ር.ሊ.ጳ.፥ ዘመናዊ ስርዓት ዳግማይ መግዛእቲ ገበንን ስግኣት ንሰላምን እዩ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብዛዕባ ሓድሽ ስርዓት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣማእኪሉ ናብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ካብ ዘመናዊ ቁጠባውን ስነ ሓሳባውን መግዛእቲ ንጠንቀቕ፡ ሕጂ ስለ እቶም ኣብ ኣፍሪቃን ላቲን ኣመሪካን ሓድሽ ስርዓት ባዕዳዊ መግዛእቲ ዘካይዱ ክርስቲያን እቕረታ እሓትት ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሃገራት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝውክሉ ናይ ሰብኣዊ መሰል ጉዳይ ዝክተተሉ ደያኑ ዝሳተፈ ዛዕባ ዳግማይን ሓድሽ ስርዓት ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣማእኪሉ ናብ ዝተኻየደ ዓውደ መጽናዕቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ብሓደ ወገን መንነት ናይ ሓደ ሃገር ወይ ማሕበራዊ ጉጅለ ክውሰን የብሉን፥ ስለዚህ ሓድሽን ዳግማይ ባዕዳዊ መግዛእታዊ ስርዓት ክህሉ የብሉን ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ብሓይሊ ወይ ባህላውን ፖለቲካውን ምትእትታው ምኽንያት ህዝብታት ምግዛእን ምዝማትን ገበን እዩ . . . ምኽንያት ኣብዛ ህዝብታት እትድርብን እትምዝምዝን ዓለም ናይ ሰላም ዕድላት ስለ ዘምክን. . . ካብዚ ዓይነት ሓድሽ ጨቋኒ ስርዓት ንጠንቀቕ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ውርሻ መግዛእታዊ ስርዓት ኣብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን
ቅዱስነቶም ናብቲ “መግዛእቲ፥ብኣረኣእያ ፍትሕን ሓባራዊ ረብሓን ሓድሽ ስርዓት መግዛእቲ ምውጋድ” ብዝብል ኣርእስቲ ካብ ዕለት 30 – 31 መጋቢት ዝተኻየደ ጳጳሳዊ ናይ ማሕበራዊ ስነ ፍልጠት ተቛምን ሽማግለ ደያኑ ማሕበራዊ መሰላት መላእ ላቲን ኣመሪካን ሰዓብቲ ጠመቓዊ ትምርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ መንበረ ጥበብ ማሳቹስትስ ብሓባር ናብ ዘዳለውዎ ዓውደ መጽናዕቲ፥ እቶም ተጋባእያን ኣብ ኣፍሪቃን ኣመሪካን ስርዓት ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓዲግዎ ዝሓለፈ ወርሻ ኣብ ናይ ሎሚ ዓለም ዘይምዕሩይነትን ማሕበራዊ በደላትን ኣልቦ ዘላቒ ልምዓትን ቅልውላው ከባቢ ኣየርን ከምኡ እውን ጃምላዊ ስደትን ኣተኲይሮም ኣስተንትኖ ብምክያድ፡ ነዚ ኣሉታዊ ኩነታት እዚ ኣብ ምዕጋት ኮነ ኣብ ምውጋድ ተራ ትካላትን ስርዓተ ፍትሕን ብሰፊሕ ከም ዝዘተዩን፡ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ብእደ ጥበባዊ መዳይ ብዓይኒ መልክዓ ምድራዊ ኣቀማምጣ ብዛዕባ “መግዛእቲ” ክንዛረብ እኳ እንተዘይከኣልና ይብሉ ቅዱስነቶም፥ ብርግጽ መግዛእቲ መልክዑን ኣገባባቱን ምኽንያታቱን ቀይሩ ዝመጸእ ብምዃኑ ንምልላዩን ንምውጋዱ ኣዚዩ ኣጸጋሚ ኮይኑ ኣሎ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ቁጠባውን ስነ ሓሳባውን መግዛእቲ
ር.ሊ.ጳ. ከም ኣብነት ንዲሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ብምጥቃስ፥ ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ኣብ መባእታ 2023 ዓ.ም. ዝበጽሕወን ሃገራት እናሓሰቡ፥ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ናጻ ሃገር ካብ እትኸውን 70 ዓመታት ዘቑጸረት እኳ እንተኾነ፡ ሃብታም ጸጋታታ ብሓያላት ኣካላት ይምዝመዝ ከምዘሎን እዚ ድማ ንመሬታን ህዝባን ንሓባራዊ ረብሓን ኣዚዩ ዝጸልው ግጭት የስዕብ ምህላው ኣመልክቶም፡ ማዕረ ማዕሪኡ ኣጋአዳስነት ዘለዎ፥ “ስነ ሓሳባዊ መግዛእቲ” ዝብል ተርእዮ “ኣብ መንጎ ህዝባታትን ክብርታቶም ዘሎ ተፈጥሮኣዊ ምትእስሳር ልምድታቶም ታሪኾምን ሃይማኖታዊ ልምድታቶም ምጥፋእ ዝብል ናይ ገበን ስርዓት እዩ፥”
ስነ ሓሳባዊ መግዛእቲ ንኹሉ ደረጃ ክዕብልል ዝፍትን እዩ። ንፍልልያት ዘይጻወርን ኣብ ህልውነትን ኣብ ውልቃዊ ድሌታትን መሰላትን ንዘተኮረ ኣተሓሳስባ ዝእዘዝ፡ መብዛሕቲኡ ግዜ ድማ ኣብ ልዕሊ እቶም ብዙሓት ዝኾነ ህዝብታት ጸቕጢ ዘተኣታትውን ንኹሎም ተኣፋፍያን ሸለል ዝብልን ዝንጽልን እዩ፥
ኣብዛ ህዝብታት እትንጽልን እትጭፍልቕን ዓለም ናይ ሰላም ዕድል የሎን
ብፍላይ እዚ ሓድሽ መልክዕ መግዛእቲ፥ “ሓያሎ ዘመናት ዝቐጸለ ደማውን ኢሰብኣውን ታሪኻዊ ግጭትን ኣብ መንጎ ህዝብታትን ኣብ መንጎ ሰብኣዊ ፍጥረትን ሓርነትን ርእሰ ውሳኔን ምትሕግጋዝን ዝብል ዓላማዊ ሓሳብ ንምምዕባል ዘየገልግል እዩ።”
መግዛእቲ ገና ይቕጽል ኣሎ። እንተኾነ ግን ዝያዳ “ሰላሕታውን ረቂቕን ኮይኑ፡ ነቲ ሓድሽ ልምድታት ዕብለላ ነቲ ሓድሽ መግዛእቲ ምኽንያታዊ ንምግባር ዝጽዕርን በዚ መንጽር እዚ እቲ ናይ ቀደም መግዛእቲ ዝነበረ “ግብረ ኩነታት” ኵሎ ሎሚ “ብዘይተዳራጊ ብዘይተተኻኸለ ግርጭትን ሕግታትን” ተተኪኡ ኣሎ። እቲ ጭቡጥ መግለጽታት ፍትሕን እቲ ኣብ ህዝብታት ዝረአ ጽቡቕ ብስለትን ነፍሲ ወከፎም “ታሪኻቶም መበቈሎም ልምድታቶም ከምኡ እውን ሃይማኖቶም” ክንርስዕ ከም ዘይብልና የተሓሳስበና።
ስለዚ “ዝኾነ ፖለቲካዊ ቈጠባዊ ስነ ሓሳባዊ ሓይሊ ብሓደ ወገን መንነት ናይ ሓደ ህዝቢ ወይ ማሕበራዊ ጉጅለ ክውሰን የብሉን።” ህዝብታት ብሓይሊ ወይ ብባህላውን ፖለቲካውን ምትእትታው ምግዛእ፥ “ኣብዛ ህዝብታት ብምድርባይ እትዘምትን እትጭፍልቕን ዓለም ናይ ሰላም ዕድላት ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ” ቢሎም፥ “ኣብ መኸተ ኣንጻር ቀጻሊ ሓድሽ መግዛእታዊ ስርዓት ተግባራቱን ዓሌታውነትን ምፍልላይን ናይ ዘስዕቦ ጸገም እንታይነቱ ኣብ ምልላይ ንቕሓት ክህሉ ኣብ ምዕያን ግደ ምሁራትን ስነ ፍልጠታዊ መጽናዕትን ኣገዳስነቱ ደጊሞም ድሕሪ ምግላጽ፡ ደቀባት ህዝብታትን ተመዛበልቲ ብሔራትን ኣብ ሃገራቶም ኣብ ዝካየድ መስርሕ ፖለቲካዊ ውሳነታት ክዋስኡ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣጒሊሖም፡ እዚ እውን ፍትሓዊ ውክልና ክህሉ ዝድግፍ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ነቲ ሕድሽ ስርዓት መግዛታዊ እሰራርሓታትን ካብኡ ዝወርድ መግለጺ ዓሌታውነትን ማሕበራዊ ምፍልላይን ቀልጢፍና መወዳእታ ንምግባር ዘድሊ ጻዕር ክንግበር ንሕተት . . ።ኣብ ፖለቲካዊ ስርዓታት ሓቀይና ውህደት ውክልና ዘለዎም ናይቶም ዝተገሉ ህዝብታት እንተዘይሃልዩ ሰላም ኣይክህሉን እዩ!
ኣመንቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእታዊ ስርዓት ስለ ዝገበርዎ ኣበርክቶ እቕረታ እሓትት
ነቶም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት “ኣብ ኣመሪካን ኣፍሪቃን ንዝነበሩ እተፈላለዩ ህዝብታት ፖለቲካውን ዞባውን ንዝገዝኡ ባዕዳውያን ሃገራት ነቲ ገዛኢ ፖለቲካዊ ስርዓታቶም ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣበርክቶ ዝገብሩ ካብኣቶም ገሊኦም ኣመንቲ ክርስቲያን ከም ዝነበሩን እዞም ኣመቲ እዚኣቶም ብዝፈጸምዎ ተግባራት ምኽንያት ደጊመ እቕረታ እሓትት። ንዝኾነ ይኹን ኣብዚ እዋን እዚ ዘጋጥም ዘሎ ወይ ዝፍጸም ጌጋታት ምኽንያት ዝኾነ መግዛእታዊ ስርዓት ድጋፍ ዝገበሩ ኣመንቲ ስለ እቲ ዝፈጸመዎ ግጒይ ተግባር እቕረታ እሓትት እንክብሉ ዘመሓላለዎ መልእኽቲ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።