ድለ

2022.06.05 ስክፍታታት ብዛዕባ ስምምዕ ምዕጋት ዓመጽ ኣብ መበል 25 ዝክረ ዓመት 2022.06.05 ስክፍታታት ብዛዕባ ስምምዕ ምዕጋት ዓመጽ ኣብ መበል 25 ዝክረ ዓመት  (Vatican Media)

ስክፍታታት ብዛዕባ ስምምዕ ምዕጋት ዓመጽ ኣብ መበል 25 ዝክረ ዓመት

ኣብ መንጎ ምስ ኣየርላንድ ክጽንበሩ ዝደልዩ ሃገራውያን ረፓብሊካውያንን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝብሉ ማሕበር ሰራሕተይናታት ዝነበረ ውጥረት፡ ካብ 1960 ክሳብ 1990 ዓ.ም. ዝጸንሐ ደም ምፍሳስ ከም ዝወለደን፡ በቲ ብዝነበረ ግጭትን መጥቓዕትን ናይ ልዕሊ 3,500 ሰባት ህይወት ከም ዝጠፈአን፡

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 10 ሚያዝያ ድሕሪ ዕለት 9 ሚያዝያ ሰንበት በዓለ ፋሲካ ሰኑዕ ዘመልኣክ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ መንፈሳዊ ጉባኤ ካብ ሓዋርያዊ መስኮቶም ኮይኖም መሪሖም ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፥ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ንዝፍጸም ዓመጽ ደው ንምባል ከም ሎሚ ቅድሚ 25 ዓመት ኣብ መዓልቲ ዓርቢ ስቕለት ዝተፈረመ “ስምምዕ ኣርቢ ስቕለት” ብዝብል መጸውዕ ዝፍለጥ፥ ንመላእ ህዝቢ ኣየርላንድ ዝጠቅም፡ ብሪጣንያ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ምውጻእ ስዒቡ ነቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ውጥረት ክለዓዓል ይኽእል ዝብል ስክፍታ እናሓሰቡ፥ ትግባሬኡ ውሑስ ክኸውን ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብዛዕባ እቲ ስምምዕ ስክፍታታት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን፡ እቲ ስምምዕ ዓርቢ ስቕለት ንኹሉ ዘርብሕ ምዃኑ ገሊጾም፡ ትግባሬኡ ውሑስ ክኸውን ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ እቲ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ንሰለተ ዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ኑፋቔኣዊ ግጭትን ኣብ መሬት ብሪጣንያ ዝፍጸም ሽበራዊ መጥቃዕቲ ከብቅዕ ዝገበረ ስምምዕ ኮይኑ፡ እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተሰረተ ውግእ ድሕሪ ልዕሊ ሸሞንተ ዘመናት ምሕደራ እንግሊዝ፡ ኣየርላንድ ኣብ 1922 ዓ.ም. ናጽነታ ከም ዝረኸበት ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ኣብ መንጎ ምስ ኣየርላንድ ክጽንበሩ ዝደልዩ ሃገራውያን ረፓብሊካውያንን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝብሉ ማሕበር ሰራሕተይናታት ዝነበረ ውጥረት፡ ካብ 1960 ክሳብ 1990 ዓ.ም. ዝጸንሐ ደም ምፍሳስ ከም ዝወለደን፡ በቲ ብዝነበረ ግጭትን መጥቓዕትን ናይ ልዕሊ 3,500 ሰባት ህይወት ከም ዝጠፈአን፡ እዚ ደማዊ ግጭት እዚ ከብቅዕ ብዓቢ ድላይ ዋሽንግተን ዝተበጽሐ መበል 25 ዓመት ዘቑጽር ዘሎ ብመንግስቲ ለንደንን ዳብሊንን ተቐባልነት ዝረኸበ ”ስምምዕ ዓርቢ ስቕለት” ነቲ ጸገም ኣይፈተሖን ገለ ገለ ሰባት ኣየርላንድ ኣካል ዓባይ ብሪጣንያ ክትከውን ዝደልዩን ገለ ገለ ሰባድ ድማ ስሙር ኣየላንድ ኣካል ክኾኑ ዝደልዩ እያቶም፥ እቲ ስምምዕ ነዚ ጸገም እዚ ምሉእ ብምሉእ ኣይፈተሖን፡ ይኹን እምበር እቲ ዝነበረ ምፍሳስ ደም ደው ዘበለ እዩ።

ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 2020 ዓ.ም. ድሕር 47 ዓመታት ኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ካብቲ ሕብረት ድሕሪ ምውጻኣ እቲ ስምምዕ ዓርቢ ስቕለት ናብ ወጥሪ ገጹ የብል ምህላዉ ርኡይ ከም ዝኾነን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድሕሪ ጸሎተ ንግስተ ሰማይ፥ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ስምምዕ ዓርቢ ስቕለት ምዃኑ ብምዝኻር እቲ ስምምዕ ክቕጽልን ንረብሓ ኩሎም ዘደልድል ስምምዕ ክኸውን በማላድነት ንግስተ ሰማይ ምእንቲ ሰላም ናብ ኣምላኽ ንጸሊ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

11 Apr 2023, 14:53