ድለ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንሕሙማት ሕጻናት በጺሖም፣ ኣብ ሆስፒታል ዝርከብ ህጻን እውን ኣጠሚቆም!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ቀዳም ካብ ሆስፒታል ከምዝወጹን ንጽባሕ በዓለ ሆሳዕና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝካየድ ቅዳሴ ክሳተፉ ትጽቢት ከምዝግበርን ዋና ሓላፊ ክፍሊ ሕትመትን ዜናን ቅድስቲ መንበር ሓቢሮም። ትማሊ ዓርቢ ድሕሪ ቀትሪ ንገለ ካብቶም ኣብቲ ሆስፒታል ዝነበሩ ሕሙማት ሕጻናት ከምዝበጽሑን ንሓደ ህጻን ከምዝጠመቁን እውን ተገሊጹ።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ትማሊ ዓርቢ ኣብታ ብሕማም ብሮንካይትስ ዝሕከሙሉ ዘለው ሆስፒታል ጀመሊ ነቶም ኣባኡ ኣብ ክፍሊ ሕጻናት ተዓቊቦም ዝሕከሙ ዘለዉ ህጻናት በጺሖም።

ዋና ሓላፊ ክፍሊ ሕትመትን ዜናን ቅድስቲ መንበር ማቴዮ ብሩኒ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ ኣብ ክፍሊ ሕክምና መንሽሮ ህጻናት ሕክምና ዝረኽቡ ዘለዉ ህጻናት ምብጻሕ ከምዝገበሩ ሓቢሮም።

ማተዮ ብሩኒ ኣብ መግለጺኦም ቅዱስነቶም ነቶም ሕጻናት ኣብ ዝበጽሑሉ ግዜ "መቊጸርያታትን፡ እንቋቑሖ ፋሲካ ቸኮሌትን ናይቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ይሁዳ ዝተወልደ ኢየሱስ ዝገልጽ ንህጻናት ዝኸውን ብቋንቋ ጣልያን ዝተሓትመ መጽሓፍ እውን ዓዲሎም" እንክብሉ ንሕጻናት ዝኸውን ህያብ ሒዞም ከምዝኸዱን እቶም ሕጻናት ኣዝዮም ከምዝተሓጐሱን ገሊጾም።

ማተዮ ብሩኒ ብተወሳኺ ኣብቲ ንኣስታት ፍርቂ ሰዓት ዝወሰደ ምብጻሕ ቅዱስነቶም ንሓደ ሚገል ኣንኽል ዝተባህለ ንእሽቶ ሕጻን እውን ከም ዘጠመቑ ገሊጾም።

ብድሕሪ'ዚ ቅዱስ ኣቦና ንኣደ እቲ ህጻን ናብ ቊምስና ከይዳ ነቲ ጥምቀት እንከተመዝግብ "ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጥሚቖሞ!" ቢላ ክትነግር ከምዝሓበርዋ እውን ተመልኪቱ።

ሰንበት መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ሆሳዕና ክሠርዑ ትጽቢት ይግበር!

ኣቐዲሙ ትማሊ ዓርቢ ማተዮ ብሩኒ "ጽባሕ ካብ ሆስፒታል ክወጹ መደብ ስለዘለዎም፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንሰንበት በዓለ ሆሳዕና ቅዳሴ ክሠርዑን ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓት ኣብ ዕለቱ ብዕሊ ዝጅመረ ሶሙነ ሕማማት ክኸፍቱ ትጽቢት ይግበር" ክብሉ ኣፍሊጦም ነብሩ።

ብተወሳኺ እውን ብዛዕባ ኩነታት ጥዕና ቅዱስነቶም ኣብ ዘቅረብዎ ናይ ዕለቱ ውዕሎ "ምሸት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ ግዜ ድራር፡ ፒዛ እናበልዑ፡ ምስቶም ኣብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝጸንሑለን መዓልታት ዝሕግዝዎ ዘለዉ ሓካይም፡ ነርስታት፡ ተሓጋገዝትን ሰራሕተኛታትን ሓቢሮም እናኣዋግዑ ግዜ ኣሕሊፎም’ ኢሎም።

ሎሚ ንግሆ ድሕሪ ቁርሲ ቅዱስነቶም ንገለ ጋዜጣታት ኣንቢቦም ስራሕ ከም ዝጀመሩ እውን እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ሎሚ ንግሆ ውጽኢት ናይ መወዳእታ መርመራታት ምስተዋህቦም፡ ናብ ገዛ ሳንታ ማርታ ከምዝተመልሱ እውን ሎሚ ንግሆ ዝወጸ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ማተዮ ብሩኒ ዝሓለፈ ሓሙስ ምሸት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ሮማ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ጀመሊ ዝርከቡ ሓካይም፡ ብኢንፍዩዥን ዝወሃብ ኣፋውስ ኣንቲባዮቲክ ጸረ-ህዋሳት ብምሃብ ነቲ ሒዝዎም ዘሎ ቫይራል ብሮንካይትስ ክሕክሙ ከምዝጀመሩን ውጽኢቱ ኸኣ ኣዎንታዊ ኮይኑ ምምሕያሽ ከርእዩ ከምዝጀመሩን ኣመልኪቶም ከምዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

 

01 April 2023, 11:53