ድለ

2019.11.19 viaggio apostolico di papa Giovanni Paolo II in Thailandia 2 maggio - 12 maggio 1984 2019.11.19 viaggio apostolico di papa Giovanni Paolo II in Thailandia 2 maggio - 12 maggio 1984 

ር.ሊ.ጳ ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ካብ ‘ኣጥቃዓይን መሰረት ዘይብሉን ጸለመን’ ይከላኸሉ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 16 ሚያዝያ 2023 ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ምስ ደገሙ፣ ብዛዕባ ኣቶም ቅድሚኦም ር.ሊ.ጳ ዝነበሩ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ “ስምዒት ምእመናን ኣብ መላእ ዓለም ንምትርጓም ርግጸኛታት ነሮም” ብምባል ብዓቢ ምስጋና ዘኪሮሞም።

ዜና ቫቲካን!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ድሕሪ ምዕራጎም ብዛዕባ እቶም ቅድሚኦም ር.ሊ.ጳ ዝነበሩ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ምስ ምጥፋእ ናይታ ቅድሚ 40 ዓመታት ዝተሠወረት ጓል ዓሰርተ ሓሙሽተ ዓመት መንእሰይ ኢማንወላ ኦርላዲ ዝተኣሳሰረ ጸለመን ናይ ሓሶት ክስታትን መብርሂ ሂቦም።  

ናይዛ ቅድሚ 40 ዓመት ብዝወፈረቶ ዘይኣተወትን ኣብዚኣ ኣትያ ዘይተባህለትን ነባሪት ከተማ ቫቲካን ዝነበረት መንእሰይ ኢማንወላ ኦርላንዲ ኩነታት ብፍላይ ኣብ ሃገረ ጣልያን ዳርጋ ነባሪ ምስጢር ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። ብሲቪላውን ሰበስልጣን ቤተክርስትያንን ብዙሕ መርመራታት ተኻዪዱ ገና እውን ይካየድ ኣሎ። ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን ቤላበለውን ክበዝሑ እንከለዉ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ግን ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ኣብዚ ኩነታት እዚ ሓቂ ምድላይ ዳርጋ ኣብ ሓሰር ዝጠፍአ መርፍእ ምንዳይ ኮይኑ እቲ ምሥጢር ከምዘሎ ይቅጽል ኣሎ።

ሓቂ ምድላይ!

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ፡ ኣለንሳንድሮ ዲዲ ዝበሃሉ ኣኽባሪ ሕጊ ከተማ ቫቲካን፡ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ሓደስቲ መርመራታት ይጅመሩ ከምዘለዉ ኣፍሊጦም ነበሩ። እዚ ዝግበረሉ ምኽንያት ብኸፊል ነቲ ብኣባላት ስድራቤት ኦርላንዲ ንዝቐረቡ ሕቶታት ምላሽ ንምሃብ ምዃኑ ሓቢሮም። ኣለንሳንድሮ ዲዲ ኣብ ዝሃብዎቦ ህዝባዊ መግለጺ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ “ሓቂ ብዘይ ዝኾነ ዕቃበ ክትወጽእ” ብርቱዕ ድሌት ከምዘለዎም ኣጽኒዖም ገሊጾም ነበሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዝሓለፈ ሰሙን ሓዋ ኒማኑኤላ ኣቶ ፒየትሮ ኦርላንዲ ምስ ኣኽበርቲ ሕጊ ከተማ ቫቲካን ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ ናይ ኢጣልያ መደብ ተለቪዥን ቀሪቡ ነበረ። ኣብቲ መደብ፡ ብሓደ ዕሱብ ቀታል ሰብ ተዋሂቡ ዝበሃል ኑዛዜን ምስክርነትን ብድምጺ ኣስሚዑ። እቲ ነቲ ዝተቀርጸ ድምጺ ዝሃበ ሰብ ከም ዝብሎ፡ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ር.ሊ.ጳ ዝነበሩ ምስ ክልተ ፖላንዳውያን ሞንሲኞራት ኮይኖም ግዳይ ዝኾና ንኣሽቱ ኣዋልድ ንምድላይ ብለይቲ ካብ ቫቲካን ወጺኦም እንክብል ይኸስስ። እዚ ግን ውጹእ ሓሶትን ጸለመን ምዃኑ ብምግላጽ ቫቲካን ብትሪ ከምእትቃወምዎ ትገልጽ።

ናይ ደገፍ መግለጺ!

እቲ ጸለመ ዝመልኦ ክስታት ብሰፊሑ ተነቒፉ፣ ሰበስልጣን ቫቲካን ድማ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ክስታት ዝድግፍ መርትዖ ወይ ምስክርነት ፈጺሙ ከምዘየሉ ብኡ ንብኡ ኣመልኪቶም። ዋና ኣሰናዳእን ሓላፍን ዜና ቫቲካን ኣንድርያ ቶርኒየሊ ብቋንቋ ጥልያን ኣብ ዝጸሓፍዎ ርእሰ ዓንቀጽ፡ “ብዛዕባ ምጥፋእ ኢማኑኤላ ሓቂ ንምድላይ ምሉእ መርመራ ክካየድ ቅዱስ ሓሳብ እዩ። ግን ብኸምዚ ኣገባብ እዚ፡ ብዘይ ምንም መርትዖ፡ ብመሰረት ‘ወረ’ ቤላቤለው ገለ ዘይፍለጥ ገበነኛ ሰብ ኣባል ሥውራት ቀተልቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ብዝተናዘዞ ወይውን ገለ ስሙ ዘይተገልጸ ብስልጡን ኣገባብ ብቐጥታ ኣብ ተለቪዥን  ብዝፍኖ ‘ወረ’ ጠቀነን ጸለመን ክበጽሖ ዝግብኦ ማንም ሰብ የለን” እንክብሉ ገሊጾሞ።

ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሕንፍሽፍሽ ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ነቲ ክስታት ብቐጥታ ከመልክቱ እኳ እንተዘይተራእዩ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘቕረብዎ ቃል ግን ነቶም ቅድሚኦም ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ ደገፎም ዝገልጽ ነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ዝሃብዎ መዘኻኸሪ “ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ስምዒት ናይቶም ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ምእመናን ብዝሃብዎ ትርጉም “ርግጸኛ” እየ። ኣብዘን ዝሓለፋ ቁሩብ መዓልታ ግዳይ ናይ ኣጸያፍን መሰረት ዘይብሉን ጸለመ ንዝኾኑ ንቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ እንክዝክር ብዓቢ ምስጋና እዩ’ እንክብሉ ዘለዎም ኣኽብሮት ገሊጾም።

ብድምጺ ንምክትታል!
17 Apr 2023, 16:07