ር.ሊ.ጳ.፥ ዓለም ንውግእ ዝጻወር እውን እንተመሰለ ምሕረት ኣምላኽ ግና ፈጺሙ ኣይሓድገናን እዩ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 12 ሚያዝያ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ፥ እቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ዝተፈላለየ ዓይነት ኲናት ከብቅዕ ምእንቲ ሰላም ከም ዝጸለዩን፡ ከምኡ እውን ዕለት 11 ሚያዝያ ተዘኪሩ ዝወዓለ መበል 60 ዓመት ሕትመት “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዓዋዲት መልእኽቲ ዮሓንስ መበል 23 ከም ዝዘከሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
“ሎሚ ዓለም ብውግእን ካብ እግዚኣብሔር ምርሓቕን እናተፈተነ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ምሕረት ኣምላኽ ዝያዳ የድልየና” ዝበሉ ቅዱስነቶም፥ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክኽበር ዝኾነ ዓመታዊ ጽንብል መለኮታዊ ምሕረት ዘኪሮም፥ ጽንብል መልኮታዊ ምሕረት ብቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ “ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታ ዝደልዮን ብቕድስቲ ፋውስቲና ኮዋልስካ ኣቢሉ ዳርጋ ቅድሚ ሓደ ዘመን ኣብ ዝጸገወ ግልጸት” ዝተመስረተ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ንልበ መለኮታዊ ምሕረት ዝውከፍ ጸሎት ጠቒሶም፡ “ምእንቲ እዚ ዘሕዝን ስቓዩ ንዓናን ንብዘላ ዓለምን መሓረና” ቢሎም፥ “ብዛዕባ እቲ ኩሉ ግዜ ዝቕበለናን ዘሰንየናን ኣብ ገዛእ ርእስና ፈጺሙ ዘይጥንጥነና ምሕረት እግዚኣብሔር ንሕሰብ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሰላም ኣብ ሓቅን ፍትሕን ምትሕብባርን ይሕነጽ!
ቅዱስነቶም እቲ ንሰላም ዝተወፈየ ካብ ዝሕተም ዕለት 11 ሚያዝያ 2023 ዓ.ም. መበል 60 ዓመት ዘቑጸረ ናይ ዮሓንስ መበል 23 “ሰላም ኣብ ምድሪ” ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ዘኪሮም፥ ዮሓንስ መበል 23 ንኹሉ ሰብ ብዛዕባ ሰላም ናይ ምዝራብ ተኽእሎ ከፊቶም፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰላም ንምህናጽ ዝሕግዙ መለክዕታት ከም ዘቐመጡን፥ እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ክም ጩራ ብርሃን ኣብ ማእከል ጽሉም ደበና ንደቂ ሰባት ሓቀይና በረኸት” ከም ዝነበረትን “ሎሚ እውን ከምኡን ኣገዳሲትን እዋናዊትን እያ” ከም ዝበሉ ኣመላኺቱ፥ ናይታ ዓዋዲት መልእኽቲ ፍቕዲ 114 ጠቒሶም፥ ኣብ ክንዲ ሓይሊ ኣጽዋር ኣብ ኣመክንዮ መሰረት ዝገበረ ኣህጉራዊ ዝምድናታት ክህሉ ዘቕርቦ ጻውዒት” ኣቃሊሖም፥ ኩሉ ሰብ ነታ ዓዋዲት መልእኽቲ ከንብባ ኣተባቢዖም፡ ፖለቲከይናታት ድማ ቆራጽ ውሳኔታት ክገብሩን መምርሕታት ክሕንጽጹን ከለዉ ካብታ ዓዋዲት መልእኽቲ ምትብባዕ ክረኽቡ” ከም ዘተሓሳሰቡ ኣፍሊጡ።
ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዩክረይን
ኣብ መወዳእታ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብሰንኪ ወራር ሩሲያ ኤውሮጳ ኣብ እትሳቐየሉ ዘላ እዋን ኩሉ ሰብ ምእንቲ ዩክሬይን ክጽልይ ብዙሕ ግዜ ዘቕረብዎ ጻውዒት ደጊሞም ብምቕራብ፥ “ምእንቲ ስውእቲ ዩክሬይን ኣብ ጸሎትና ንጽናዕ፡ እቲ መሪር ስቓይ ዩክሬይን ክእለ ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።