ቤተ ክርስቲያን ውሁድ ቅኒት ጸዋዕታ እያ! ር.ሊ.ጳ
ዜና ቫቲካን!
ቅዱስነቶም “ጸዋዕታ፡ ጸጋን ተልእኾን” ብዝብል ኣርእስቲ ንዓለምለኸ መዓልቲ ጸሎት ስለጸዋዕታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “እዛ ዕለት እዚኣ ጻዋዕታ ጐይታ ጸጋ ከማኡ እውን ፍጹም ውህበት ምዃኑ ብዓቢ ክብሪ ንምዝካር ክቡር ኣጋጣሚ እዩ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ወንጌል ናብ ካልኦት ንምብጻሕ ቃል ምእታው የድሊ” ኢሎም።
ዓለምለኸ መዓልቲ ጸሎት ስለ ጸዋዕታ ዓመት መጸ ኣብ ራብዓይ ሰንበት ፋሲካ ትዝከር፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብዛ ሰንበት እዚኣ ሕያዋይ ጓሳ ዝብል ክፍሊ ወንጌል ስለ ተንብብ (ዮሓ 10፡1-10) ሰንበት ሕያዋይ ጓሳ ቢላ እውን ትጽውዓ። እዚ ዕለት እዚ ንሎምዘመን ሰንበት 30 ሚያዝያ ክኸብር እዩ።
ብኣምላኽ ዝተመርጸ ምዃን!
ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ሎም ዘመን መልእኽቶም፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣውነት ዝለበሰ ሰብ ብእግዚኣብሔር ዝተመርጸ፡ “ብፍቕርን፡ ንፍቕርን፡ ምስ ፍቕሪ ስለ ፍቅሪ ዝተፈጥረ፡’’ ምዃኑ የስምሩሉ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ናይ ገዛእ ርእሶም ጻዋዕታ ክህነት ብምዝካር ጻዋዕታ እግዚኣብሔር “በብቑሩብ ንርእሱ ከፍለጥ ዝፍትን” ምዃኑን ብወገንና ከኣ መልሲ ዝጽበ ምዃኑን ይገልጹ። “ጸዋዕታ ‘ኣብ መንጎ መለኮታዊ ምርጫን ሰብኣዊ ናጽነትን ዘሎ ምትሕውዋስ’ ኮይኑ ኣምላኽ ብፍቕሪ ይጽውዓና ንሕና ድማ ብግደና ብፍቕሪ ንመልሰሉ” ኢሎም።
ብዘይ ተልእኾ ጸዋዕታ የለን!
ቅዱስነቶም ምስዚ ማዕረ ማዕሪኡ ዝሰርዕዎ ካልእ ጉዳይ ተልእኮ ምዃኑ ንክገልጹ “ጻውዒት ኣምላኽ ‘ምልኣኽ’ ዘጠቓልል እዩ። ብዘይ ተልእኾ ጸዋዕታ የለን” እንክብሉ ኣጉሊሖሞ። ነፍሲ ወከፍ ዝተጠመቐ ክርስቲያን ብመንፈሳውን ሥጋውን ናይ ምሕረት ሥራሕ ኣቢሉ ብዛዕባ ኢየሱስ ዘለዎ ተመኩሮ “ብሓጐስ ክምስክር” ዝተጸውዐ እዩ። ንኣምላኽን ንብጾትናን ኣብ ምግልጋል “ሕመረት ክርስትያናዊ ጸዋዕታ ክንርዳእ ንኽእል፡ ማለት ነቲ ከገልግል እምበር ክግልገል ዘይመጸ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንመስሎ ንጽዕር” ኢሎም።
ቅዱስነቶም ነቲ ጐይታ ድሕሪ ሞቱን ትንሳኤኡን ኣብ መንገዲ ኤማሁስ ምስ ደቀ መዛሙርቲ ንዝገበሮ ጒዕዞ ከም ኣብነት ብምውሳድ፡ ጸዋዕታና ውጽኢት ናይ ገዛእ ርእስና “ክእለት፡ መደብ፡ ወይ ፕሮጀክት” ዘይኮነስ ካብ ክርስቶስ ዝመንጨወ ምዃኑ ንምእመናን የዘኻኽሩ እሞ፣ “ዓሚቝ ተመክሮ ኢየሱስ” ከምዘድሊ ስለዚ ከኣ ከምዝጽልዩ ከምዚ ይብሉ። ነፍሲ ወከፍ ወዲተባዕታይን ነፍስወከፍ ጓልኣንስተይትን ከምቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ “ኣብ ልቦም ዝነድድ ሓዊ ሒዞም ክትንስኡን ብቅልጡፍ ክነቅሉን ዝተጸውዑ ኮይኑ ክስምዖም እጽሊ ኣሎኹ’’ ኢሎም።
ውሁድ ቅኒት ጸዋዕታ!
ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም መልእኽቶም ጻውዒት እግዚኣብሔር ካብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ቤተ ክርስቲያን ከም ዝመጽእ ኣዘኻኺሮም። ቤተ ክርስቲያን “Ecclesia’’ ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝተወስደ ኮይኑ ትርጉሙ ከኣ ‘ናይቶም ዝተጸውዑን ዝተጋብኡን ሰባት ማሕበር ዝገልጽ ቃል እዩ፣ ኣብ መንጎኦም ፍቕሪ ንምክፋልን ነቲ ፍቕሪ ናብ ኩሎም ካልኦት ንምዝርጋሕን ቃል ዝኣተወት ቀዳመይቲ ማሕበረሰብ ልኡካን ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ንምቛም ዘንቀደት፣ በዚ ከኣ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ክትመጽእ ትቃለስ” ኢሎም።
ኩሎም ኣባላት ቤተ ክርስቲያን – ዓለማውያን ምእመናን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፡ ሰብ ውፉይ ሕይወት ገዳማውያንን ገዳማውያትን ኣገልገልቲ ካህናትን – ኣብ ተልእኾ ምስፍሕፋሕ ወንጌል ግደ ኣለዎም። ምስ ኩሎም ካልኦት ብምትእስሳር ጥራይ ከኣ እዩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር ዝኾነ ፍሉይ ጸዋዕታ ሓቀኛ ባህርያቱን ሃብታቱን ምሉእ ብምሉእ ዝገልጽ። በዚ መነጽር እዚ ጸዋዕታ ኣብ ቤተክርስትያን ስሙርን ውሁድን ቅኒት እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ጸዋዕታ ተጠርኒፉ ግን ከኣ ፍሉይ፣ ተሰማሚዑን ተጸንቢሩን ኣብ መላእ ዓለም ሓድሽ ህይወት መንግስቲ ኣምላኽ ንምብራህ ይብገሥ ኢሎም።
ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ ጸዋዕታ “ህያብን ዕማምን፡ ምንጪ ሓድሽ ሕይወትን ሓቀኛ ሓጐስን፣ ከምኡ’ውን ምእመናን ነታ ንቐዳማይ ዓለምለኸ መዓልቲ ጸሎት ስለጸዋዕታ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ 6ይ ዝተደርሰት ናቶም ይግበርዋ’’ ኢሎም።