ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃንጋሪ ኣትዮም
ቅዱሰንቶም ልክዕ ብሃንጋሪ ኣቆጻጽራ ሰዓት 10.00 ቡዳፐስት ኣብ ዝርከብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ኣትዮም ብናይታ ሃገር ምኽትል መራሔ መንግስትን ናይ መግንስቲ ላዕለዎት ኣካላትን ኣብ ሃንጋሪ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳትን ናይ ካልኦት ሃይማኖታት መራሕቲ ድሕሪ ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ንኽብሪ መንግስትን ህዝብን ሃንጋሪ ናብ ናይታ ሃገር ቤተ መንግስቲ ምብጻሕ ኣካይዶም።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ኣፈት ቤተ መግንስቲ ልክዕ ሰዓት 11 በጺሖም ብናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ካታሊን ኖቫክ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ንኽብሮም ብናይ ክቡር ዘበዐይና ቤተ መግንስቲ ድሕሪ ዘቕረቡሎም ክቡር ሰላምታ ናይ ሃገረ ቫቲካንን ሃንጋሪን ሰንደቓዊ መዛሙራት ምስ ተሰምዐ ኣብ ሕንጻ ቤት መንግስቲ ኣብ ናይ ክብሪ መዝገብ ክታሞም ናይ ምንባር ስነ ስርዓት ፈጺሞምን ምስ ርእሰ ብሔር ኖቫክ ናይ ግሊ ርክብ ኣካይዶም ምስ ኣብቅዑ ህያብ ናይ ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ምስ ተኻየደ ምስ ስድራ ቤት ርእሰ ብሔር ኖቫክ ተራኺቦም ምስ ኣብቅዑ ብርእሰ ብሔር ተሰንዮም ምስ መራሔ መንግስቲ ቮክቶ ኦርባን ክሌኣዊ ርክብ ምስ ኣካየዱ፥ በቆጻጽራ ሃንጋሪ ሰዓት 12.20 ምስ ናይ ሃንጋሪ ላዕለዎት ናይ መግንስቲ ናይ በርገሳውያን ማሕበራት ላዕለዎት ኣካላትን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ኣብ ሃንጋሪ ናይ ወጻኢ ሃገራት ልኡካነ መግንስታትን ኣብ ዝተረኽብሉ ጉባኤ ርእሰ ብሔር ኮቫክ ድሕሪ ዘስምዕዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መደረ ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ኣስዒቦም መደረ ከም ዘስምዑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።