ ክርስቶስ ተንሲኡ ኢልና እንእውጀሉ ዕለት፥ ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን ብዝብላ ናይ እምነት ኑዛዜ ኣስተንትኖኦም ኣበጊሶም፥ ኣብ ኢየሱስ ሰብኣውነት ካብ ሞት ናብ ሕይወት ሓጢኣት ናብ ጸጋ ፍርሒ ናብ እምንቶ ዕንወትን ተነጽሎን ናብ ሱታፌ ተሰጋጊርና፥ ብፍላይ ድማ ንሕሙማትን ድኻታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ንዅሎም ዝሳቐዩን ካብ ጸበባ ናብ ምጽንናዕ ምሕላፍ ምእንቲ ኪረኽቡ ተማሕጺኖም፡ ንሞት ኣብ ምስዓር “ጐይታ ናብ ህይወት ዝወስድ ድልድል ኣቖመልና” ቢሎም፡ ኵሉ ነዚ ክዝክርን ክሕጎስን፥ ነዛ ኣዚያ ኣገዳሲትን ሰናይን ታሪኻዊት መዓልቲ ጸገወና!”

ር.ሊ.ጳ. ፍርቂ መዓልቲ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለም ቡራኬ ሂቦም
ር.ሊ.ጳ. ፍርቂ መዓልቲ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለም ቡራኬ ሂቦም   (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ክርስቶስ ተንሲኡ እዩ፥ ብሓቂ ተንሲኡ እዩ!

 “ክርስቶስ ብሓቂ ተንሲኡ እዩ” ዝብል ኣዋጅ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ዝጥቀመሉ “ብሓቂ፥ ዝብል ቃል መሰረት ገይሮም፡ እዚ ቃል እዚ ትንሳኤ ጎይታ ክውንነት እምበር ትምኒት ጥራይ ከምዘይኮነ ከም ዘጒልሕ ገሊጾም፡ እዚ ማለት ድም ጉዕዞ ወዲ ሰብ ኣብ ተስፋ ርግጸይና ባይታ ስለ ዘለዎ፡ ሕጂ እውን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብዙሕ ብድሆታት ኣብ ምግጣም ርእሰ ተኣማንንት ሒዙ ንቕድሚት ክስጉም ይኽእል ማለት እዩ።

ኣብነት ናይቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ መሰኻኽር ትንሳኤ ብምዝካ፡ ኩሎም ነዚ ብስራት እዚ ንኻልኦት ክነግሩ ከመይ ከም እተጓየዩ ገሊጾም፡ ወዲ ሰብ ሎሚ እውን ኣብዚ ጉያ እዚ ክዋሳእ ይጽዋዕ . . . “ንሕና እውን ኣብ ጉዕዞ ሓድሕዳዊ ምትእምማን ማለት ኣብ መንጎ ውልቀሰባት ህዝብታትን ኣህዛብን ምትእምማን ክስጉም ንጓየ . . . ብሓጎስ ኣዋጅ ፋሲካ በቲ መብዛሕቲኡ ግዜ ዓለምና ተሸፊና እትርከበሉ ጸልማትን ደልሃመትን ዘብርህ ብርሃን ምግራም ከነስተማቕር ፍቓደይናታት ንኹን።” ግርጭታትን ምፍልላይን ንምእላይ መገዲ ሰላምን ሕውነትን ንምስዓብ ዘድሊ ህጹጽ ጻዕሪ ብምርኣይ፡ ካብ ኲናትን ድኽነትን ንዝሃድሙ ሰባት ሓገዝን ኣቀባብላን ንምሃብ ዝከኣሎም ኩሉ ንዝገብሩ ዘለዉ ንኢዶም . . . ኵላትና ከምኡ ክንገርብር ጎይታ ልብና ይኽፈተልና” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ር.ሊ.ጳ. ፍርቂ መዓልቲ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለም ቡራኬ ሂቦም
ር.ሊ.ጳ. ፍርቂ መዓልቲ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለም ቡራኬ ሂቦም   (Vatican Media)

ብርሃነ ፋሲካ ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ሩሲያ

ምእንቲ እቶም “ፍቑራት ህዝቢ ዩክረይን” ሰላም ክረኽቡን ከምኡ እውን ብርሃነ ፋሲካ ንህዝቢ ሩሲያን ዩክሬይንን ተመንዮም፡ ጐይታ፥ “ነቶም ዝቘሰሉን ንኹሎም እቶም ብሰንኪ እቲ ውግእ ፍቑራቶን ንዝሰኣኑ የጸናንዕ . . . እሱራት ናብ ዓዶም ይመለሱ፡ ብምልኡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ከኣ ኣብ መላእ ዓለም ውግእ ደው ንምባል ኣበርቲዑ ክጽዕር ሓደራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ምግምማዕ ክፍወስ

ኣስዒቦም ንቕድስቲ ከተማ ኢየሩሳሌም ብምዝካር ኣብ መንጎ እስራኤልን ፍልስጥኤማውያንን ሰላም ምእንቲ ክወርድ፡ መገዲ ዘተ ዳግማይ ክብገስ፡ ኣብ ሊባኖስ ምርግጋእን ሓድነትን ንኽምለስ ኣብ እትቃለሰሉ ዘላ ኣዋን ሓገዝ ክትረክብ ከም ዝጸለዩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ፥

ሰላምን ዕርቅን

ማሕበራውን ቁጠባውን ጸገማት ክሳብ ሕጂ ንዝገጥሞ ዘሎ ካብቲ ህብረ ብድሆታት መውጽኢ መገዲ ንምርካብ ዝቃለስ ዘሎ ህዝቢ ሃይቲ ሓገዝ ከይፍለዮ ሓቲቶም፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳንን ከምኡ እውን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዝካየድ ዘሎ ጻዕርታት ሰላምን ዕርቅን ጎይታ ይደግፍ” እንክብሉ ዘኪሮም፡ ከምኡ እውን ነቶም ግዳያት ኣህጉራዊ ግብረ ሽበራ፡ ብፍላይ ኣብ ቡርኪና ፋሶ ማሊ ሞዛምቢክን ናይጀሪያን ምጽንናዕ ክረኽቡ ጸልዮም። ኣብ ኒካራጓን ኤርትራን ኹሎም ዜጋታትን ብናጽነትን ግልጽነትን እምነቶም ንኽነብሩ ጸልዮም፥ ቀጺሎም ምያንማር ጠቒሶም፥ ጎይታ ኣብታ ሃገር ሰላም ክነግስን ልቢ መራሕቲ ከብርህን “እቶም ዝተሃሰዩ ሮሂንጋውያን ፍትሒ ክረኽቡ” እጽልይ፥

ሰብኣዊ ክብሪ ምኽባር

“ንስደተይናታትን ዝተሰጉን ናይ ፖለቲካ እሱራትን ጎይታ ምጽንናዕ ይሃቦም፥” ብፍላይ ነቶም ኣዚዮም ተቓላዕቲ ዝኾኑ ጸልዮም፥ “ከምኡ እውን ኩላትና ነቶም ግዳያት ጥሜት፡ ተጠቀምቲ ዕጸ ፋርስ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ካልእ ኩሉ ዓይነት ጊልያነት ንዝጋጥሞም ንሓግዝ፡ እዚ ማሕበራዊ ቁስሊ እዚ ምእንቲ ክሓዊ መራሕቲ ኣህዛብ ሰብኣዊ ክብሪ ከረጋግጹ ንጸሊ፥”

ኣሕዋትን ኣሓትን ናይ ጉዕዞ ባህታ ዳግማይ ክንረኽቦ ናይ ተስፋ ህርመት ልቢ ነቀላጥፎ፡ ንጽባቀ ሰማይ ድማ ኣቐዲምና ነስተማቕሮ! ናብቲ ፈጺሙ ዘየጒህይ ሰናይ ክንጓዓዝ ካብቲ ሰናይ ዝኾነ ሓይሊ ንለምን፡ ባዕልኻ ጎይታ ህይወት ከምቲ ኣብ በዓለ ፋሲካ ንደቀ መዛሙርቲ “ሰላም ምሳኻትኩም ይዅን ዝበልካዮ ኣብ ጉዕዞና ኣተባብዓና!

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ዛዚሞም ንሮማን መላእ ዓለም ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍርቂ መዓልቲ ንከተማ ሮማን መላእ ዓለምን ቡራኬ ሂቦም
10 Apr 2023, 11:16