ድለ

ፍራንቸስኮ ኣብ መንጎ ድኻታትን ስደተኛታትን: ቤተ ክርስቲያን ቋንቋ ግብረ ሰናይ ትዛረብ!

. . . ነቶም ዝእለዩ ዳግማይ ዝሓንጽ ልቦምን ዝምድናታቶምን ዝፍውስ ኢየሱስ ህያው ቃል እዩ” . . . እዚ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ጉዳይ እዩ

ቅዱስነቶም ንኹሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፥ ኣብ ሃንጋሪ ኣቦ መንበር ጨንፈር ካሪታስ የኔታ ኣንታል ስለ እቲ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃልኩም የቐንየለይ ቢሎም፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሃንጋሪ ንጽጉማትን ድኻታትን እተቕርቦ ግብረ ልግሲ ነመስግን፥ ድኻታት ሕመረት ወንጌል ምዃኖም ብፍጹም ክርሳዕ የብሉን፡ ብሓቂ ኢየሱስ፥ “ንድኻታት ቃል ብስራት ከስምዕ እዩ ዝተላእከ” (ሉቃ. 4, 18)።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድኻታት ስኡናት ንሳቶም እምነት ካብ ካብ ህይወት ዝረሓቐ “ኣምልኾን” ግዳይ ናይ ሓደ ዓይነት “መንፈሳዊ ርእሰ ፍትወት” ከይከውን ወይ ብውልቅና እንሓንጾ መንፈሳውነት ከይከውን መሳጢ ብድሆታቱ የርእዩና። . . . ሓቀይና እምነት ብኣንጻሩ ኣብ ሓደጋ ዘእትው ንጽጉማት ንኽትራኸብ ዘውጽእ ቋንቋ ግብረ ሰናይን ልግስን ክንዛረብ ዝገብር እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ ከም ዘረጋግጾ . . . ብዙሕ ቋንቋታት እንዛረብ ጥበብን ሃብትን ዘለዎም ገበርቲ ተኣምር እውን እንተኾንና ፍቕሪ እንተዘይብላን ግን ቦዶ ኢና (1ቆር. 13, 1-13 ረኣ)።

እዚ ናይ ፍቕሪ ስራሕ እዚ እውን ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ብህይወታ እተዛረበቶ ቋንቋ እዩ ነይሩ። . . . ሓደ ሰብ ”ንኣምላኽ አፍቅር ዝብል ንሓዉ ግና ዝጸልእ እንተድኣ ኮይኑ፡ ንሱ ሓሳዊ እዩ፥ ነቲ ዝርኣይ ሓዉ ዘየፍቅር ነቲ ዘርይእዮ ኣምላኽ ከፍቅሮ ኣይክእልን እዩ “ (1ዮሓ. 4,20 ረኣ)። ቅድስቲ ኤልሳቤጥ ዘሃንጋሪ ጓል ንጉስ ኣብ ጣዕሚ ቤተ መንግስቲ ፍልዩ ዕድል ኣብ ዝነበሮ ሃዋሁ እያ ዓቢያ። ምስ ክርስቶስ ብምርኻባ ተተንኪፋ ዝተቐየረት ነዊሕ ከይጸንሓት ሃብቲ ዓለምን ከንቱነቱን ነጺጋ ንዝተጸገሙ ክትከናኸን ወሰነት፥ በዚ ድማ ንብረታ ጥራይ ዘይኮነ ህይወታ እውን ንድኻታትን ዝተናዕቁን ህሙማንን ኣወፈየት . . . እዚ ቋንቋ ግብረ ሰናይ እዩ!

ኣብዚ ሓብትና ብርጊታ ስለ እቲ ዝሃበቶ ቃል ምስክርነት አመስግን። . . . ኣብቲ ኣዚዩ መዓታዊ ህሞት ንቤታ እንጌራ ከተናድይ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ እግዚኣብሔር ኣትዩ እወ “ድምጺ ድኻታት ዝሰምዕ ንውጹዓት ዘጽድቕ ንዝጠመዩ እንጌራ ዝህብ . . . ንግብረ ሰናይ ዝዕጠቑ ኣሕዋትን ኣሓትን ብምንቕቓሕ ንዝወደቑ ዘተንስእ እዩ። . . . እዚ ጉዕዞ እምነት እዩ! ንኹሉ ብፍላይ ድማ ነቶም ብድኽነትን ሕማምን ቃንዛን ንዝልለዩ ምድንጋጽ . . . ብግብሪ! ቋንቋ ልግሲ ኣትዛረብ ቤተ ክርስቲያን ተድልየና፡ ፍቕሪ ሓልዮት ልግሲ ኩሉ ሰብ ዝሰምዖ ተርጓሚ ዘየድልዮ ኵላዊ ቋንቋ እዩ፥ ኩሎም እቶም ካብ ቤተ ክርስቲያን ዝረሓቑን ኢኣማንያን እውን ዝሰምዕዎ ቋንቋ እዩ።

ኣብ አገልግሎት ግብረ ሰናይ መላእ ኣብ ሃንጋሪ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቁምስናታትን ሰበኻታትን ጓሶትን ገዳማውያንን ብዙሓት ወለንተይናታትን ምእመናን ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ሃይማኖታትን ዘራኽብ መርበብ ፈጢርኩም ስለ እተቕርብዎ ልግሲ አመስግን . . . ካብ ዩክሬይን ዝመጹ ስደተይናታት ኣብ ምእላይ እውን ትምስክርዎ ኣለኹም። ናይ ኦሌግን ስድራ ቤታን ቃል ምስክርነት ሰሚዕና፡ ኣብ ናይ ተስፋ ጎደና ትጓዓዝ ዘላ ስድራ ቤት፡ ልግሲ ዝመልኦ ኣቀባብላ ረኺቦም . . . እቲ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ናይ ዝተቐብልናዮ ፍቕሪ ተስፋ ኣባና ዳግማይ የበራብር። ኣብ ሓድሽ መገዲ ህይወት ንኽንጓዓዝ የተባብዕ። ፍቕሪ ምስ እትቕበል ኣብ ቃንዛን መከራን እውን እንተሃለኻ ብትብዓት ንቕድሚት ክትጓዓዝ የተባብዕ፡ ፍቕሪ ኩሉ ባኺኑ ከምዘይተርፍ ዝተፈልየ መጻኢ ክኡል ምዃኑ ንምእማን ዝሕግዝ ሓይሊ እውን እዩ። ኢየሱስ ዝህበናን ክነብሮ ዝእዝዘና ፍቕሪ ካብ ሕብረተሰብ ካብተን እንነብረለን ከተማታትን ቦታታትን ክፍኣትን ዘይምግዳስን ሸለልትነትን ርእሰ ፍትወትን ንምጥፋእ ይሕግዝ። እዚ ፍቕሪ እዚ ዝያዳ ፍትሓውን ሕውነታውን ኵሉ ቤታዊ ኮይኑ ዝስምዓሉ  ተስፋ ሓድሽ ሰብእውነት የበራብር።

እቲ ዘሕዝን ግን ብዙሓት ሰባት ኣብዚ እውን ኣልቦ ቤት ዝኾኑ ተኣፋፍያን ኣሕዋትን ኣሓትን ምህላዎም እዩ። ብዕጸ ፋርስ ዝዓነዉ ካብ ቤት ማሕቡስ ዝወጹ ወይ ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ ንበይኖም ዝሕደጉን ከም ውዳቕ ዝረኣዩን . . . ኣደዳ ናይቲ ጓሓፋይ ባህሊ ዝኾኑ ምህላዎም ዞልታንን በዓልቲ ቤቱን ካብ ዘስምዕዎ ቃል ምስክርነት ዝሰማዕናዮ ጉዳይ እዩ። በዚ ድማ ኣልቦ ቤትን ኣደዳ ጓሓፋይ ባህልን ዝኾኑ ኣሕዋትን ኣሓትን መእለዪ ዝኸውን ማእከል ከተቑሙ መንፈስ ቅዱስ ኣባኹም ዘነቓቐሖ ግብረ ሰናይ ክተሳልጡ ምኽኣልኩም የቐንየለይ። . . . ነቶም ዝእለዩ ዳግማይ ዝሓንጽ ልቦምን ዝምድናታቶምን ዝፍውስ ኢየሱስ ህያው ቃል እዩ” . . . እዚ ንመላእ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ጉዳይ እዩ። እንጌራ ምቕራብ ጥራሕ ንበይኑ እኹል ኣይኮነን፡ ኣካል ሰብ ጥራሕ ዘይኮነስ ልቢ ሰብ ምምጋብ እውን የድሊ! ምጽዋትን ንዋታውን ማሕበራውን ሓገዝ ጥራይ ዘይኮነስ ንኹሉ በቲ ሓቀይና ጽባቔን ክብርን ዳግማይ ክትዕወቶ ብዝገብር ፍቕሪ ኢየሱስ ደው ክብልን ምሉእ ኵለንተናዊ ሰብኣዊ ዕብየት ዘዕውት እዩ!

ክቡራት ኣሕዋተይ ኣሓተይን ወትሩ ቋንቋ ግብረ ሰናይ እትዛረቡ ክትኮኑ እላቦ። ኣብዚ ቅርዓት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ሓወልቲ ቅድስቲ ኤሊሳቤጥ ዘሃንጋሪ ሓደ እዋን እቲ ንድኻታት ክትዕድሎ ሒዛቶ ዝነበረ ህብስቲ ጥዑም መኣዛ ናብ ዘለዎ ዕምባባ ከም ዝተቐየረ ኣብ ታሪኽ ማህደራ ዝተጻሕፈት ተኣምር፥ መላእ ቤተ ክርስቲያ ጨና ግብረ ሰናይ እትሽትት ክትከውን ዝዕድም እዩ። ጥዑም ሽታ ግብረ ሰናይ ኣብ ሃገርኩምን ቤተ ክርስቲያንኩም ከተምጽኡ እምነ! ሓድራኹም ስለይ ጸልዩ። ክብረት ይሃበለይ ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

29 Apr 2023, 15:55