ድለ

1681980518954.JPG

ማሕበራውን ኣከባብያውን ቅልውላዋት ሓደ እዩ! ር.ሊ.ጳ ንመራሕቲ ኅብረት እምነታት

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካብ ዓባይ ማንቸስተር ንዝመጹ መራሕቲ ኅብረት እምነታት ተቀቢሎም ኣብ ዘዘራረቡሉ፣ ብሓባር ንቅልውላዋት ንምምካትን ንምሕላውን፡ ከምኡ’ውን ንሓባራዊ ረብሓ ንምስጓም ንዝገበርዎ ተወፋይነት ድሕሪ ኣመስጊኖም ‘ማሕበራውን ኣከባብያውን ቅልውላዋት ሓደ’ዩ’ እንክብሉ ኣዘኻኸሩ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዓባይ ማንቸስተር ንዝመጹ መራሕቲ ኅብረት እምነታት ቃል ኣብ ዝሃቡሉ እዋን፡ "ናይ ዘመንና ኣከባብያውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ክልተ ዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ዘይኮኑስ ሓደ ምዃኑ ብሓደ ቃል ክንእመን የድልየና" እንክብሉ ከም ሃይማኖታውን ፖለቲካውን መራሕቲ መጠን፡ ኣከባቢ ንምሕላው "ህጹጽ ኣድላይነት" ንቕሓት ንምዕባይን ንሳዕቤናት ለውጢ ኩነታት ክሊማር ንምፍታሕ ብጭቡጥ ንምስራሕን ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ዘደንቅ ምዃኑ ገሊጾምሎም።

ቅዱስነቶም ናብ ኩነታት ሃገሮም ብምትኳር "ታሪኽ ከተማኹም ምስ ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ብቐረባ ዝተኣሳሰር ስለዝኾነ፡ እቲ ዘይተኣደነ ቴክኒካውን ቁጠባውን ምዕባለታት ዘለዎ ሓላፍነት፡ ማለት ኣብ ሰብኣውን ኣከባብያውን ናብራ ዘውርዶ ኣሉታዊ ጽልዋ ዝእመን እውን እሙን ምዃኑ ብምግንዛብ እቲ ንሶም ዝህብዎ ስሙር ምስክርነት ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ጐሊሑ ይረእኤ’ ኢሎምዎም። እዚ ከኣ ብቀንዱ ክብሪ ግርማ ወዲሰብ ክሕሉን ከኽብርን ከምዘለዎ እውን ገሊጾምሎም።

ክብሪ ግርማ ወዲሰብ ምሕላውን ምኽባርን!

ቅዱስነቶም ዘረባኦም ብምቅጻል "ሎሚ ከም ሎሚ ንህያብ ፍጥረት ኣምላኽ ብሓቂ ንምሕላው ዘለና ተወፋይነት፡ ክብርን ዋጋን ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ሰብ ዘኽብር ውሁድ ስነ-ህይወት ንምድንፋዕ ዝግበር ሰፊሕ ጻዕሪ ክኸውን ኣለዎ። ምምዝማዝ ከባቢ ኣብ ህይወት ድኻታት ዘስዕቦ ዘሕዝን ጽልዋ ኣፍልጦ ክወሃቦ የድሊ’ እንክብሉ ነዚ ምሕጽንታ እዚ ኣቅሪቦም።

"ኣብ ግዜና ዘሎ ከባብያውን ማሕበራውን ቅልውላው ክልተ ዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ዘይኮኑስ ሓደ ምዃኑ ብሓደ ቃል ምእማን የድልየና። ብርግጽ እዚ ሓደስቲን ኣርሒቖም ዝጥምቱን ቁጠባዊ መደባትን መሪሕ ሓሳባት ምፍጣር ዝጠልብ ምዃኑ እኳ እንተገለጹ፡ እቲ ብናይ ሕጂ ሃልክን ነዚ ንምፍታሕ ብዝግበር ጻዕርታትን ተዓጊቱ ዘሎ ዓለምለኻዊ ዘይምግዳስን ሸለልትነትን ብዝፈጠሮ ናይ ምድርባይ ወይውን ናይ ምጒሓፍ ንምብዳህ ቆራጽነት ከምዝጠልብ ኣሚኖም ሰብኣውን ማሕበራውን ጸገማት ብመንጽር ሓባራዊ ረብሓ ክትደንፍዑ ሓደራ።

ናይ ምክልኻል ግዴታ!

ቅዱስነቶም ናብ ቀንዲ እጃም ሥራሕ ናይዞም መራሕቲ ምልስ ይብሉ እሞ "ሓላፍነታዊ መጋቢነትና ዝጽውዕ ብእግዚኣብሔር ዝተዋህበና ህያብ ኮይኑ ንኣከባቢ ምሕላው ግዴታና ስለዝኾነ ብባህርያዊ ሞራላውን ሃይማኖታውን ሸነኽ ናይ ሓባር ምስክርነት ክንህብ ግዲ እዩ’ ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰቦም፡ ከምኡ'ውን ብጥበብ ዝተፈላለየ ልምድታቶም ተመሪሖም፡ "ኣብ ክብርታት ምኽባር ተፈጥሮ፡ ልቦና፡ ሰብኣዊ ምትሕግጋዝን ሓልዮትን ዝተመስረተ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝኾነ "ስነ-ህይወት ምልዋጥ" ንመጻኢ ሕብረተሰብና ኣበርክቶ ኣብ ምግባር ዓቢ ተራ ክተአበርክቱ ትኽሉ ትጻወት" ኢሎም።

ካብቲ ትጽቢት ዝግበረሎም ኣበርክቶታት ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ከምዘሎ ንምግላጽ ከኣ፡ ከም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን እምነት፡ "ኣእምሮን ልብን መንእሰያት ንምዂስኳስ" ዝገብርዎ ተወፋይነት፡ ከምኡ'ውን "ናይ ኣካይዳ ለውጥን ኣርሒቑ ዝጥምት ፖሊሲታት ጠለቦም ምግባር'ዩ" እንክብሉ ዕላምኦም ዘላቕን ዘይነጻጸልን ሰብኣዊ ምዕባለ ምዃኑ ገለጹሎም።

ቅዱስነቶም ነቶም ኣብ ቅድሚኦም ዝነበሩ ኣባላት ከም ኣዕሩኽ ብምጽዋዕ ንስርሖምን ዕላማኦምን ብጸሎት ከምዘሰንዩ ብምግላጽ ሰናይ ትምኒቶም ከምዚ ክብሉ ኣቅረቡሎም።

ኣብ ልዕሊ ኩልኹም መለኮታዊ በረኸት ጥበብን ሓይልን ሰላምን ይወረድ። ኣብ ጸሎትኩም ክትዝክሩኒ ድማ ብትሕትና እልምነኩም።

ብድምጺ ንምክትታል!
21 Apr 2023, 17:09