ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ሲኖዶስ ድምጺ ናይ ምሃብ ገደብ ር.ሊ.ጳ.፥ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ሲኖዶስ ድምጺ ናይ ምሃብ ገደብ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብጹዓን ጳጳሳት ኣብ ሲኖዶስ ድምጺ ናይ ምሃብ ገደብ

ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ብገለ ናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፓትሪያርካትን ዓበይቲ ሊቀ ጳጳሳትን ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶ መልሲ ዝህብ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ፍሉይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፡፥ ኣብ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን እቶም ዕድመኦም ሰማንያ ዓመት ዝበጽሑ ሊሂቃን ጳጳሳት ድሕሪ ደግሚ ኣብቲ ኣባል ዝኾኑሉ ሲኖዶስ ብጹዓን ጳጳሳት ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ጳጳስ ኣብ ምምራጽ ዝነበሮም መሰል ክለዓል ዝብል ውሳኔ ኣመሓላሊፎም ኣብቲ ናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖና ክሳዃዕ ከም ዘተሓሳሰቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ሰኑይ ዕለት 17 ሚያዝያ ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት ብዘመሓላለፍዎ ንሕገ ቀኖና ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዘመሓይሽ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ ጳጳሳት ኣባላት ሲኖዶስ ምብራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ዕድመኦም ሰማንያ ዐመት ምስ በጽሐ ጳጳሳት ኣብ ምምራጽ ድምጺ ናይ ምሃብ መሰል ከይህልዎም እንክብሉ፡ ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ብገለ ናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ፓትሪያርካትን ዓበይቲ ሊቀ ጳጳሳትን ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶ መልሲ ዝህብ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እዚ ዝወጸ ሓድሽ ውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንሕጊ ቀኖና 66, ፍቕዲ ሓደ፡ 102፡ 149 ከምኡ እውን 188 ዓንቀጽ ዝቕይር ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ውሳኔ እዚ ድሕሪ ወርሒ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኮይኑ፡ ነቶም ኣብዚ እዋን፡ዚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ “ፓቲያርካትን ዓበይቲ ሊቀ ጳጵሳትን ጳጳሳት ኤጳርቅናታትን ጳጳሳት ሊቀ ጳጳሳትን ድሮ ኣብ ሓላፍነት ዘለዉ ዕድመኦም ሰማንያ ዓመት ዝበጽሑ ዝምልከቶም ከም ዘይኮነ ነቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ጠቒሱ የመላኽት።

18 Apr 2023, 16:02