ድለ

2023.04.22 Partecipanti al Pellegrinaggio in ringraziamento della Beatificazione di Armida Barelli 2023.04.22 Partecipanti al Pellegrinaggio in ringraziamento della Beatificazione di Armida Barelli  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ብፅዕቲ ኣርሚዳ ባረሊ ትንቢታዊ ምስክርነት ይንእዱ!

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 23 ሚያዝያ 2023 ዓም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳማይ ዓመት ብፅዕና ኣርሚዳ ባረሊ ንምዝካርን ንምምስጋንን ዝተኣከቡ ኣስታት 12 ሽሕ ዝኾኑ ምእመናንን ነጋድያን ሰላምታ ኣብ ዘቅረቡሉ እዛ ብፅዕቲ እዚ ኣብ ሕይወት ሲቪላዊ ማሕበራትን ቤተ ክርስቲያንን ናይ ምስታፍ መሰልን ግዴታን ደቂ ኣንስትዮ ኣብነታዊት ፈላሚት ምዃና ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ንህይወትን ምስክርነትን ቅድስት ኣርሚዳ ባረሊ ንምጽንባል ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ መላእ ሃገረ ጣልያንን ካልእ ዓድታትን ዝተኣከቡ ብኣሽሓት ዝቊጸሩ ፈለስትን ምእመናን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ሰላምታ ምስ ኣቅረቡ እዛ ዝዝክርዋ ብፅዕቲ ብትምህርትን ርእሰ ንቕሓትን እምነትን ንካቶሊካውያን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕያል ዝሰርሓቶ ስራሕን ዘርኣየቶ ተወፋይነትን ኣብነታዊ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ ኩልና ክንስዕቦ ዘሎና ሠናይ ተግባር ምዃኑን ገሊጾም።

ብፅዕቲ ባረሊ መስራቲት ቀዳሞት ጒጅለታት መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ካቶሊካዊ ተግባር ዝነበረት ኮይና፡ ብ1921 ዓም እያ ምስ ካልኦት ብሓባር ኮይና ማለት ምስ በዓል ኣባ ኣጎስቲኖ ጀሜሊ ካብ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ቅዱስ ልቢ ብምዃን፡ ከምኡ’ውን ዓለማዊ ትካል ሚስዮናውያን ንግሥነት ክርስቶስ ዝመስረተት እያ። ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘመን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነበራ ተራን ምስ ደቂ ኣንስትዮ መንእሰያት ዝነበራ ተመኩሮን ምስ ተራ ዓለማውያን፡ ደቂ ኣንስትዮን ምንቅስቓሳትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣኽቢራ ዝሓልፈ ወርሒ ሚያዝያ 2022 እያ ብፅዕነት ተቐቢላ።

ቅዱስነቶም ነቶም ተጋባእቲ ኣብ ዘቅረብዎ ሰላምታ ብፅዕቲ ባረሊ ቀዳመይቲ ኣብነት እትኾኖ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ማበራውን ቤተክርስትይናውን መሪሕነት ኣገዳሲ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ መነባብሮና ብቕዓትን ኣፈጻጽማን ዘወሃህድ ኣብነታዊ ሰብ የድልየና። እንተኾነ እዚ ብቅዓት እዚ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ተራ ወዲ ተባዕታይ ዝተኣሳሰር፡ ምስ ክንክንን ጽን ቢልካ ምስማዕን ሽምግልናን ርክባት ምድንፋዕን ምትእስሳር፡ ዘመልክት ናይ ኣብነታዊ መሪሕነት ባህርያት  ካብ ነዊሕ እዋን ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። እንተኾነ ነዚ ብዝምልከት ናይ ጓል ኣንስተይቲ ፍሉይ መሰልን ክእለትን መብዛሕትኡ ግዜ  ኣትሒትካ ዝረአን ኣብ ግምት ዘይኣቱን ነበረ። እንተኾነ ተራ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ መዳይ እዚ ምሕያል እዋናውን ኣገዳስን እዩ።

ደቂ ኣንስትዮ ምሕያል!

ቅዱስነቶም ነቲ ምስ ብፅዕቲ ባረሊ ኮይኖም ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባር ዝመሥረቱ ኣባ ኣጎስቲኖ ጀመሊ ዘቆምዎ  ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ቅዱስ ልቢ  ኣመልኪቶም ኣብ ዕለቱ መበል 99 ዓመት ምሥረታኡ ኣብ ዝዝከረሉ ዕለት ብፅዕቲ ባረሊ በቲ መካነ ጥበብ እቲ ኣቢላ ኣብ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ከማኡ እውን ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቊጸሩ መንእሰያት ማሕበራዊ ንቅሓተ ሕልና ንምፍጣር ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝገበራ ብምምልካት እቲ ኣበርክቶ ኣባኡ ጥራይ ከይተሓጽረ ቀጺሉ፣ ብፍላይ ድሕሪ ምዝዛም  ኲናት ዓለም እታ ሃገር ብመሰረት ዲሞክራስያዊ መስርሕ ዳግመ ህንጸት ምስ ኣድለየት ርኡይ ኮይኑ፣ ምስ በሉ ኣብዚ ሕጂ እውን ከምዘድሊ ከምዚ ክብሉ ኣዘኻኸሩ።

ሎሚ’ውን ብእምነት ተመሪሐን ኣብ መንፈሳዊ ህይወት፡ ኣብ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ምልክት ክገብራ ዝኽእላ ደቂ ኣንስትዮ የድልየና ኣለዋ።

ናይ ሓጎስ ሃዋርያ!

ቅዱስነቶም ምስዚ ብምትሕሓዝ ብፁዕት ኣርሚዳ ባረሊ ከም ሃዋርያ ኣብ ኩሎም ዘሕደረቶ ጽልዋ እውን ዘኪሮም። ብፍላይ ምስ ካቶሊክ ተግባርኣ ዝሰርሓቶ ስራሕ ብምጥቃስ፡ ስርሓ “ሰባት ንነብሶም ብትሕትናን ብፈጠራን ተበግሶን ንፍቓድ ኣምላኽ ብምቅባል ተኣዘዝትን ክኾኑ ከለዉ፡ ከመይ ገቢሮም ዓበይቲ ነገራት ከም ዝፍጽሙ” ዘርእየና ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ገሊጾም።

ታሪኽ ህይወታ፡ ከም ጨንፈር ወይኒ፡ ምስ ጉንዲ ወይኒ ዝኾነ ጐይታ ጠቢቃ ክትጸንሕ ኣብ ምድላይ ዓቢ ጽንዓት ከም ዝነበራ ዝገልጽ ኮይኑ፡ እዚ ከኣ ነዚ ተመክሮ እዚ ንብዙሓት ካልኦት ከተካፍል ዝነበራ ድሌት ዘርኢ እዩ።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ኣርሚዳ ዝጸሓፈቶ ብምዝካር ንመንእሰያት ደቂንስትዮ ኣብ ኢጣልያ ንምምስራት ር.ሊ.ጳ ንዘቕረብዎ ሓሳብ ድሕሪ ምቕባላ፡ ‘ድሕሪ ሕጂ ናይ ገዛእ ርእሳ ከምዘይኮነት’፡ ናይ ገዛእ ርእሳ ህላወ ንኻልኦት ህያብ ክትገብር ከምዘለዋ፡ ኪኖ ድሩትነታን ዘይፍጽምናኣን ንሳ ንባዕላ እቲ ተልእኮ ብዓንዲ ርእሱ ምዃና ከምዝተሰምዓ፣” ብምዝኽኻር ነቶም ኣብቲ ቅርዓት ዝነበሩ ኩሎም ከም ሃዋርያት ሓጐስ ብሓጐስ ክነብሩ ዓደሙ።

ብምቅጻል ከኣ ሓዋርያት ምዃን ማለት “ብዛዕባ ወንጌልን ሕይወትን ኒሕ ዘለዎም ዓለማውያን ደቂተባዕትዮን ዓለማውያን ደቂ ኣንስትዮን ምዃን፡ ማለት ኮይኑ ንሰናይ መንባብሮ ናይ ኩሉ ምሕላይን ንዝያዳ ፍትሓዊ፡ ዝያዳ ሓቛፊ፡ ዝያዳ ስሙር ሕብረተሰብ ንምውፋይ ናይ ሕውነት መገድታት ምህናጽ” ማለት እዩ። ከምኡ’ውን ከምቲ ኣርሚዳ ባረሊ ዝገበረቶ፡ ነዚ ብሓባር “ኣብ ዓውድታት ቁጠባ፡ ባህሊ፡ ፖለቲካ፡ ኣብያተ ትምህርትን ስራሕን፡ ቀጻሊ ቆላሕታ ንንኣሽቱ፡ ንተጽጉማት ድኻታትን” ምግባር ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ክውን ዝገብሩ ዓለማውያን ማሕበራት ምቋም የድሊ ኢሎም።

ዓለማውያን ተቊዋማት!

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ ነቲ ብፅዕቲ ኣርመዳ ባረሊ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ መበል 12 ኣብ ናይ 1947 ሓዋርያዊ ቅዋም ‘ፕሮቪዳ ማተር ኤክለዝያ’ እትብል ሓዋርያዊ ቅዋም ዝእውጅዎ  “ሚስዮናውያን ንግስነት ክርስቶስ” ዝመስረተቶ እሞ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ሱርነቀላዊ ምርጫ ኮይኑ፡ ትንቢታዊ ምልክት ኮይኑ ክሳብ ሎሚ ይቅጽል ከምዘሎ ከምዚ ክብሉ ንዓለማውያን መንፈሳውያን ተቊዋማት ዘለዎም ኣድናቆት ገለጹ።

ብዓለማዊ መንፈሳዊ ተቊዋም በዓል ውፉይ ሕይወት ምዃን ኣብ ዓለም ከም ዓለማውያን ሰባት ናይ ምንባር ሓድሽ ኣገባብ እዩ: ኣብ ውሽጢ ዓለም ኰንካ ንዘርኢ ቃል ብመንጽር ታሪኽ ከለልዩ ዝኽእሉ ዓለማውያን ሰባት: ከም ማይ ብሑቝ ካብ ውሽጦም ህያው ንምግባር ቃል ዝኣተዉ: ንዘርኢ ሠናይ ነገራት ኣብ ምድራዊ ክውንነት ከምዝህልው፡ ከም መቕድም ናይታ እትመጽእ መንግስቲ ኣምላኽ ኮይኖም፡ ኣተባባዕቲ ሰብኣዊ ክብርታት፡ ሰፈይቲ ዝምድናታት፡ ስቕታውያንን ንጡፋትን መሰኻኽር ወንጌላዊ ለውጢ እዮም” ኢሎም።

ንቃላት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምዝካር እውን “ኣብ ግቡእ ጸዋዕታኦም እሙናት እንተኾይኖም ዓለማውያን መንፈሳውያን ተቁዋማት ከም ቤተ ክርስቲያን ምስ ዓለም ዘለዋ ርክብ ጭቡጥ ኣገባባት ዘረጋግጸሉ ቤተ ፈተነ ክኸውን እዩ” ምስ በሉ ነተን ኣሓት ከምዚ ክብሉ ኣተባብዕወን።

ናትክን መንፈሳዊ ተቊዋም እውን ክቡራት ኣሓት ንደቂ ኣንስትዮ ዝኸውን ዓለማዊ መንፈሳዊ ተቊዋምት እዩ፣ እዚ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ዓለምን ዘለወን ፍሉይ ጸዋዕታ ዘጒልሕ እዩ።  ብጽእቲ ኣርሚዳ፡ ዘቅረበቶ በዓል ውፉይ ሕይወት ምዃን ማለት “ሓዳስ’ ሰበይቲ ምዃን ኰይኑ እዚ ግን፡ “ሕግብግብ ክትብለሉን ንጐድኒ ክተጽንሖን ዘይኰነስ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽ ክትለኣኽ፡ ምሉእ እምነት ብምሃብ፡ ኣብ ዝተቐደሰ ሕይወት ንምንባር ዝቀረበ ኣብነታዊ መንባብሮ እያ ዘቅረበት’ ኢሎም።

ምልክታት ዘመን ናይ ምንባብ ዓቕሚ!

ቅዱስነቶም ካብቲ ንብፅዕቲ ባረሊ ዘድንቅሉ ዓበይቲ ጉዳያት ሓደ ንምግላጽ “ኣርሚዳ ምልክታት ግዜኣን ኣዝዩ ህጹጽ ድሌታትን ከተንብብ ክኢላ እያ: ንመንፈሳውነት ዳግማይ ሓልዮት ከምዘድሊ ሓሲባ፤ ንመንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ዝወሃብ ስልጠናን ጻውዒት ተወፋይነትን ኣዋዲ፤ ብዛዕባ እቲ ናይ ትምህርቲ ብድሆን ሕልሚ ካቶሊካዊ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኢጣልያን ሒዛ፤ ካብ ርግጸኝነት ኣድማሳውነት መልእኽቲ ክርስቶስ ጀሚርካ ብዛዕባ ዓለም ዘሎዋ ኒሕ ኣርእያ። እዚ ድሌታት እዚ ንኣርሚዳ ባረሊ፡ መሰረት ተወፋይነታን ተልእኾኣን እዩ ነይሩ” ኢሎም።

ምስዚ ኩሉ ከኣ እዛ ሰብ እዚኣ ንዘመነ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣቐዲማ ብዝገመትቶ መንገዲ ክትብል ብዘድፍር ኣገባብ “ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን መንእሰያትን ዓበይትን ዓለማውያንን ውሉደ ክህበትን ኩሎም ብሓባር ንሓዋርያዊ ዕላማ ቤተ ክርስቲያን ዝሰርሑሉ ማሕበረሰባዊ ቅዲ ኣብ ግብሪ ከምዝውዕል ዝገበረት’ ሰብ ምንባራ እውን ከምዚ ክብሉ ዘከርዋ።

ኣርሚዳ ሎሚ ኣብዚ ክትዛረብ ዕድል እንተትረክብ፣ ንጐይታ ገዛእ ርእስና ምሉእ ብምሉኡ እንተ ኣወፊና ምንም ዘይከኣል ነገር ከምዘየለ ምነገረትና። ንርእስና ንዕኡ ምውፋይ ማንም ልኡኽ እንደራሴ ዘይኮነስ ንተስፋን ተግባርን ብርታዐን ድርኺትን ዝህብ ናይ እምነት ተግባር እዩ ምበለትና ኢሎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 Apr 2023, 14:01