ድለ

2023.04.09 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ፋሲካ፥ ሞት ተሳዒሩ! 2023.04.09 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ፋሲካ፥ ሞት ተሳዒሩ!  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ፋሲካ፥ ሞት ተሳዒሩ!

. . . ፋሲካ ንዅላትና ክርስቲያን “ናይ ስዕረት ስምዒት ገዲፍና ነቲ ብዙሕ ግዜ ተስፋና እንኣስረሉ እምነ መቓብራት ክንኣልይ፥ ንመጻኢ ክንጥምት ይግባእ”

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያ ዕለት 9 ለካቲት እቲ ኣብ ሊጡርጊያዊ ዓመት ኣዚዩ ባህ ዘብል በዓለ ትንሳኤ ዘእግዚእነ ኣብ እተብዕለሉ ዕለት፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ሰሪዖም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ልዕሊ 45 ሺሕ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዘአንገደ እቲ ካብ 1985 ዓ.ም. ኣትሒዙ ሆላንዳውያን ብዕባባታት ኣብ ዝሰለምዎ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅዱስነቶም ሰንበት ፋሲካ ኣብ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥

ክርስቶስ ተንስኣ እሙታን

ስዕረት ሞት

. . . ፋሲካ ንዅላትና ክርስቲያን “ናይ ስዕረት ስምዒት ገዲፍና ነቲ ብዙሕ ግዜ ተስፋና እንኣስረሉ እምነ መቓብራት ክንኣልይ፥ ንመጻኢ ክንጥምት ይግባእ” እንክብሉ ዓዲሞም. . . ኢየሱስ ብትንሳኤኡ ኣንፈት ታሪኽ ቀይርዎ እዩ!

ቅዱስነቶም ድሮ ኣብ ዋዜማ ፋሲካ ነቲ ኢየሱስ ዝተቐብረሉ መቓብር ዝበጽሓ ኣንስቲ ዘጋጠመን ዘገርም ሓጎስ ዝፈጠረለን ኢየሱስ ካብ ሙታን ተንሲኡ እዩ ዝብል መልኣኽ ዝነገረን ብስራት ኣማእኪሎም ስበከት ከም ዝለገሱ ዝዝከር ኮይኑ ኣብ ሰንበት ፋሲካ ነዚ ከነስተንትን ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

2023.04.09 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ፋሲካ፥ ሞት ተሳዒሩ!
10 Apr 2023, 11:01