ድለ

ር.ሊ.ጳ.፥ ናብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ሃዋርያዊ ምብጻሕ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም የወክፉ ር.ሊ.ጳ.፥ ናብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ሃዋርያዊ ምብጻሕ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም የወክፉ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ናብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ሃዋርያዊ ምብጻሕ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም የወክፉ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ማእከላይ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ እትርከብ ሃገር ዘካይድዎ ምብጻሕ ከምቲ ልሙድ ንቕድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ሕድሪ ንኽብሉ ዕለት 26 ሚያዝያ ድሕሪ ቀትሪ

ከምቲ ልሙድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ካብ ዝሕረዩ፥ ንሓዋርያዊ መገሻ ቅድሚ ምንቃሎምን ድሕሪ ምምላሶምን ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ መንፈሳዊ ንግደት ከም ዝፍጽሙ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ዕለት 26 ሚያዝያ ቅዱስነቶም ናብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ነጊዶም ነቲ ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ መበል 41 ዓለም ሓቆፍ ሓዋርያዊ መገሻኦም ንቕድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ሕድሪ ከምዝሃቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ኣብ ማእከላይ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ እትርከብ ሃገር ዘካይድዎ ምብጻሕ ከምቲ ልሙድ ንቕድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ሕድሪ ንኽብሉ ዕለት 26 ሚያዝያ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዓቢይ ነጊዶም፡ ኣብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ቁኑን ዕምበባ ኣንቢሮም ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይቲ ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻ መርሕ ቃል፥ “ክርስቶስ መጻኢና እዩ!” ዝብል እውን ምዃኑ የዘኻኽር።

27 Apr 2023, 16:09