ድለ

Pope Francis leaves Rome's Gemelli hospital in Rome Pope Francis leaves Rome's Gemelli hospital in Rome 

ር.ሊ.ጳ ካብ ሆስፒታል ጀመሊ ወጺኦም! ክወጹ ከለው ጓሎም ንዝሰኣኑ ወለዲ ኣጸናኒዖም!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ሆስፒታል ካብ ዝዕቈቡ ጀሚሮም ኣብቲ ቦታ ካብ ዝቀነዩ ጋዜጠኛታት ጀሚርካ ክወጹ ምዃኖም ምስ ተሓበረ ከኣ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ዙርያ እታ ቅዱስነቶም ካብቲ ሆስፒታል ዝወጹላ መኪና ብዙሓት ሰባት ዓጐጉ። ቅዱስነቶም ሰላምታን ምጽንናዕን ቡራኬን ብምዕዳል ምስ ወለዲ እታ ትማሊ ምሸት ዝዓረፈትሕጻን ኣንጀሊካ ንጸሎት ደው ኢሎም። ቅድሚ ናብ መንበሪኦም ህንጻ ቅድስት ማርታ ምምላሶም ናብ ሳንታ ማርያ ማጅዮረ ብምኻድ ስለ ኹሎም ሕሙማት ብፍላይ ድማ ነቶም ትማሊ ኣብ ክፍሊ ሕክምና መንሽሮ ዝበጽሕዎም ህጻናት ጸሎት ድሕሪ ኣዕሪጎም፣ ከባቢ ሰዓት 11.30 ኣብ መንበሪኦም በጺሖም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ካብቲ ሆስፒታል ክወጹ ከለው ትማሊ ምሸት ኣንጀሊካ ንእትብህል ንእሽቶ ጓላ ዝሰኣነት ኣደ “ቅዱስ ኣቦና እኽእሎ የሎኹን፣ ስለና ጸልዩልና’ እናበለት እትበኪ ሰበይቲ ነቲ ናይ ሰላምታን ጣቕዒትን እንቋዕ እግዚአብሔር መሓረኩም፣ ምሉእ ጥዕና ይግበረልኩም ዝብል ጫውጫውታ ኣቋረጾ።  እዚ ዝኾነሉ እቶም ንሳልስቲ ኣብ ሆስፒታል ፖሊክሊኒክ ኣጎስቲኖ ጀመሊ ክሕከሙ ድሕሪ ምቅናይ ሎሚ ዕለት 1 ሚያዝያ ከባቢ ሰዓት 10.35 ንግሆ ካብቲ ቦታ ክወጹ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ሆስፒታል ኣብ ዝበጽሑሉ ግዜ ነበረ።

ሰላምታ ቅዱስነቶም ንሰራሕተኛታት ሕክምና!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ፡ ድሕሪ ቊርሲ እቲ ክሕከምዎ ዝቀንዩ ሕማም ከምዝተመሓየሸ ዝገልጽ ጸብጻብን መረጋገጽን ሓካይም ድሕሪ ምቕባሎም፡ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝከታተልዎም ዝነበሩ ጉጅለ ሓካይምን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ብምስጋና ተፋንዮም። ቅድሚ ክልተ መዓልቲ ምስቶም ሰራሕተኛታት ሕክምና ብሓባር ከምዝተደሩ ዝዝከር ኮይኑ  ሎሚ እውን ቅድሚ ካብቲ ሆስፒታል ምውጽኦም ናይ መወዳእታ ስንብታ ገይሮምሎም። ብዘይካዚ ከምቲ ዋና ሓላፊ ክፍሊ ሕትመትን ዜናን ቅድስቲ መንበር ዘቅረቦ ጸብጻብ፡ ንቅዱስነቶም ዘሰናበቱ ናይቲ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ዋና ሓላፊ ማርኮ ኤለፋንቲ፡ ምስ ተሓባበርቶም ከማኡ እውን ኣበነፍስ ናይቲ ዩኒቨርሲቲ ብፁዕ አቡነ ክላውድዮ ጁልዮዶሪ ነበሩ።

ንወለዲ ኣንጀሊካ ሓቊፎም ኣጸናንዑ!

ብድሕሪኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብቲ መዕቆቢ ሕሙማት ወጺኦም ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ጻዕዳ ማኪና ተሰቒሎም ካብ ሆስፒታል ክወጹ ኣብ ዝተበገሱሉ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ ዙርያ ደው ንዝበሉ ጉጅለ ሰባትን ጋዜጠኛታትን ተኣኪቦም ምስ ረኣዩ፣ ንሰላምታን ንቡራኬን ካብ ማኪና  ወረዱ። ኣብዚ ግዜ እዚ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ በዓል ቤታ ብድሕሪት መኪና መጺኣ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብንብዓት ብዝተዓለሰ ድምጺ "እግዚአብሔር ይሃበለይ" እናበለት ትደጋግም ድምጺ ምስ ሰምዑ ነታ ብሓዘን ሞት ጓላ ትልሎ ዝነበረ ኣደ ምስ በዓል ቤታ ጽን ቢሎም ታሪኾም ምስ ሰምዑ ሓቊፎም ኣጸናንዕዎም። በዓል ቤት እታ ሰበይቲ እውን ብንብዓት ዝተሰባበረ ድምጺ ገቢሩ፡ "ንበዓልቲ ቤተይ ብ2019 ኣብ ካሳል በርቶነ መጺኦምሉ ኣብ ዝነበሩሉ ከምዝተራኸብና በዚ ከኣ ጸኒዕና’ ኢልዎም። ቅዱስነቶም ኣእዳው እቶም መጻምድቲ እናሓዙ “ስለኣንጀሊካ ንጸሊ” ኢሎም ሕሹኽ በሉ እሞ ድሕሪ ሓጺር ጸሎት ብቡራኬን ምጽንናዕን ኣፋነውዎም።

ምስ ጋዜጥኛታት ዝተዋዘይዎ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅድሚ ናብታ መኪና ምእታዎም ንገለ ቆልዑ እውን ሰላምታ ኣቕረቦም። ብጀሶ ተዘኒኑ ንዝነበረ ሓደ ሕጻን ኣብቲ ጀሶ ክታሞም ኣንበሩሉ። ንቁሩብ ደቓይቕ ምስቶም ካብታ ንሶም ዝተዓቊቡላ ሰዓት ዜና ንከመሓላልፉ ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ዝርከብ መዕረፍ መካይን ዝቀነዩ  ጋዜጥኛታት ተዘራሪኦም። "ኣነ ንዓኻትኩምን ስለ ኩሉ ስራሕኩም ከመስግነኩም እደሊ፡ ገለ ካባኻትኩም ምሉእ ለይቲ ኣብዚ ከም ዝሓደርኩም እፈልጥ እየ። እዚ ብዙሕ እዩ እንተኾነ ግን ስለቲ ንህዝቢ እትህብዎ ሓቤሬታ እግዚአብሔር ይሃበለይ እብለኩም” በልዎም። ኣብቲ ሒዞሞ ዝነበሩ በትሪ እናተመርኰሱ ከኣ ንወኪል ሲኤንኤን ደልያ ጋላገር "ከመይ ኣሎኻ" ቢሎም ድሕሪ ምሕታት ከም ሓውሲ ዋዛ "ገና ብህይወት ኣሎኹ!" ቢሎም ድሕሪ ኣስሒቆሞም ብዛዕባ ኩነታቶም ‘ዝሓለፈ ረቡዕ ቁሩብ ሕማቅ ምስ ተሰመዓንን ሕጽረት እስትንፋስ ምስ ኣጋጥመኒ ናብ ሆስፒታል ወሲዶምኒ፣ ሓደ ከማይ ዝሸምገለ ሽማግለ ሰብ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ረኺቡ ሓደ ግዜ ዝበለኒ ትዝ ይብለኒ: 'ኣቦ ኣነ ንሞት ኣይረኣኽዋን ግን ከኣ ክትመጽ እርእያ ኣሎኹ! ብሓቂ ግናይ እያ! ኢሉኑ’ በልዎም።

ኣብ ሆስፒታል ንዝሠርሑ ኣዝየ እየ ዘድንቖም!

ቅዱስነቶም ጽባሕ ንግሆ ሰንበት ዕለት 2 ሚያዝያ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንመሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ሆሳዕና ከዕርጉን ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ከምዝመርሑን ተሓቲቶም ኣብ ዝመለሱሉ ኣረጋጊጾም። ኣብ መወዳእታ፡ ካብቶም ጋዜጥኛታት ኣብዘን ኣብ ሆስፒታል ዝጸንሑለን መዓልታት ጽቡቕ ግዜ ኣሕሊፎም እንተኾይኖም ሕቶ ምስ ኣቅረቡሎም ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ "ሓኪም ምዃን፡ ሓጋዚ ሕሙማት ኰንካ ምስራሕ፡ ንጽሬት ኣብ ሆስፒታል ምስራሕ ትብዓትን ጅግንነትን ከማኡ እውን ምስ ሕሙማት ብዙሕ ለውሃት የድሊ፣ ትፈልጥዎ ኢኹም! ሕሙማት ብዙሕ ቀበጥበጥ ይብሉ፣ እዚ ካብ ሕማም ዝመጽእ ነገር እዩ። ብዙሕ ትዕግስቲ የድልየካ... ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሰባት ብሓቂ እየ ዘድንቖም፣ ትማሊ ነቶም ቆልዑ ክርኢ ከይደ ክሳብ ክንደይ ብለውሃት ከም ዝከናኸንዎም ርእየዮም" እንክብሉ በቶም ኣብ ሆስፒታል ዝሰርሑ ሰባት ከም ዝተመሰጠ ገሊጾም።  

ጸሎት ኣብ ሳንታ ማርያ ማጆረ!

ከምቲ ብዙሓት ዝተጸበይዎ ቅዱስነቶም ካብ ሆስፒታል ምስ ወጹ ብቀጥታ ናብታ መንበሪኦም ዝኾነት መቀበል ኣጋይሽ ቅዱስ ማርታ ኣይኮኑን ዝኾዱ። ትኽ ቢሎም ናብ ባዚሊካ ሳንታ ማርያ ማጅዮረ እዮም ኣምሪሖም። እዛ ቤተክርስትያን እዚኣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዘን ዓመታት ሢመቶም ቅድሚ ነፍሲ ወከፍ ኣህጉራዊ መገሻን ድሕሪኡን ልዕሊ ሚእቲ ግዜ ዝበጽሑዋ እያ። ሎሚ እውን እንተኾነ ኣብ ቅድሚ እቲ ብህዝቢ ርእሰ ከተማ ሮማ ዝኽበር ስእሊ ማርያም ዝርከበሉን ብሳሉስ ፖፑሊ ሮማኒ ጥዕና ሕዝቢ ሮማ ተባሂሉ ዝስመ ደው ቢሎም ስለ እቶም ትማሊ ኣብ ክፍሊ ሕክምና መንሽሮን ህጻናት ኒውሮሰርጀሪን ናይቲ ሆስፒታል ዝረኸብዎም ህጻናት ብጸሎት ኣዕሪጎም።  ከማኡ እውን  ንኹሎም ሕሙማትን ብፍላይ ድማ ከም ወለዲ ኣንጀሊካ ብሰንኪ ሞት ዝፈትውዎም ሰባት ዝሳቐዩን ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ድንግል ማርያም ኣማዕቊቦም። ብድሕሪ’ዚ ከባቢ ሰዓት 11.30 ናብታ መንበሪኦም ዝኾነት መሕደር ኣጋይሽ ቅድስቲ ብሰላም ተመሊሶም። ኣብኡ እውን ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ጉጅለ ጋዜጠኛታት ሰላምታ ብምሃብን ኣብዚ ቅንያት ንዝገበርዎ ናይ ሓበሬታ ስራሕ ብምምስጋንን ንሓጺር ግዜ ደው ቢሎም፣ ኣብ መወዳእታ: "ርሑስ በዓል ፋሲካ ንኹሉኹም!" እንክብሉ ብሠናይ ምንዮት ተሰናበትዎም።

01 April 2023, 13:12