ድለ

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ሃንጋሪ፡ 'እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሥአ ክርስቶስ መጻኢና እዩ'።

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ምስ ናይ ሃገረ ሃንጋሪ ጳጳሳት፣ ካህናት፣ ዲያቆናት፣ ገዳማውያንን ገዳማውያትን፣ ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን፣ ከምኡ’ውን ኣገልገልቲ መንፈሳዊ ጉስነት ብምርኻብ፣ ንናይ ገዛእ ርእስና ግዜ ብግልጽን ብትንቢታዊ መንፈስን ክንቀርቦ ዘኽእለና ጸጋ መመያ ክንምህለል ብምጽዋዕ ነዚ ኣስተምህሮ እዚ ኣቅሪቦም።

“ዝኸበርኩም ኣሕዋት ጳጳሳት፡ ክቡራን ካህናትን ዲያቆናትን፡ ሰብውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ተመሃሮ ዘርአ ክህነትን! ዝኸበርኩም ኣገልገልቲ መንፈሳዊ ጒስነት! ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ይትባረክ ኢየሱስ ክርስቶስ! ኣብ መበል 52 ኣህጉራዊ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን ምሳኹም ንምስታፍ ዳግም ኣብ መንጎኹም ብምርካበይ ሕጉስ እየ። እቲ ዝቀደመ ናይ ዓቢ ጸጋ ህሞት እዩ ነይሩ፣ መንፈሳዊ ፍረታቱ የሰንየኩም ከምዘሎ ርግጸኛ እየ። ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ቨረስ ስለቲ ዘቅረበለይ ሰላምታን ንሃረርታ ካቶሊካውያን ሃገረ ሃንጋሪ "ኣብዛ ትቀያየር ዘላ ዓለም ክርስቶስ መጻኢና ምዃኑ ክንምስክር ንደሊ" እንክብሉ ንዘቅረበለይ ቃላትን አመስግኖ። ሓደ ካብቲ ኣገዳሲ ድሌታትና ነቲ ኣብ ዘመንና ዘሎ ለውጥን ሕዳሴን ምትርጓም: ነቲ ናይ ጉስነት ብድሆታት ብዝበለጸ ክንገጥሞ ምጽዓር እዩ። እዚ ግን ንክርስቶስ ከም መጻኢና ብምጥማት ጥራይ እዩ ዝከኣል: ንሱ "ኣልፋን ኦሜጋን: እቲ ዘሎን ዝነበረን ዚመጽእን: እቲ ዅሉ ዚኽእልን" (ራእ 1፡8)፡ መጀመርታን መወዳእታን እዩ። መሰረትን ናይ መወዳእታ ዕላማን ታሪኽ ወዲ ሰብ እዩ። ኣብዚ ዘመነ ፋሲካ ዘለዎ ክብሩ፡ ብዛዕባ እቲ "ቀዳማይን ዳሕረዋይን" (ራእ 1፡17) ብምስትንታን፡ ነቶም ሓደ ሓደ ግዜ ንዓለምና ዝወቕዑ ህቦብላታት፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዝረአ ቅልጡፍን ቀጻልን ለውጢ ከምኡ'ውን ብተመሳሳሊ ብግህዶ ንርእዮ ዘሎና ቅልውላው እምነት ምዕራባውያን፣ እቲ ንተስፋ ቊርጸት ኢዱ ዘይህብ ማእከልነት ፋሲካ ዘየሰሓሕት ትርኢት እውን ይረአ እሞ እቲ ማእከል ታሪኽ ዝኾነ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠአ ክርስቶስ መጻኢና እዩ። ህይወትና ብተኣፋፍነት ዝልለ እኳ እንተኾነ ኣብ ኢድ ጐይታ ብጽኑዕ ተቐሚጡ ኣሎ። ነዚ እንተረሲዕናዮ ንሕና ጓሶትን ምእመናንን እውን ካብ ዓለም ንነብስና ንምክልኻል ኣብቲ ምቹእን ሰላማውን ሃይማኖታዊ መዕረፊ ተዓጽና ሰብኣዊ መገድን መሳርሕታትን ክንደሊ ኢና፤ ወይውን ብኣንጻሩ ምስቲ ዝቕየር ንፋሳት ዓለማውነት ክንመሳሰል ኢና እሞ፡ ሽዑ ክርስትናና ብርታዐ ክስእንን መቀረቱ ኣጥፊኡ ጨው ምድሪ ምዃን ከነቋርጽን ኢና። እዚኣቶም እምበኣር፡ ከም ቤተ ክርስቲያን ወትሩ ክንከላኸለሎም ዝግበኣና ክልተ ትርጉማት - ክልተ ፈተናታት ክብል እፈቱ - ማለት በቶም ኩሉ ጠፊኡ እዩ! ናይ ቀደም እሞ ኣበይ ክርከብ ኣንፈትና ኣጥፊእና ዝብሉ ሰብ ዕሩብ ሕልና ተሳዒርና ናይ ህሉው ታሪኽና ኣዕናዊ ንባብን ትርጓመን ካብ ምሃብ ክንሕሎ የድሊ። ቀሺ ሳንዶር ነቲ "ካብ ፋሕፋሕ ዘናገፎ" ኣምላኽ ምስጋናኡ ምግላጹ ጽቡቕ እዩ! ደሓር ከኣ እቲ ካልእ ሓደጋ፡ ብገርህነት ወይውን ወጃሃላይ ብዝኾነ መንገዲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኩነታት ምንባብን ምትርጓምን ኮይኑ፡ እዚ ድማ ኣንጻር እቲ ቀዳማይ ኣብ ምቹእነት ብምትእስሳር ዝተመርኮሰ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ኩሉ ጽቡቕ ኣሎ፡ ዓለም ኣብዚ እዋን’ዚ ማዕቢላ ተቐይራ ንሕና ክንመሳሰላ ከምዘድልየና ከም እንኣምን ዝገብረና እዩ። እነሆ እምበአር ኣብዚ ፋሕፋሕን ዕንወትን ስዕረትን ዓለማዊ ምትእስሳርን ወንጌል ሓድሽ ኣዒንቲ ይህበና፣ ብክፉት ልቢ ኣብ ዘመንና ተቐባሊ ዝንባሌ ንክህልወና ጸጋ መመያ ይህበና፣ እንተኾነ ግን ነዚ ምስ ትንቢታዊ መንፈስ እዩ ዝህበና! ስለዚ፡ ምስ ትንቢታዊ ኣቀባብላ ይኸውን። ምስዚ ብዝተኣሳሰር ብሕጽር ዝበለ ኣብ ሓደ ኢየሱስ ዝጥቀመሉ ጽቡቕ ምስሌ ክነስተንትን፡ ናይ ኦም በለስ ምሳሌ(ማር 13፡28-29)። ነዚ ምሳሌ እዚ ንኩነታት ቤተ መቕደስ ኢየሩሳሌም ክገልጽ እዩ ዘቕርበልና። ነቶም ጽቡቕ ኣእማን ዘድንቑን በዚ ኸኣ ሓደ ዓይነት ዓለማዊ ምትእስሳር ዝነበሮምን፣ ኣብቲ ቅዱስ ቦታን ክቡር ዕቤቱን ውሕስነት ዘቐመጡን፣ ኢየሱስ ኣብዛ ምድሪ ዝኾነ ነገር ፍጹም ዝበሃል የለን፣ ምንም ውሕስነት ዘይብሉ እኳ ደኣ እምኒ ኣብ ርእሲ እምኒ ኣይክተርፍን እዩ ይብል። ማዕረ ማዕሪኡ ግና፡ ጐይታ ናብ ተስፋ ምቑራጽ ወይ ፍርሒ ክመርሕ ኣይደልን እዩ። ብምቅጻል ኩሉ ምስ ሓለፈ፡ መቕደሳት ደቂ ሰባት ምስ ፈረሱ፡ ዘስካሕክሕ ነገራት ክፍጸምን ዓመጽ ዝመልኦ ስደት ክህሉን እዩ፡ ሽዑ "ወዲ ሰብ ብደበና ብዓቢ ሓይልን ክብርን ክመጽእ ክርእዩ እዮም" (ቁ. 26) እናበለ ዳግማይ ምጽኣቱ ይገልጽ። ኣብዚ እዩ ነታ ኦም በለስ ክንጥምታ ዝዕድመና፡ «ካብ ኦም በለስ ምሳሌ ተማሃሩ፡ ጨንፈራ ምስ ጠጠዔ ቆጽሊ ምስ በቖለ፡ ሓጋይ ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። ንስኻትኩም እውን ከምኡ፡ እዚ ዝበልኩኹም ኪኸውን ከሎ ምስ ረኣኹምዎ፡ ከምዝቀረበን፡ ኣብ ኣፍ ደገታት ከም ዘሎን ፍለጡ” (ቍ. 28-29) ይብሎም። ስለዚ እንነብረሉ ዘለና እዋን ከምቲ ወንጌል ዝብለና ኣብ ፍረ ከምዝበጽሐት ኦም በለስ ገቢርና ንገንዘቦ፣ ጐይታ ይቀርበና ስለዘሎ ንዘመንና ምስ ለውጥታቱን ብድሆታቱን ክንቅበሎ ተጸዊዕና ኣለና። ክሳብ ሽዑ ድማ ነዚ ወቕትና ከነልምዖ፡ ከነንብቦ፡ ኣብኡ ወንጌል ክንዘርእ፡ ንቑጽ ጨናፍር ክፍኣት ክንቆርጾ፡ ጽቡቅ ፍረ ክንፈሪ ተጸዊዕና ኣለና። ንትንቢታዊ ኣቀባብላ ተጸዊዕና ኣለና። ትንቢታዊ ተቐባልነት ኣብ ፍጻሜታት ምልክታት ህላወ እግዚኣብሔር ንምልላይ ናይ ምምሃር ጉዳይ እዩ፣ ነዚ ከኣ ዋላ እውን ብግልጺ ብመንፈስ ክርስትና ምልክት ዘይተገብረሉን ምስ ናይ ብድሆ ወይ ሕቶታት ባህርያቱ ክረኽበና ኣብ ዝመጸሉን እዋን ክንገብሮ የድሊ። ከምኡ’ውን፡ ማዕረ ማዕሪኡ፡ ንኹሉ ነገር ብብርሃን ወንጌል ምትርጓም፣ ዓለማዊ ከይኮንካ፡ ከም ሰበኽትን መሰኻኽርን ትንቢት ክርስትና ኰይንካ ምትርጓም የድሊ። ኣብዛ ትውፊት እምነት ሱር ዝሰደደላ ሃገር’ውን እንተኾነ፡ ምስፍሕፋሕ ዓለማውነትን ምስኡ ዝኸይድ ነገራትን ንዕዘብ ኣለና። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ንቕንዕናን ጽባቐን ስድራቤት ኣብ ሓደጋ ከእቱ፡ ንመንእሰያት ንሞዴላት ንዋታዊ ጥቅሚ ሃነፍነፍ ኣብ ምባል! ግዝያዊ ደስታን ምቾትን ኣብ ምህዳን የቃልዕ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ሓደስቲ ጉዳያትን ብድሆታትን ዝግበር ክትዕ የደንዝዞ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ኣብ ዘሎኻዮ ምድራቅን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጺኻ ናይ ምትራፍን ፈተና ሳዕሪሩ ከይትቀርቡኒ ዝብል ዝንባሌ ይመልኽ። እዞም ክውንነታት ግን ንዓና ንክርስትያን ዕድላት ክኸፍቱልና ይኽእሉ እዮም፣ ምኽንያቱ ንእምነትን ምዕማቕ ገለ ቴማታትን ስለ ዘነቓቕሑ፣ እዞም ብድሆታት እዚኦም ከመይ ጌሮም ምስ ወንጌል ናብ ዘተ ክኣትዉ ይኽእሉ፣ ሓድሽ መገድታትን መሳርሕታትን ቋንቋታትን ክንደሊ ንርእስና ክንሓትት ይዕድሙና። በዚ መንጽር በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ዝመጹ ዓለማዊ ጽልዋታት ንቤተ ክርስቲያን ከምዝሓገዝዋ እዚ ከኣ "ንምጽራይን ንውሽጣዊ ጽገናን ብኣገዳሲ መንገዲ ኣበርክቶ ስለዝገበሩ" ብምባል ኣረጋጊጾም። ብሓቂ ክርአ ከሎ፡ ዓለማውነት [...] ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ንቤተ ክርስቲያን ካብ ፈተናታት ዓለማውነት ዓሚቝ ሓርነት ኣልቢስዋ እዩ እውን ኢሎም። (ኣኼባ ምስ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ሕብረተሰብን ዝተዋፈሩ ካቶሊካውያን፡ ፍራይበርግ ኢም ብራይስጋው፡ 25 መስከረም 2011)። ምስ ናይ ሎሚ ኩነታት ናብ ዘተ ንምእታው ዝግበር ተወፋይነት ንማሕበረሰብ ክርስትና ኣብቲ ቦታ ክህሉን ክምስክርን፡ ሕቶታትን ብድሆታትን ብዘይ ፍርሒ ወይውን ድርቀት ከመይ ጌሩ ከም ዝሰምዕ ክፈልጥ ይሓትት። እዚ ኣብዚ ህሉው ኩነታት ቀሊል ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ኣብ ውሽጢ እውን እንተኾነ ሽግር ስለዘይሰኣን። ብፍላይ ድማ ንካህናት ዝምልከት ናይ ስራሕ ልዕሊ ዓቐን ዘሎ ጽዕነት ከጉልሕ እፈቱ። በቲ ሓደ ወገን ብሓቂ ድሌታት ሰበኻን ጉስነትን ሕይወት ብዙሕ እኳ እንተኾነ፡ በቲ ካልእ ወገን ግን ጸዋዕታ እናነከየ ይኸይድ ኣሎ፡ ካህናት ድማ ውሑዳት፡ ኣብ ርእሲ ምዃኖም መብዛሕትኦም ብዕድመ ዝደፍኡን ገለ ምልክታት ድኻም ዘለዎምን እዮም። እዚ ኣብ ብዙሓት ኤውሮጳውያን ክውንነታት ዝውቱር ኩነታት እዩ፣ ነዚ ብዝምልከት ኩሉ ሰብ - ጓሶትን ምእመናንን - ሓባራዊ ሓላፍነት ክስምዖም ኣገዳሲ እዩ: ልዕሊ ኩሉ ኣብ ጸሎት: ምኽንያቱ እቲ መልስታት ካብ ጐይታ እምበር ካብ ዓለም ኣይኮነን፣ ካብ መንበረ ታቦት እምበር ካብ ኮምፒተር ኣይኮነን። ምስዚ ከኣ ኣብቲ ናይ ጸዋዕታ ኣገልግሎት ኒሕን ሓቦን ወንን ንከጥርዩ፡ ንመንእሰያት ነቲ ፍሉይ ቅድስና ኢየሱስ ንምስዓብ ንምምሳጦምን ብውዕዉዕ ስምዒት ንምቕራቦምን ዝሕግዙ መንገድታት ምድላይን ምምሃዝን የድሊ። እናቴ ክሪስቲና ብዛዕባ ጸዋዕታኣ ማለት ኢየሱስ ከመይ ገቢሩ ከምዝጸወዓ ኣብ ዝገለጸትሉ "ምስ ኢየሱስ ምዝታይ" ክትብል ዝገለጸትና ጽቡቕ እዩ: ምስ ጎይታ ጽቡቕ ጌሩ ንምዝታይ ዝሰምዕን ዝሕግዝን ሰብ የድሊ! ከምኡ’ውን፡ ብሓፈሻኡ፡ ሕሉፍ ብምድጋም ከይዓገብካን ነታ ቊምስና ምሕዳሳ ከይፈራሕካን፡ ንስብከተ ወንጌል ቅድምያ ብምሃብ ኣብ መንጎ ካህናትን መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስን ኣገልገልቲ ሓዋርያዊ ግብረተልኮን መማህራንን ንጡፍ ምትሕብባር ብምውዳድ ሲኖዶሳዊ ብዝኾነ መንገዲ፡ ኩሉ ብሓባር ክግበር ስለ ዘለዎ - ንጡፍ ምትሕብባር ምጅማር የድሊ። ድሮ በዚ መንገዲ እዚ ትጐዓዙ ኣሎኹም: ደው ኣይትበሉ። ኣብ ጉዳይ ወንጌል ብሓጎስ ክትተሓባበሩን ብሓባር ንቕድሚት ክትስጉሙን እትኽሉሉ መገድታት ድለዩ፣ ነፍሲ ወከፎም ናይ ገዛእ ርእሶም ውህበት ተኣንጊብኩም፣ ንጉስነትን ንስብከተወንጌልን ተበላሓቱ። በዚ መንጽር ዶሪና ብዛዕባ ኣድላይነት ምዝንታው ዛንታ፡ ርክብ፡ ምትንኻፍ መዓልታዊ ህይወት ንኻልኦት ምብጻሕ ዝገለጸትና ጽቡቕ እዩ። ከምኡ’ውን ነቶም ኣብዚ እምነት ናብ መንእሰያት ወለዶ ኣብ ምትሕልላፍ ወሳኒ ተራ ዘለዎም ዲያቆናትን መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስን ከምኡ’ውን ንኹሎም ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብልግሲ ዝነጥፉ መምህራንን ኣሰልጠንትን እግዚአብሔር ይሃበልና እንክብል አመስግኖም። ነታ ጐይታ ዝኣዘዘናን ውህበት መንፈሱ ዝኾነትን ፍቕሪ ክንነብራ እንተኽኢልና ሽዑ ጽቡቕ ጉስነት ከም ዝከኣል ክነግረኩም ፍቐዱለይ። እንተርሒቕና ወይ እንተተመቓቒልና፡ ኣብ መርገጺታትን ጉጅለታትን እንተደሪቅናተሪር ፍረ ኣይክነፍርን ኢና። ክንመቓቐል ከሎና ዘሕዝን እዩ ምኽንያቱ ኣብ ክንዲ ከም ጉጅለ ንጻወት መጻወቲ ጸላኢ ንኸውን። ጳጳሳት ካብ ነንሕድሕዶም እንተተባቲኾም: ካህናት ምስ ጳጳስ ኣብ ወጥሪ እንተኣትዮም: እቶም ኣረጋውያን ምስቶም ንኣሽቱ ኣብ ምግጫው እንተኣትዮም: ናይ ሰበኻ ካህናት ምስ ገዳማውያን ውሉደ ክህነት ምስ ምእመናን፡ ላቲናውያን ምስ ግሪኻውያን፤ ኣብ ምስሕሓብ እንተኣትዮም ንህይወት ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ሕቶታት ኣብ ወጥሪ ይኣቱ፣ ኣብ ፖለቲካውን ማሕበራውን መዳያት እውን ከምኡ። እዝስ ኣይፋልኩምን! ኣይትውዕልዎን ግዲ ትኾኑ! እቲ ቀዳማይ ጉስነት ምስክርነት ሕብረት እዩ: ምኽንያቱ እግዚኣብሔር ሕብረት እዩ፣ ሕውነታዊ ምትሕግጋዝ ኣብ ዘለዎ ድማ ህልው እዩ። ኣብ ኣታኽልቲ ወይኒ ጎይታ ሓቢርና ክንሰርሕ ሰብኣዊ ምፍልላይ ስዒርና! ኣብ መንፈስ ወንጌል ንጥሓል፡ ኣብ ጸሎት ሱር ንሰድድ፡ ብፍላይ ኣብ ኣምልኾን ቃል ኣምላኽ ምስማዕን፡ ቀጻሊ ኲስኰሳ፡ ሕውነት፡ ቅርበትን ምክትታልን ንኻልኦት ነማዕብል። ዓቢ ሃብቲ ኣብ ኢድና ተቐሚጡ ኣሎ፣ ንወንጌል ገዲፍና ኣብ ካልኣዊ ክውንነት እናሰዓብና ኣይነባኽን! ንካህናት ክብሎም ዝደልዮ ካልእ ጉዳይ እውን ኣሎ። ንቅዱስ ሕዝበ እግዚኣብሔር ገጽ እግዚአብሔር ኣብ ከቕርቡን ናይ ስድራቤት መንፈስ ክፈጥሩን እላቦ። ትሪ ወጊድ ንበሎ፣ ምሕረትን ርህሩህን ኣጠማምታን ኣቀራርባን ክህልወና ንጽዓር። ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ኣባ ዮሴፍ ነቲ ወዲ 26 ዓመት ጥራይ ከሎ ብጭካነ ዝተቐትለ ሓዉ ብጹእ ጃኖስ ብሬነር ዘዘኻኸርኒ ልበይ ተንኪፉኒ። እዚ ህዝቢ እዚ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ዘመን ኣብ ዝነበረ ምልካዊ ስርዓታት ክንደይ መሰኻኽርን ሰማዕታት እምነትን ነይርዎ! ብጹእ ጃኖስ ኣብ ቆርበቱ ብዙሕ መከራ ስለ ዘጋጠሞ ቂምታ ክሕዝ፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ክዕጾ፡ ክተርር ቀሊል ምኾነ። ኣብ ክንድኡስ ሕያዋይ ጓሳ እዩ ነይሩ። እዚ ካብ ኩላትና ብፍላይ ካብ ካህናት ዝድለ እዩ: ምሕረት ዝመልኦ ምጥማት: ርህሩህ ልቢ: ወትሩ ይቕረ ዝብል ሕልና: ወትሩ ከም ብሓድሽ ንምጅማር ዝሕግዝ: ዝቕበልን ዘይፈርድን: ዘተባብዕን ዘይነቕፍን: ዘገልግልን ዘይሓምን ልቢ የድልየና። ከምዚ ምስ እንገብር ኣብ ትንቢታዊ ተቐባልነት ንስልጥን፣ ኣብ ዓለም ኣብ ዘሎ ኩነታት ቃንዛን ድኽነትን ምጽንናዕ ጐይታ ኣብ ምትሕልላፍ: ምስ ስደት ዝስደዱ ክርስትያናት: ኣጋይሽ ምቕባል ዝደልዩ ስደተኛታት: ካልኦት ብሄራት: ምስ ዝደለየ ሰብ ቅርበት ኣብ ምጽናሕ ንስልጥን። በዚ መንጽር ከም ቅዱስ ማርቲኖ ዓበይቲ ኣብነታት ቅድስና ኣለዉና። ንድኻታት መንጠሊና ናይ ምክፋል ምልክት ካብ ናይ ግብረ ሰናይ ስራሕ ኣዝዩ ዝዛይድ እዩ: ናብኡ ክትጥምት እትኽእል ምስሊ ቤተ ክርስቲያን እዩ፣ ቤተ ክርስቲያን ሃንጋሪ ከም ትንቢት ናብ ልቢ ኤውሮጳ ከተምጽኦ እትኽእል ከኣ እዚ እዩ: ምሕረትን ቅርበትን። ንቅዱስ እስጢፋኖስ’ውን ክዝክሮ እደሊ፣ ቅዱስ ቅርያቱ ኣብዚ ኣብ ጎነይ ኣሎ: ንሱ’ውን እቲ ንመጀመርታ ግዜ ንሃገር ንኣደ ኣምላኽ ዘውፈየ፣ ተባዕ ወንጌላውን መስራቲ ገዳማትን ምኔታትን ዝነበረ፣ ንሱ’ውን ጽን ቢልካ ምስማዕ ይፈልጥ ነይሩ። ከምኡ’ውን ምስ ኩሉ ሰብ ምዝርራብን ምስ ድኻታት ምትሕግጋዝን: ማንም ከይፈለጦ ንዝኽፈል ግብሪ ኣጒዲሉ እንከብቅዕ መሲሉ ምጽዋት ክህብ ከደ። እዚኣ እያ እታ ክንሓልማ ዘለና ቤተ ክርስቲያን፡ ንሓድሕድና ክንሰምዕ፡ ክንዘራረብ፡ ናብ ዝደኸመ ከተተኩር እትኽእል፤ ንኹሉ ዝቕበልን ትንቢት ወንጌል ናብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ምብጻሕ ተባዕን ዝኾነት ቤተክርስትያን ተድልየና። ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ክርስቶስ መጻኢና እዩ፣ ምኽንያቱ ንሱ እዩ ንታሪኽ ዝመርሕ። እቶም ናይ እምነት ሰማዕታትኩም ነዚ ኣጽኒዖም ይኣምኑ ነይሮም፡ ብዙሓት ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣብቲ ኣልቦ እግዚአብሔር ዝበሃለሉ ዝነበረ ግዜ ስደት ተሰዊኦም፤ ብዛዕባ ከም ዓረ ተሪር ዝኾነ እምነት ሃንጋርያውያን ይምስክሩ። ንሓይሊ ጸሎት ዝኣመኑ ካርዲናል ሚንድዘንቲ ክሳብ ሎሚ እውን ዳርጋ ከም ሓደ ህዝባዊ ኣበሃህላ ኣብዚ ተደጋጊሙ ዘሎ ክዝክሮ እደሊ፡ "ሚልዮን ሃንጋርያውያን ኣብ ጸሎት እንተሃልዮም፡ ነቲ መጻኢ ኣይክፈርሖን እየ" ይብል ነበረ። ተቐበልቲ ኩኑ፡ መሰኻኽር ትንቢት ወንጌል ኩኑ፡ ልዕሊ ኩሉ ግን ናይ ጸሎት ሰባት ኩኑ፡ ምኽንያቱ ታሪኽን መጻእን ኣብዚ እዩ ዝምርኮስ። ስለ እምነትኩምን ስለ ተኣማንነትኩምን፡ ስለቲ ኩሉ ዘሎኽምዎን እትገብርዎ ሰናይን አመስግነኩም። ኣብ እዋን ሃይማኖታዊ ስደት ካብ ሃንጋሪ ምስ ወጻ ኣብ ኣርጀንቲና ዝረኸብክወን ሃንጋርያውያን ኣሓት ማሕበር ኢየሱስ ብትብዓትን ትዕግስትን ንዝሃባኦ ምስክርነት ክርስዕ ኣይክእልን እየ። ብዙሕ ጽቡቕ ገይረናለይ እየን። ኣብነት ናይቶም ዓበይቲ ናይ እምነት መሰኻኽርኹም ብምስዓብ፡ ብውሽጣዊ ድኻም ፈጺምኩም ከተሽነፍኩም ብሓጎስ ንቕድሚት ክትስጉሙን እጽሊ ኣለኹ። ስለይ ክትቅጽሉለይ ድማ እልምነኩም። ኮሾኖም! እግዚአብሔር ይሃበለይ!”

ብድምጺ ንምክትታል!
28 Apr 2023, 21:41