ር.ሊ.ጳ.፥ ውግእ ንናይ ፋሲካ መልእኽቲ ብምጽራር ሞትን ንህልቂትን ይዘርእ ኣሎ!
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነተን ዕለት 16 ሚያዝያ በዓለ ትንሳኤ ዘኣግዚእነ ዘብዓላ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ኣቢያተ ክርስቲያን ሰላምታኦም ኣመሓላሊፎም፡ ብፍላይ ኣብዚ ብዙሕ ውግእን ሁከትን ኣብ ዝረኣየሉ ዓለም፡ ብፍላይ ንሩሲያን ዩክረይንን እናሓሰቡ ቅርበተይ አረጋግጽ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ዕለት 16 ሚያዝያ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮምን መሪሖምን ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ “ንዅሎም ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍላይ ኣብ ምብራቕ ክፋል ዓለም በዓለ ፋሲካ ተብዕሉ ንዘለኹም ቅርበትይ ክገልጽ እፈቱ። ፍቑራት፡ ትንሳኤ ጎይታ ምሳኹም ይኹን ብቕዱስ መንፈሱ ይምላእኩም! ርሑስ በዓለ ፋሲካ ንዅሉኩም! - ቢሎም - እቲ ዘሕዝን ምስቲ ናይ ፋሲካ መልእኽቲ ዝጸረር ውግእ ይቕጽል ምህላዉ እዩ፡ ብዘስካሕክሕ መገዲ ድማ ሞት ይዘርእ ኣሎ!”
ብዛዕባ እቲ ዘሎ ግፍዒታት ዝስምዓና ሓዘን ንገልጽ ነቶም ግዳያት ድማ ንጽሊ፡ ዓለም ድሕሪ ደጊም እቲ ካብ ሞት ዝተንስኤ ብጸጋኡ ዝህቦን ዝሓደሶን ሕይወት እምበር እቲ ብኢድ ሰብ ዝፍጸም ራዕዲ ዓመጽ ሞት ከይትነብር መታን ንኣምላኽ ንለምኖ!
ጸሎት ንሩሲያንን ዩክሬይንን
ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም፥ ነቶም ዕለት 16 ሚያዝያ በዓለ ፋሲካ ንዘብዓሉ ማሕበረሰብ ክርስቲያን ሩሲያን ዩክሬይንን ኣሕዋትናን ኣሓትናን እውን ብፍሉይ እናሓሰቡ፥ “እግዚኣብሔር ምሳኻትኩም ይኹን ሰላም ንኽትገብሩ ድማ ይሓግዝኩም” እንክብሉ ከም ዝጸለዩን፥ እቲ ቅዱስነቶም ዘቕረብዎ ናይ ሰላም ጻዋዒት እቲ ውግእ ካብ ዝባራዕ መበል 417 መዓልቲ ኣብ ዘቑጽረሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ እውን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።