ድለ

2023.04.02 ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ጽኑዕ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ሓድነት ይሃልወና! 2023.04.02 ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ጽኑዕ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ሓድነት ይሃልወና!  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ሰሙነ ሕማማት ኣብ ጽኑዕ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ሓድነት ይሃልወና!

ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት እዚ ኣብ ጽዑቕ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ንጠርነፍ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 2 ሚያዝያ ንበዓለ ሆሳዕና ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ዝተረኽብሉ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ንኹሎም ኣብቲ ጸሎት ንዝሓበሩ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ኩሉ ሰብ ብፍላይ ንዩክሬይን ብምዝካር ምእንቲ ኩሎም ኣብ ኲናት ዝርከቡ ህዝብታት ሰላም ኣብ ጸሎት ጥርኑፋት ክንከውን ሓቲቶም፥ “ኣብ ሰሙነ ሕማማት ምእንቲ ሰላም ንዝጽልዩ ኩሎም አመስግን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ንዅሎም ነቶም ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ሆሳዕናን ኣብ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔርን ንዝሓበሩ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታን ምስጋናን ኣቕሪቦም፥

ምእንቲ ምርኻብኩምን ከምኡ እውን ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት ስሌይ ምእንቲ ጽኑዕ ጸሎትኩምን አመስግን የቐንየለይ እብል፥

ቢሎም፡ ኣብ ዝሓልፉ መዓልታት ካብ ኢጣሊያ ናብ ዩክረይን ምእንቲ ዝተበገሰ ናይ ሰላም ቃፍላይ እባርኽ፥ እዚ መደብ እዚ ማሕበር ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ዝተፈላለያ ኣብ ምዕባለ ንዝርከባ ሃገራት ዝሓልያ ናይ ኢጣሊያ ዘይመንግስታውያን ግብረ ሰናይ ማሕበራት ንምዕባለ ዝጥርንፍ ማሕበርን ምእንቲ ንክርስቲያናዊ ስልጣነን ሰላመ ክርስቶስ ከምኡ እውን ዝተፈላለያ ካልኦት ማሕበራት ዘሳተፈ ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እዚ ህብዚ ኢጣሊያ ምስ ህዝቢ ዩክሬይን ዘለዎም ቅርበት ዝምስክር እዩ፥

ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት እዚ ኣብ ጽዑቕ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ንጠርነፍ

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመላኺቱ፥ ኣብዚ ሰሙነ ሕማማት ኣብ እንጅምረሉ ዘሎና እዋን፡ ነዚ ግዜ እዚ ከምቲ ትውፊት ቅዳስ ህዝበ እግዚኣብሔር ዝምህረና ክንነብር ይግባእ፡ እዚ ማለት ድማ ንጐይታ ኢየሱስ ብእምነትን ፍቕርን ምስናይ ማለት እዩ፡ ነዚ መንፈስ እዚ  ኩሉ ሰብ ካብ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክመሃር ድማ እዕድም፡ ንሳ ንወዳ ኢየሱስ ብቐረባን ብምሉእ ልባን ሰዓበቶ፥

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብቶም ዝሳቐዩ ዝተረስዑ ዝተናዕቁን ዝተደርበዩን ሰባት ህልው ንዝኾነ ኢየሱስ ቀረባ ክንከውን ትሓግዘና፡ ኩሉ ሰብ ናብ ፋሲካ ገጹ እናማዕደወ ሰናይ ጉዕዞ ክገብር እምነ!

እንክብሉ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ከም ዝዛዘሙ ኣፍሊጡ።

03 Apr 2023, 15:50