ር.ሊ.ጳ.፥ መንፈሳዊ መስህብ ማሕበረሰብ “ብጹዓን እያቶም” ውህበት እዩ
ዕለት 17 ሚያዝያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ካብ ዝቐውም መበል 50 ሓመቱ ዘብዕል ዘሎ ማሕበረሰብ “ብጹዓን እያቶም” ልኡካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፥ ናይቲ ማሕበር መንፈሳዊ መስህብ ዘጉልሖ ጴንጠቆስጣውን ስነ ፍጻሜኣውን ሸነኽ ከም ዘጉልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 17 ሚያዝያ ኣባላት ማሕበር “ብጹዓን እያቶም” ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብምኽንያት ናይቲ ማሕበር ምስረታ መበል 50 ዓመት ተቐቢሎም፥ ነቲ ድሕሪ ሓያሎ ዳግመ ውደባታት፡ ካብ ካቶሊካዊ መንፈስ ተሓድሶ ዝተበገሰ ጉጅለ፡ ኣብ 2020 ዓ.ም. ብናይ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሰብ ውፉያንን መናንንያ ማሕበረሰብ ሓዋርያዊ ተልእኾን ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት “ቤተ ክርስቲያናዊ ስድራ ቤት” እያ ብዝብል መጸውዕ ዝገልጾ ብሰበኻዊ ደረጃ ካብ ዝፍለጡ ናይ መጀመርታ ማሕበርሰብ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፥
ህያብ ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን
ነቶም ናይቲ ማሕበረሰብ ወከልቲ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፥ ናይቲ ማሕበረሰብ መንፈሳዊ መስህብ “ንቤተ ክርስቲያንን ዓለም ህያብ” እንክብሉ ገሊጾም፥ ጴንጠቆስጣዊ ተመክሮን ስነ ፍጻሜ ሸነኽን ኣጉሊሖም እቲ ማሕበረሰብ ዝነብሮ መንፈስን ሱታፌን ኩነት ህይወትን ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ገሊጾም፥ እቲ ስነ ፍጻሜ ሸነኽ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ቅዳሴን መዝሙርን ሕውነታዊ ህይወትን ክቐርብ ዝገብር ምዃኑን ከምኡ እውን እቲ ጴንጠቆስጣዊ ተመክሮኡ ድማ ኣብ “ቀጻሊ ምድላይ ሓድነት ምስ ኣምላኽ” ይግለጽ፡ ብቕዳሴን ኣምልኾን ብጸሎትን ኣብ ቀርመለሳዊ ዝገሃድ ትውፊት ከምኡ እውን ኣብ ምስራቓዊ ክርስትያናዊ መንፈሳውነት ብዝሰማማዕ ኣገባብ ቀጻሊ እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሰፊሕን ህብረ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ
ር.ሊ.ጳ. ነቲ በቲ ማሕበረሰብ ብጹዓን እያቶም ዝካየድ “ሰፊሕን ዝተፈላለየን” ሓዋርያዊ ዕዮታት ንኢዶም፡ እዚ ድማ ኣብ ጐደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ብዘሳልጦ ሰብኣዊ ውጥናትን ኣብ ሊጡርጊያን መንፈሳዊ ሱባኤን ዝፍጸም ምዃኑ ገሊጾም። ብፍላይ ንዝተጸገሙ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን ኣካለ ስንኩላን ወይ ብስእነት መግቢ ዝሳቐዩ ሕጻናን ኣባይቲ ስድራን ንጽል ኣዴታትን ኣብ ምሕጋዝ ዘገልግሉ ምዃኖም እውን ብምዝኽኻር፥ “እዚ ኩሉ ንእግዚኣብሔር ንኸነመስግን ምኽንያት እዩ፡ ብፍላይ ድማ ኣብቲ ብጓሓፋይ - ከም ውዳቕ ዝሓስብ ተጠቒምካ ምድርባይ” ብዝብል ኣተሓሳስባን ተግባርን ዝብከል ባህሊ ኣብ ዘስዕቦ ጸገማት ንዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ምግልግላ ዘለኵም ተወፋይነት ዘመላኽት እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥
ምስክርነትኩም መነቓቕሒ እዩ
ቅዱስነቶም ብኣባላት እቲ ማሕበረሰብ ዝተፈጸሙ ካልኦት ሓያሎ ኣገልግሎት ድሕሪ ምጥቃስ፥ “ኣብ ውፉይ ህይወት ዘርእይዎ ተወፋይነትን ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ኣትህብዎ ኣገልግሎት” ከም ዘመስግኖም ገሊጾም፡ ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ኣብ ኣብ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ፡ ኣብ ምድንፋዕ ሰላምን ምክልኻል ሰብኣዊ መሰላትን ዝገብርዎ “ልዑል ኣበርክቶ” ኣመጊኖም፡ “ምስክርነትኩም ንብዙሓት መነቓቕሒ እዩ” ቢሎም፥ ነቶም ኣባላት “ብቕንኣትን ብዘይ ፍርሕን ኣብ ተልእኾኹም ንቕጽሚት ክትብሉን ክትጸንዑን ብሓጎስን ተፋን ብዛዕባ እምነት ክትምስክሩን ንመርሕነት መንፈስ ቅዱስ ወትሩ ርሁዋትን ርሁዋንን ተኣዘዝትን ክትኮኑ እዕድን” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።