ድለ

2023.04.23 ር.ሊ.ጳ. ንሃንጋርያን ምእመናን ቅርበቶም ይገልጹ 2023.04.23 ር.ሊ.ጳ. ንሃንጋርያን ምእመናን ቅርበቶም ይገልጹ  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ንሃንጋርያን ምእመናን ቅርበቶም ይገልጹ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. ኣብ ሃንጋሪ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ካካይዱ ምዃኖም ቅድም ክብል ከም እተሓበረን፥ ናይቲ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፥ “ክርስቶስ መጻኢና እዩ!” ዝብል ኮይኑ፡ እዚ መበል 41 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻ ቅዱስነቶም፥ ኤውሮጳ ስደትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ኣብ እትገጥመሉ ዘላትሉ እዋን ዘካይድዎ እውን ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. “ክርስቶስ መጻኢና እዩ” ብዝብል መርሕ ቃል ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ዝግመቱ ካብ ወራር ሩስያ ዝሃደሙ ዩክሬይናውያን ብሃንጋሪ ኣቢሎም ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ከም እተሰዱን፡ ካብእቶም ገሊኦም እውን ኣብ ሃንጋሪ ከም እተኣንገዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዘኻኺሮም፥ እዚ ዑደት ቅዱሰነቶም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎን ደቡብ ሱዳንን ድሕሪ ዘካየድዎ ዑደት ዝፍጽምዎ ዘለዉ ናይ 2023 ዓ.ም. ካልኣይ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ምዃኑ ከም ዘመላኸቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ 

መደብ ናይቲ መበል 41 ሓዋርያዊ ዑደት

ቅዱስነቶም ኣብቲ ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ፥ ምስ ስደተይናታትን ድኻታትን ምስ ኣካለ ስንኩላንን ህንጻናት ከምኡ እውን ምስ መግንስትን ሰበ ስልጣናትን ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካልትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ኣብ ሃንጋሪ ምስ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካን መንግስታትን፡ ምስ ካህናትን ጳጳሳትን ዓለማውያን ምእመናንን መንእሰያትን ሃንጋሪ ክራኸቡን መደረ ከስምዑን መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ክልግሱን፡ ከምቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዘካይድዎ ሓዋርያው መገሻ ከም ዝፍጽምዎ ኣብ ሃንጋሪ እውን ምስ ኣባላት ማሕበር ኢየሱሳውያን ናይ ብሕቲ ርክብ ከካይዱ ምዃኖም ብሩኒ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

24 Apr 2023, 14:56