ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኣስተንትኖ ጸሎት ንግስተ ሰማይ፥ ሕጉሳት ኣብሰርቲ ወንጌል ንኹን!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰኑይ ዘመልኣክ ዕለት 10 ሚያዝያ ካብ ውሽጥ ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም፥ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣሞርኩይዞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፥ እተን ኣብ ወንጌል ዝንገረለን ኣንስቲ ብስራት ትንሳኤ ጐይታ ቀልጢፈን ዘበሰራ፥ ንኢየሱስ ኣብ ምምስካሩ ከም እንረኸቦ ይምህራና ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ቅዱስነቶም ነቶም ኣብቲ ጸሎት ንግስተ ሰናይ ዝሓበሩ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ሰላምታኦም ምስ ኣቕረቡ፥ ቅድስተ ማርያም ንግስተ ሰማይ፡ ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ሞት ዝረኸቦ ዓወት ተዘኻኽረና፡ ነቲ ባዶ መቓብር ረኺበን ምስቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስአ ኢየሱስ ዝራኸባ ደቂ ኣንስትዮ ደቀ መዛሙርቲ ዘዘንትው ናይ ሎሚ ወንጌል፥ እተን ኣንስቲ ቀዳሞት ናብ መቓብር ንኢየሱስ ክደልያ ዝኸዳ “ቀዳሞት ብስራት ትንሳኤ ኢየሱስ ንኽእውጃ ዝተላእካ እያተን።”
ትብዓትን ፍቕርን
ደቀ መዛሙርቲ፥ ድሕሪ ስቓይን ሞትን ኢየሱስ ገና ኣብ ሓዘን ከም ዝነበሩን እንተኾነ ጓሂ ይኹን ፍርሒ እውን እንተነበሮም ቅዱይ ቅብኢ ሒዞም ናብ መቃብር ከይዶም ንኣካላት ኢየሱስ ንኽቐብኡ ከም ዝኸዱን . . . እዚ ኸኣ ናይ ፍቕርን ዝኽርን ምልክት ምዃኑ ገሊጾም . . . “በዚ ትብዓትን ፍቕርን እዚ ድማ ንፍርሖምን ጓሂኦምን ስዒሮም ምስቲ ዝተንስኤ ኢየሱስ ንኽራኸቡ ይመርሖም።”
ጎይታ ኣብ መንጎና እዩ
ነቲ መቓብር ባዶ ምርካብ፡ ነተን ኣንስቲ ነዚ ዘደንቕ ብስራት ትንሳኤ ንኻልኦት ደቀ መዛሙርቲ ክነገራ ክጎያ ይድርኸን . . . ድሕሪኡ ኢየሱስ ኣብ መገደን ይራኸበን!
ንጎይታ ክንእውጅ እንኮለና ጎይታ ንኽራኸበና ናባና ይመጽእ!
ሓደ ሓደ ግዜ ንእግዚኣብሔር ኣብ ገዛእ ርእስና ዓጺና ምሓዝ ንዕኡ እነቕርቦ ኮይኑ ይስምዓና፡ ብግልጺ እንተተዛሪብና ሰባት ክፈርዱና ክነቕፉና ወይ ክፍተታተኑና ይኽእሉ እዮም እሞ ከመይ ጌርና ድማ ክንምልሰሎም ኣይንፈልጥን ዝብል ፍርሒ ዘንቅሎ ምርጫ እውን ክኸውን ዝኽእል እዩ፡ ስለዚ ኣብ ውሽጥና ከነትርፎ ዝበለጸ እዩ ንብል። የግዳስ ብዛዕባ ጎይታ ንኻልኦት ክንነግር ምውጻእ ንጎይታ ኣብ መንጎና ክርከብ ይገብሮ . . .
እተን ኣንስቲ ነዚ እየን ዝምህራና፡ ንኢየሱስ ኣብ ምምስካሩ ኢና እንራኸቦ!
ሓድሽ ቃል ብስራት ኣባና ህያው እዩ
ቅዱስነቶም ቀጺሎም፥ ነቲ ብስራት ንኻልኦ ምክፋል ኣባና ህያው ከም ዝገብሮ ከብርሁ እንከለዉ፥ ውልደት ሓደ ህጻን ወለዱ ምስ ቤተ ሰቦምን ፈተውቶምን ዘካፈልዎ ሓጎስ እዩ፡ ብዛዕባኡ ንሰባት ብምንጋር ድማ እቲ ብስራት ኣባና ህያው ይኸውን። . . . “ንኢየሱስ ብዘይ ደረት ዝያዳ ክኸው ኣለዎ፡ ንሱ ብስራት ጥራይ ዘይኮነስ “ህይወት፥ ትንሳኤን ህይወትን እዩ!”
ነዚ ኣዋጅ እዚ ብደዓያትን ብምስዳዕን ዘይኮነስ ብኽብርን ብፍቕርን ኢና እነበስሮ፡ ከምዚ ክኸውን እንከሎ እቲ ዝጸበቐ ህያን ዝኾነ ምስጢረ ሃሴት መካፍል፡ ሽዑ ድማ ኢየሱስ ዝያዳ ኣባና ይሓድር!
ምስኡ ድሕሪ ምርኻብና ንጎይታ ካብ ምእዋጅ ዝዓግተና የሎን ቢሎም፥ . . . “ነዚ ተዘክሮ እዚ እንተዘየካፊልና ምናልባት ገና ብሓቂ ኣይተራኸብናዮን ኣሎና ማለት እዩ። ብዛዕባ ኢየሱስ መዓስን ብኸመይን ንምስክር ንርእስና ክንሓትት ይግባእ እንክብሉ ምዒዶም፥ ካልኦት ምስ ጎይታ ከም ዝተራኸብና እንተተረዲኦም፥ ንሳቶም እውን ንኽፈልጥዎን ንኽራኸብዎን ኣስተንፎ ይኾኖም፥
ነዴና ቅድስተ ማርያም ሕጉሳት ኣብሰርቲ ወንጌል ክንከውን ክትሕግዘና ንለምን!
ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ምስ ኩሎም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ተረኽቡ መንፈሳውያን ነጋዶ ብሓባር መሪሖም ከም ዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።