ር.ሊ.ጳ. ናብ ሃንጋሪ ነቒሎም
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ መንግስትን ኣብ ሃንጋሪ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብዝገበረትሎም ዕድመ መሰረት ወግዓዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ዕለት 28 ሚያዝያ ልክዕ ሰዓት ሸሞንተን ዓሰርተን ደቓይቕ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ከም ዝነቐሉን፡ ኣብዚ ናይ ነፋሪት ጉዕዞ ነተን ናይ በረራ ዶባተን ንዘቋረጹለን
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሃገረ ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላን ከምኡ እውን ንናይ ክሮኣዚያን ርእሰ ብሔር ዞራን ሚላኖቪች ናይ ተለግራም መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ናብ ርእሰ ብሔር ሰርጆ ማታረላ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ፥
ምስ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ እምነት ንኽራኸብን ኣብ መንጎ ኣህዛብ ድልድል ምህናጽ ዘለዎ ኣገዳስነት ክምስክርን ብዘሎኒ ድልየት ኣብ ሃንጋሪ ዘካይዶ ሓዋርያዊ ጉዕዞ፡ ካብ ኢጣልያ ክነቕል እንኮለኹ ንዓኹም ክብሩ ርእሰ ብሔርን ንመላእ ህዝቢ ኢጣሊያ ምዉቕ ሰላምታይ አቕርብን ንሰናይ መላእ ሕዝቢ ኢጣሊያ ውዕዉዕ ጸሎተይ አቕርብ ከም ዝበሉን ኣመላኺቱ፡ ኣስዒቦ እውን ናብ ክሮኣዚያ ርእሰ ብሔር ዞራን ሚላኖቪች ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፥ ኣብዚ ናብ ሃንጋሪ ኣብ ዘካይዶ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብናይ ክሮኣዚያ ናይ ኣየር ዶብ ክሓልፍ ንዓኹም ክብሩነትኩምን ንመላእ ህዝቢ ክሮኣዚያ ሰላምታን ሰናይ ትምኒተይ እገልጽ ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊ ሃገረ ክሮኣዚያ ጸጋ ሕውነትን ሓሴትን ሰላምን ክጽግው እጽሊ ከምዝበሉን ኣፍሊጡ።