ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ሃንጋሪ: ሰላም ኪኖ ሃገራውነት ንምዕባለ ኩሉ እዩ ዝጥምት

ክብርቲ ርእሰ ብሔር ርፓብሊካዊት ሃንጋሪ ክቡራትን ኣባላት መንግስትን ኣብ ሃንጋሪ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን ፍሉጣት ሰብ መዝን ወከልቲ በርገሳውያን ማሕበራትን

ክቡራትን ክቡራንን

ንዅላትኩም ሰላምታይ አቕርብ ክብርቲ ርእሰ ብሔር ስለ ዝገበራለይ ኣቀባብላ አመስግን . . . እንክብሉ መደረኦም ዘበገሱ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፖለቲካ ካብ ከተማ ካብቲ ብሓባር ምንባር መሰል ምውሓስን ግብእነት ምኽባር ካብ ዝብል ጭቡጥ ኒሕ እዩ ዝውለድ፡ ውሑዳት ከተማታት ኣያተን ነዚ ጭቡጥ ኒሕ እዚ ንኸነስተንትን ዝሕግዛና፥ ካብኣተን እውን ቡዳፐስት ትጥቀስ . . . ፑዳፐስት ውቅብትን ኣገዳሲት ርእሰ ከተማ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ታሪኽ ማእከላይ ቦታ ምህላዋ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ምስክር ራእይ ነጥብታት መቐይሮን ቀንዲ ተዋሳኢት ህልውን መጻእን ክትከውን ትጽዋዕ፡ . . .

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣመጻጽኣን መበቆልን ሃገረ ሃንጋሪ ካብ ጥንትን ክሳብ ህልው እዋን ዘሎ ታሪኽ ዳህሲሶም . . . ሎሚ ቡዳፐስት ሓንቲ ካብተን ዝለዓለ ሚእታዊ ህዝቢ ኣይሁድ ዘለወን ከተማታት ኤውሮጳ ማኣከላይ ቦታ ዝሓዘትን  . . . ዋጋ ናጽነት እትፈልጥ ድሕሪ ዘሕለፈቶ ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈላ ምልካዊ ስርዓት ሃብቲ ደሞክራስን ሕልሚ ሰላምን ናይ ምሕላው ተልእኾ ዘለዋ ሃገር እያ።

. . . ቡዳፐስት ካብ እትቐውም 150 ዓመት ለምዘበን ከተብዕል ምዃና ኣዘኻኺሮም ምስ እዚ ኣተሓሒዞም ታሪኽ ከተማ ቡዳፐስትን ኣናስራን ዝትንክፍ ታሪኽ ተወኪሶም ምስ ኣዘካኸሩ . . . ቡዳፐስት ነቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዝያዳ ጥቡቕ ምትእስሳር እንተሃልዩ ግጭት ከም ዘይፍጠር እተረጋግጽ ከተማ እያ፥ ነዚ ሓሳብ እዚ እያ እትውክል . . . ኣብዛ እንነብረላ ዘለና ዓለም ግን እቲ ንማሕበርሰባዊ ፖለቲካን ንብዙሕነታውነትን ዘሎ ፍቕሪ ጽቡቕ ዝኽሪ ሕሉፍ ይመስል . . . ንሕና እውን ሕልሚ ሰላም ንስዕብ ዘለና ንመልስ፡ . . . ብብሔራውን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ከይተረፈ ፖለቲካ ጸገማት ካም ብፍታሕ ምኽንያት ውጥረት ኮይኑ ዘሎ እይመስል . . .

ኣብዚ ታሪኽዊ መድርኽ እዚ ኤውሮጳ መሰረታዊ ግደ ኣከዋ፡ ምኽንያቱ ሳላ ታሪኽ ንዝኽሪ ሰብኣውነት እትውክል ስለ ዝኾነት፡ ስለዚ ምስ እዚ ተዘክሮ እዚ ዝሰማማዕ ግደ ክትጽዋወት ጸዋዕታኣ እዩ፡ . . . ንምርሕሓቕ እትጥርንፍ እያ፡ ኣብ ውሽጢ ንዝርከቡ ህዝብታት ናይ ምቕባልን ናይ ዘለኣለም ጸላኢ ዝፈጥር ጉዳይ ምውጋድ የድሊ፥ ነዚ ኤውሮጳዊ መንፈስ እዚ ዳግም ምዕዋት የድሊ . . . ኒሕን ሕልምን ናይቶም መስረታት ኪኖ ግዜኦምን ኪኖ ሃጋራዊ ዶባትን ቅጽበትዊ ድሌታትን ክጥምቱ ዝኽኣሉ ሕብረት ኤውሮጳ ዝመስረቱ ሹማንን ኤዴናወርን ዘኪሮም . . . ኣብዚ ታሪኻዊ ምዕራፍ እዚ ብዙሕ ሓደጋታት ኣሎ . . . ብዛዕባ እትሳቐ ዘላ ዩክረይን ንሕሰብ፡ ኣበይ ኣሎ እቲ ኤውሮጳ ምእንቲ ሰላም ትገብሮ ዝነበረ መሃዛዊ ፈጠራ? ዝብል ሕቶ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣስዒቦም ቡዳፐስት ድልድላዊት ከተማ ምዃና ብምዝኽኻር፥ እዚ እውን ኣቃውማ እታ ከተማ ዝምስክሮ ሓቂ ምዃኑ ኣብሪሆም . . . መግለጺኣ ድልድል እዩ፡ በዚ መሰረተ እውን ናይ ውድባት ወይ ገለ ገለ ክፋላት ጆሆ ዘይኮነት ኤውሮጳ ንሓስብ፡ ኣብ ሰብን ህዝባን ምእክልቲ ኮይና ዝተሃንጸት ኤውሮጳ . . . እተን ዝተፈላለያ ብሔራዊ ሃገራት ከም ሓንቲ ስድራ ቤት ዝሰምራሉ።

ቡዳፐስት ከተማ ቅዱሳን እያ . . . ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳማይ ንጉስ ሃንጋርይ ዘኪሮም፡ መንፈሳዊ መልእክዕን ታሪኽን ሃንጋሪ ብሰፊሕ ዳህሲሶም፥ . . . ቅዱስ እስጢፋኖስ ቀዳማይ ንጉስ ሃንጋሪ+ “ናብ ዝለዓለ ሓሴት ዝመርሕ ፍቕሪ ምንባር እዩ . . . ንሓቂ ፈጺምኩም ዘይትቃወሙ ለዋሃትን ለባማትን ኩኑ” ዝበሎ ጠቒሶም፥ እዚ ቅዱስ እዚ ሓቅን ልኡምንትን ብዘይፍለ መገዲ የወሃህድ፡ እዚ ብሓቂ ዓቢይ ትምህርቲ እምንት እዩ። እዚ ነቶም ብመንፈስ ብጹዓን እያቶም ዝብል ትምህርቲ ኢየሱስ የዘኻኽረና . . . ከም ዝበሉን ቅዱስነቶም ነቲ ነዊሕን ዓሚቝን መደረኦም፥

ክቡራት ሰበ ስልጣን ኣብቶም ዝተገልጹ ክብርታት ዝጸንዐ ግብረ ሰናይን ህንጸት እተነቓቕሑ ብምዃንኩም ከመስግነኩም ኣደሊ። ኣብ ሃንጋሪ ዘሎ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ዘለዎ ተወፋይነት ከም ኣብነት እጠቅስ . . . ኣብ ዓለም ንኸቢድ ስቓይ ዝቃልዑ ብዙሓት ክርስቲያን ካልኦትን ጭቡጥ ደገፍ እተቕርቡ ብምዃንኩም ከመስግን እፈቱ ብፍላይ ኣብ ሶሪያን ሊባኖስን . . . ኣብ መንጎ መንግስታትን ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ሰናይ ርክብን ምትሕብባርን ዝያዳ ፍራያም ክኸውን እምነ።  ነቲ ዘሎ ብዙሕነት ምኽባር የድሊ። ንወንጌል ከም መወከሲ ነጥቢ ኣጥቢቕካ ብምሓዝ ግና። . . . ሓደ ቋንቋን ሓደ ልምድን ኮታ ሓደ ዓይነታውነት ዝኾነት ሃገር ድኽምትን ፈራሲትን እያ። ስለዚ ነቶም ካባና ዝተፈልዩን ዘይንፈልጦምን ሰባት ክንቅበልን ክነእንግድን ሓደራ። ብዙሕነት እንተድኣ ተረዲእካዮ ጸጋ ደኣ እምበር ምኽንያት ግጭት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብዙሃት ተስፋ ዝቖረጹ ካብ ግጭትን ድኽነትን ምዝባዕ ከባቢ ኣየርን ምህዳርን ዘምልጡ ዝስደዱ ምእንጋድን ነቲ ንስደትን ምዝብልናን ዝዳርጎም ዘበለ ኩሉ ብሓባር ብዘይ ምድንጓይ ክንገጥሞን ክንምክቶን የድሊ . . . ንዅሎም ናይዛ መሬት ቅዱሳት እናሓሰቡ. . . ፥ ካርዲናል ጆሰፍ ሚንድዘንትይ ብጹዓን ሰማእታት ጳጳሳት ቪልሞስ ኣፖርን ዞልታን መስዝለንይ ካልኦት ካብ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝኾኑን ናይዛ ፍቕርቲ ሃገር መጻኢ ነማላድነቶም ሕድሪ እብል . . . ስለ ዝሰማዕኩምኒ አመስግነኩም . . . ንኹሎም ሃንጋራውያን ዘሎኒ ቅርበትን ጸሎተይን አረጋግጽ . . . ኣምላኽ ንሃንጋርን ህዝባን ይባርኽ እንክብሉ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ-።

28 Apr 2023, 16:04