ድለ

ኢየሱስ ናይ ኣእማን ልብታትና ናብ ናይ ሥጋ ልብታት ይለውጠልና! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 2 ሚያዝያ 2023 ዓም ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ሆሳዕና እንክትዝክር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ልዕሊ 30 ሺሕ ካብ ሮማን መላእ ዓለምን ብዝመጹ ምእመናንን ነጋድያንን ብዙሓት ውሉደ ክህነት ማለት ካርዲናላትን ጳጳሳትን ካህናትን ገዳማውያንን ገዳማውያንን ተሰንዮም ዑደት ሆሳዕና ምስ ገበሩ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። ንኩሎም ሰላምታ ብምቅራብ ከኣ ነፍስወከፍ ክርስትያን ኣብዚ ቅዱስ ሶሙን ሕማማት ስለሰላም ጸሎትና ብሥሙር መንገዲ ክነጽዕቅ ብፍላይ ከኣ ስለ ሰላም ዩክሬን ክንጽሊ ድሕሪ ምምሕጻን ስለቲ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ኣብ ግዜ ሕማሞም ንዝቀረበሎም ቅርበትን ጸሎትን ከኣ ንኩሎም ኣመስጊኖም ነዚ ዚስዕብ ስብከተ ኣቅሪቦኦም።

“"ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓዲግካኒ?" (ማቴ 27፡46)። እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ናይ ሎሚ ቅዳሴ ከም ማህሌት መዝሙር ምላሽ ክንደግመን ዝቀረባና እየን (መዝ 22፡2) ንሰን ድማ እተን እንኮ ኣብ መስቀል ብኢየሱስ ዝተነግራ ቃላት ኮይነን ኣብ ወንጌል ክንበባ ሰሚዕናየን። እዘን ቃላት እዚኤን ኣብ ሕመረት ሥቃይ ልቢ ክርስቶስ፡ ማለት ጥርዚ ሕማማት ናይቲ ምእንቲ ከድሕነና ዝተቀበአሎ ወረዶ መከራ የብጽሓና። "ንምንታይ ሓዲግካኒ?"። መከራ ኢየሱስ ብዙሕ እዩ ነይሩ፣ ታሪኽ ሕማማቱ ኣብ ነዘንትወሉ ነፍስወከፍ ግዜ ከኣ ልብና ይትንክፍ። ናይ ስጋን ናይ ነፍስን ስቃይ እዩ ነይሩ: እስኪ ብዛዕባ ናይ ሥጋ ስቃይ ማለት መግረፍቱ: ውርደቱ: ኣኽሊል እሾኽ ምቅባሉ: ኮታስ ብዛዕባ ስቅያት መስቀል ነስተንትን። ከምኡ እውን መከራ ነፍሲ: ማለት ክሕደት ይሁዳ: ክሕደት ጴጥሮስ: ውግዘት መራሕቲ እምነትን ሲቪላውን ሰበሥልጣንን: ላግጺ ሓለውቲ: ጸርፊ ኣብ ትሕቲ መስቀል: ምንጻግ ብዙሓት: ውድቀት ኩሉ: ምህዳም ደቀ መዛሙርቲ! እንተኾነ ምስ እዚ ዅሉ ሥቃይ፡ ንኢየሱስ ተሪፍዎ ዝነበረ ሓደ ርግጸኝነት ነበረ፡ ንሱ ድማ ቅርበት እግዚአብሔር ኣቦ እዩ። ኣብዛ ህሞት እዚኣ ግን ክትሓስቦ ዘጸገም ጉዳይ ይፍጸም፤ ቅድሚ ምሟቱ ድማ «ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓዲግካኒ?» ኢየሱስ ብኩሉ ኩሉ ዝተሓድገ ኮይኑ ይስምዖ። ኣብዚ እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን መከራ ናይ መንፈስ መከራ እዩ። ኣብታ ኣዝያ እተሕዝን ሰዓት ኢየሱስ ብእግዚኣብሔር ዝተሓድገ ኮይኑ ይስምዖ፣ ቅድሚ ሽዑ፣ ንእግዚአብሔር ኣቦ ብሓፈሻዊ ስም ኣምላኽ ጸዊዑ ኣይፈልጥን። ወትሩ ኣቦይ እዩ ዝብል ነሩ! እታ ሓረግ ብቋንቋ ኣራማይስጥ ኮይና: ካብተን ብኢየሱስ ኣብ መስቀል ዝተዛረበን ብናይ መበቆላዊ ቋንቋ እትበጽሓና እንኮ ሓረግ እያ። እቲ ሓቀኛ ፍጻሜ ግን ውርደት ዝተሓወሶ ትሕትና ኣብ ጥርዙ ይበጽሕ ማለት እግዚአብሔር ኣቦኡ ይሓድጎ። ጐይታ ስለቲ ንሕና ክንርድኦ ዘጸግመና ስለ ፍቕርና ክሳቀ ይመጽእ! ዕጹው ሰማይ ይርኢ፡ ዕርበት ሕይወት ይዕዘብ፡ ብምፍራስ ኩሉ ርግጸኝነት ይፍተን! ሽዑ እቲ ናይ ምኽንያት ምኽንያት እትሓተሉ ኣገብብ ተጠቂሙ ‘ንስኻ ግን ኦ ጐይታ ስለምታን’ እናበለ ይግዕር። ኣምላኸይ ኣምላኸይ ንምንታይ ሓዲግካኒ? ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ "ሓደገ ወይውን ጠንጥነ" ዝብል ግሲ ሓያል እዩ፤ እዚ ከኣ ኣብ ህሞታት ጽንኩር ግዝያት ሥቃይ እዩ ዝረአ: ማለት ኣብ ዝፈሸልካሉ: ዝተነጸግካሉ ዝተጠልመን ፍቕርታት፤ ኣብ ዝተጐስዩን ዝተነጽጉን ህጻናት፤ ኣብ ክሕደት፣ ኣብ ኩነታት መበለታትን ዘኽታማትን፤ ኣብ ዝተዳኸመ ሓዳር፡ ኣብ ምብትትታን ማሕበራዊ ምትእስሳር ዘስዕብ ምግላል፡ ኣብ ጭቆናን በደልን ግፍዕን፣ ኣብ ብሕትውና ሕማም: ብሓጺሩ ኣብቲ ኣዝዩ ከቢድ ምብትታኽ ርክባት የጋጥም። ኣብኡ፡ እዚ ቃል እዚ፡ “ምሕዳግ ውይውን ምጥንጣን” ይበሃል። ክርስቶስ ነዚ ኩሉ ዝዘርዘርናዮ ስቅያት ናብ መስቀል ወሰዶ፣ ሓጢኣት ዓለም ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሱ ተሰከሞ። ኣብ ጥርዚ ኩሉ ድማ ንሱ እቲ እንኮ ወልድን ፍቑር ውሉድን ክንሱ ኣዝዩ ጓና ዝኾነ ኩነታት ኣጋጠሞ፡ ዝተሓደግካ ዝተጠንጠንካ ምዃን! ኮታስ ካብ ኣምላኽ ምርሓቕ የጋጥሞ። ስለምንታይከ ክሳብ ክንድዚ በጺሑ? ቢልና እንተሓተትና ንዓና ክብል! ካልእ መልሲ የለን። ስለና ንዓና ክብል እዩ እቲ እንኮ መልሲ። ኣሕዋትን ኣሓት እዚ ሎሚ እንፍጽሞ ዘሎና ሥርዓት ትያትር ወይውን ምርኢት ኣይኮነን። ነፍስወከፍና ነዚ ዝተሓደግካ ኰናክ በይንኻ ምትራፍ ናይ ኢየሱስ እናኣስተንተንና ናብ ገዛእ ርእስና ምልስ ቢልና እዚ እኮ ንዓይ ንከድሕን ዝኸፈለለይ ዋጋ እዩ ንበል። ምስ ነፍሲ ወከፍና ክሳብ ጥርዚ ክተሓጋገዝ ኣብ ኩሉ ጒዕዞና ክሳብ መጨረሻ ከሰንየና ደለየ። ኣብ ምድረበዳ በይናን ከይገድፈናን ንዘልኣለም ኣብ ጎንና ንኽንጸንሕን ምሳና ክኸውንን ፈተወ። ነዚ ኩሉ ንዓይ፡ ንዓኻ ንዓኺ ስለኩልና እዩ ፈጺምዎ። ምኽንያቱ ከኣ ኣነ፡ ንስኻ ንስኺ ወይውን ካልእ ዝኾነ ሰብ ኣብ መንቀራቅሮ ኣትዩ ኣብ ዕጹው መገዲ ህልም ክንብል፡ ወይውን ኣብ ዓዘቕቲ ምጥንጣን ብብሕትውና ተሸሚሙ፡ ቈጺርካ ብዘይውድኡን መልሲ ዘይትረኽበሎም "ስለምንታይ" ዝብሉ ሕቶታ ክውጠር እንከሎ እንኮ ተስፋና ንሱ እዩ። እዚ መወዳእታ ኣይኮነን፣ ምኽንያቱ ኢየሱስ ኣብኡ ነይሩ ሕጂ ድማ ኣብዚ ምሳኻ ኣሎ፣ ንኹሉ ርሕቀትና ኣብ ፍቕሩ ንምቕባል ናይ ምሕዳግን ርሕቀትን ቃንዛ ተቀቢሉ ተሳቐየ። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ውድቀተይ ምእንቲ ክንብል: ማለት ነፍሲ ወከፍና ብዙሕ ግዜ ወዲቕና ኢና: ኣብ ምድረበዳ መነባብሮ ወይውን ዝተጠለምኩ ኮይኑ ምስ ዝስምዓኒ: ወይውን ንኻልኦት ዝጠለምኩ ኮይኑ ምስ ዝስምዓኒ: ንሱ ክሳብ ክንደይ ከምዝተሓድገን ከምዝተጠልመን ከምዝተጐስየን ነስተንትን። ዝተጋገኹ ዝጠፋእኩ ኮይኑ ምስ ዝስምዓኒ፡ ምንም ክገብር ዘይክእል ኮይኑ ምስ ዝስመዓና ንሱ ምሳይ ኣሎ፤ ኣብቲ ምንም መልሲ ዘይረኸብኩሉ ሰለምንታይ ዝብል ሕቶታተይ ንሱ ኣብኡ ምሳይ ኣሎ። ጐይታኸስ ብከምዚ ዝበለ ኣገባብ ካብ ውሽጢ "ስለምንታይ" ካብ ዝብል ሕቶና እዩ ዘድሕነና። ካብዚ ንደሓር እታ ዘይተደናግር ተስፋ ትኽፈት። ጐይታ ኣብ መስቀል ነቲ ዝሓሰመ ምሕዳግ እንዳተመኮሮ ንርእሱ ናብ ተስፋ ምቑራጽ ኣይገደፍን - እዚ እዩ እቲ ደረት - ክንዲ ተስፋ ምቊራጽ ይጽልን ንነብሱ ነቦኡ የረክባን። ብቃላት መዝሙር (22፡2) ገቢሩ ከኣ "ስለምንታይ" ኢሉ ይግዕር እሞ፡ ዋላ ርሑቕ ኮይኑ እንተተሰምዖ (ሉቃ 23፡46) ወይውን ስለዝተሓድግ ኣይሰምዖን። ኣብዚ ህሞት እዚ ንርእሱ ኣብ ኢድ ኣቦ የማሕጽን። ዋላ ኣብቲ ዝተጠንጠነሉ ነቶም ናቱ ምፍቃሩ ይቕጽል። ኣብዚ ናይ ዝተሓደግካ ምዃን ኩነት እንከሎ ንሰቐልቱ ይቕረ ይብሎም (ቁ. 34)። እነሆ እምበኣር እቲ ዓዘቕቲ ብዙሕ ክፍኣትና ኣብ ውሽጢ ዝዓበየ ፍቕሪ ይጥሕል፣ ስለዚ ዝኾነ ፍልልያትና ናብ ውህደት ይቕየር። ኣሕዋትን ኣሓትን! እቲ ኢየሱስን ስለና ዝገበሮ ከምዚ ዝበለ ክሳብ መወዳእታ ኣብ ጥርዙ ዚበጽሕ ፍቅሪ ነቲ ናይ እምኒ ልብና ናብ ናይ ስጋ ልቢ ክቕይሮ ዝኽእልን ዓቕሚ ዘለዎን እዩ። ናይ ርሕራሔን፡ ናይ ለውሃትን፡ ምድንጋጽን ፍቅሪ እዩ። ቅዲ እግዚኣብሔርከስ እዚ እዩ: ቅርበት: ርህራሄን ለውሃትን። ኣምላኽ ከምኡ እዩ። እቲ ዝተሓድገ ክርስቶስ ኣብቶም ዝተሓድጉ ዝተገለሉ ክንደልዮን ከነፍቅሮን ይድርኸና። ምኽንያቱ ኣብኦም ዝተሸገሩ ሓገዝ ዝደልዩ ጥራይ ዘይኮኑ ክርስቶስ ባዕሉ ንሱ ኣባኦም ዝተሓድገ ኮይኑ ናብ መዓሙቕ ሰብኣዊ ኩነታትና ብምውራድ የድሓነና ኣሎ። ንሱ ምስ ነፍሲ ወከፎም ኣሎ፣ ክሳብ ሞቶም ምሳኦም ኣሎ። ኣብዚ ኣዕኑድ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝነብር ዝነበረ ግዳም ሓደር ቤትኣልቦ ጀርመናዊ ትዝ ይብለኒ። በይኑ፣ ኣብዚ ተጠንጢኑ ሞተ። ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ሰባት ንነፍሲ ​​ወከፍና ኢየሱስ እዮም። ብዙሓት ቅርበትና የድልዮም፡ ብዙሓት ዝተጠንጠኑ ኣለው። ኣነ እውን ኢየሱስ ክሓቊፈንን ክቐርበንን የድልየኒ እዩ፣ ነዚ ድማ ኣብቲ ዝተጐስየ፣ ኣብ ጽምዋ ዝርከብ ጽጉም ክረኽቦ ክኸይድ ኣሎኒ። ነቶም ንኣኡ ኣዝዮም ዝመሳሰሉ ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ኣብቲ ጽንኩር ናብራኦም ስቃዮምን ጽምዋኦምን ክንከናኸኖም ይደሊ። ሎሚ ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን ብዙሓት "ዝተደርበዩ ክርስቶስ" ኣለዉ። ብኣልማማ ዝምዝመዙ ህዝብታትን ኣብ ገዛእ ርእሶም ዝተጠንጠኑን ኣለው። ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ጎደናታትና ዝነብሩን ብዓቅድሚኦም መንገዲ ክንሰግር ትብዓት ዘይብልናን መዓት ድኻታት ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኦም ሰባት ዘይኮኑስ ናብ ቊጽሪ ቀዪርናዮም ክንድዚ ስደተኛታት ኣለዉ፤ ክንድዚ ዝተነጽጉ እሱራት ኣለዉ፣ ክንድዚ ከም ጽጉማት ዝተመዝገቡ ኣለው ንብል። ካብ እዝግስ ሰባት እዮም። ብዓቢኡ ከኣ ዘይርኣዩ፡ ዝተሓብኡ ዝተደርበዩ ክርስቶስ እውን ኣለዉ፣ ጻዕዳ ጓንቲ ወዲኻ እትኣልዮም: ዘይተወልዱ ህጻናት፡ በይኖም ዝተረፉ ኣረጋውያን ክንደይሞ ክንብሎም። እቲ ኣብ እንዳኣረጋውያን ቤትሕክምና ወይውን እንዳ ስንኩላን ተደርብዩ በይኑ ጭልሕም ዝብል ኣቦኻ፡ ወይውን ኣዴኻ ምናልባት ከኣ፡ ኣቦሓጎኻ፡ ኣደዓባይካ ክኾኑ ይኽእሉ። ብሕማም ዝተደነሱ ግን ዘይበጻሕናዮም ሸለል ቢልና እንሓልፎም ስንኩላን፣ ኣብ ውሽጦም ዓቢ ባዶነት ዝስምዖም ማንም ከኣ ቃንዛ ኣውያቶም ዘይሰምዖም መንሰያት ኣለው። እዞም መንእሰያት እዚኦም እንትርፎ ነብሰ ቅትለት ካልእ መገዲ ድሕነት ኣይረኽቡን። ናይ ሎሚ ዝተጠንጠኑ ማለት ናይ ሎሚ ክርስቶስ እዚኣቶም እዮም። እቲ በይኑ ዝተሓዲገ ኢየሱስ በይኖም ንዝተሓድጉ ዝርኢ ኣዒንትን ዝርሕርሕ ልብን ክህልወና ይሓተና ኣሎ። ንዓና ደቀ መዛሙርቲ እቲ በይኑ ዝተሓድገ ጐይታ፡ ዝኾነ ሰብ ክግለል የብሉን፡ ኣብ ገዛእ ርእሱ ክግደፍ ኣይክእልን፤ ምኽንያቱ፡ ነዚ ንዘክር፡ ዝተነጽጉን ዝተገለሉን ሰባት ህያዋን ስእልታት ክርስቶስ እዮም። በቲ መግለጺ ኣልቦ ፍቕሩ፡ ንኩሉ ጽምዋን ምድረበዳን ተጻዊሩ ዘድሕነና በይኑ ምሕዳጉ የዘኻኽሩና። ኣሕዋትን ኣሓትን ሎሚ ነዚ ጸጋ ንለምኖ: በይኑ ንዝተሓድገ ኢየሱስ ከመይ ጌርና ከም እነፍቅሮን ኣብ ነፍሲ ወከፍ በይኑ ዝተሓድገ ሰብ ንኢየሱስ ከመይ ጌርና ከም እነፍቅሮን ንክንፈልጥ እሞ ነቲ ክሳብ ሕጂ ኣብኦም ኮይኑ ዝግዕር ዘሎ ጎይታ ክንርእዮን ከነለልዮን ጸጋ ንለምን። ኣብቲ ኣእዛን ዘደንዝዝ ስቕታ ዘይተገዳስነትን ሸለልትነትን ድምጹ ክጠፍእ ኣይንፍቀድ። ብኣምላኽ በይንና ኣይተረፈናን፤ ነቶም በይኖም ዝተረፉ ንከናኸኖም። ሽዑ ጥራይ ኢና ናይቲ "ርእሱ ባዶ ዝገበረልና" ድሌታትን ስምዒታትን ናትና ክንገብሮ (ፊል 2፡7)እንኽእል። ንሱ ስለና ፍጹም ባዶ ኮይኑ እዩ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
03 Apr 2023, 10:30