ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብታ ኣትጠፈእ ዓለም ተስፋ ምምጻዕ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 13 ሚያዝያ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ደናግል ማሕበራትን ገዳማትን ላዕለዎት ኣሕሉቕ ዝሓቁፍ ማሕበር ካብ ዝቐውም መበል 70 ዓመት ኣብ ዘቑጸረሉ ዘሎ እዋን ንኣባላት እቲ ማሕበር ኣብ ሃገር ቫቲካን ተቐቢሎም፥ እቲ ማሕበር ዝተጻወቶ ተራን ደቀ ኣንስትዮን ሲኖዳውነትን ኣብ ዝብሉ ሰለስተ ነጥብታት ዘማእከለ ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም እቲ ማሕበር ኣብ መበል 70 ዓመት ምዕራፍ ቅዋመኡ ከም ዝበጽሐ ዘኪሮም፥ ዝኽሪ ዓመታዊ ምስረታ ዝሓለፈ ዝጽብጽብ ጥራይ ዘይኮነ ንህልውን መጻእን ዘተኮረ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥
ምስክርነት ደቂ ኣንስትዮ
“ደቂ ኣንስትዮ፥ መሰኻኽር ናይቲ ዝተንስአ ጐይታ” እየን። ቀዳሞት መሰኻኽር ትንሳኤ ክርስቶስ ደቂ ኣንስትዮ እየን። እተን ተባዓት ደቂ ኣንስትዮ ብሓይልን ብርሃንን እቲ ዝተስንኤ ክግረማን ክድረኻን ፈቒደን ንኽምስክርኦ ድማ ተበገሳ . . . ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ሲኖዳውነት
ኣስዒቦም ዘተኮሩሉ ካልኣይ ነጥቢ ድማ፡ “መገዲ ሲኖዳውነት” ዝብል ኮይኑ፡ መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ከም እትርከብ ኣዘኻኪሮም . . . እተን ቀዳሞት መሰኻኽር ትንስኤ ክርስቶስ ነቲ ብስራት ትንስኤ ንርእሰን ክሕዘኦን ወይ ነቲ ጉዕዞ በይነን ክፍጽምኦ ዘይኮነስ፡ ናይ ምክፋሉ ሓጎስ ክነብራ ዝመረጻ እየን . . . ምስ ካልኦት ምጉዓዝ ዝመረጻ፥ እዚ እውን ጉዕዞ ሲኖዳውነት እዩ . . . “ብሓባር ክንመላለስ” ብመንፈስ ናይ ብሓቂ ኣተሓሳስባ ሲኖዳውነት ክንመሃር፡ ብትብዓትን ብናጽነትን ልብና ናብ ሲኖዳውነት መስርሕ ከነእትዉ መታን ክልወጥ ምፍቃድ የድሊ” . . . እዚ ቀንዲ መገዲ ቤተ ክርስቲያውነት እዩ ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ተስፋ ደቂ ኣንስትዮ
ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ነጥብን፥ ደቂ ኣንስትዮ ዘራእቲ ተስፋ እየን ዝብል ኮይኑ፥ እቲ ምስቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ምራኻብ ልብና ብተስፋ ከም ዚመልኦን “ተስፋ ዘነቓቕሕ” ምዃኑን ከምኡ እውን “ነዛ መብዛሕቲኡ ግዜ ኣብ ምጥፋእ ዘላ ዓለም ኣብ ጉዕዞ ተስፋ ዘበራትዕ . . . ተስፋ ዝህብ መልሲ ዘድልዮ ድሕነት ኣምላኽ ንእውጅ” ይድርኸና ቢሎም “ጐይታ ብሓድሽን ውዕዉዕን ስምዒት ንጎይታ ዚምስክራ ኣብ ሲኖዳዊ መገዲ ከምኡ እውን ተስፋ ዚዘርኣ ደቂ ኣንስትዮ ክህልዋ ጻዋዒት ኣቕሪቦም፡ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ንኹለን ድማ ንጐይታን ነማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ከም ዘወከፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።