ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ኣብ ሱዳን ዓመጽ ከብቅዕ ጻውዒት የቕርቡ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰንበት ዕለት 23 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ኣስተንትኖ ጸሎተ ንግስተ ሰማይን ለጊሶም ብሓባር መሪሖም ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ደጊሞም ምስ ኣብቅዑ፥ ኣብ ሱዳን ዓመጽ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ዩክሬይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከብቅዕ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን ኣስዒቦም እውን ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ንዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ጸሎት መእመናን ከይፍለዮ ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት በቲ ኣብ ሱዳን ተባሪዑ ብዘሎ ሓድሕዳዊ ግጭት ምኽንያት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱን ካልኦት በሻሓት ዝቑጸሩ እውን ከም ዝቖሰሉን ዝዝከር ኮይኑ፥ እቲ ኣብ መባእታ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ መንጎ ስሩዕ መደበይና ሰራዊት ሱዳንን ናይ ሕጹጽ እዋን ሓደጋ ኣባላት ሓውሲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይታ ሃገር ስልጣን ንምሓዝ ዝተበገሰ ሓድሕዳዊ ግጭት ከብቅዕ ር.ሊ.ጳ. ዕለት 23 ሚያዝያ ደጊሞም ጻውዒት ከምዘቕረቡን፥
ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ሓንጋሪ
ቅዱስነቶም ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከብቕዕ ድሕሪ ዘቕረብዎ ጻውዒት ካብ ዕለት 28 – 30 ሚያዝያ ኣብ ሃንጋሪ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መግሻ ብምዝኽካር፥ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ዩክረይን ኲናት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ናብ ማእከል ኤውሮጳ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ መገሻን ብዙሓት ካብ ዩክረይን ዝተሰዱ ዜጋታት ኣብ ዝርከቡላን ብኣኣ ኣቢሎም ናብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ንዝተሰደዱን መተሓልልፎ ዝኾነትን ሃገር ዘካይድዎ ምብጻሕ ብምዃኑ እውን፡ ብፍሉይ ሰብኣዊ ጒዳይ ዝምልከት እውን ምዃኑ ብምዝኽካር፡ ምስ ህዝቢ ሃንጋሪ ንኽራኸቡ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ከምዘለዉ ሓብሮም፡ ነቶም ነዚ ምብጻሕ እዚ ክኡል ክኸውን ንዘገልገሉን ኩሎም ኣመስጊኖም፥ ክሳብ ሕጂ በቲ መዕለቢ ዘይረኸበ ውግእ ንዝሳቐይ ዘሎ ህዝቢ ዩክሬይን ሓደራ ኣይንረስዕ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
መዓልቲ መሬት
ኣስዒቦም ቅዱሰነቶም ዕለት 22 ሚያዝያ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መሬት ኣብ መላእ ዓለም ተዘኪሩ ከም ዝወዓለ ኣዘኻኺሮም፥ “ንፍጥረት ንምሕብሓብ ዝግበር ተወፋይነት ወትሩ ነቶም ኣብ ድኽነት ዝርከቡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ምስ ዝግበር ኣድማዒ ምትሕግጋዝ ክተኣሳሰር ተስፋ እገብር” ቢሎም፥ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ንዝኣወጀትሎም ፈረንሳውያን ሰማእት እምነት ሄንሪ ፕላኻትን ላዲስላስ ራዲጐን ብጾቶምን ዘኪሮም፥ እዞም ኣብ 1871 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ብዝነበረ ስርዓት ተጻይ እምነት ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ “ብሓዋርያዊ ቅንኣት ዝተነቓቕሑ” እንክብሉ ዘኪሮም፡ ናይዞም ሓደስቲ ብጹዓን ኣብነት ህያው እዩ ቢሎም፡ ኣብ መወዳእታ፥ እዚ ኣብ ኢጣሊያ ዝዓበየ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ፥ “ፍልጠት፥ ብድሆታት ናይ ሓድሽ ሰብኣውነት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣምሪሑ የብዕሎ ምህላዉ ዘኪሮም፡ ኣብ ኢጣሊያ ዓቢይ ካቶሊካዊ መንበር ጥበብ ቅዱስ ልቢ፥ ብመንፈስ መስረትቱ ብፍላይ በታ ቅድሚ ሓደ ዓመት ቤተ ክርስቲያን ብጽዕና ዝኣወጀትላ መንእሰይ ኣርሚዳ ባረሊ ጽንዓት እምነት ተመሪሑ እዋናዊ ሰብኣዊ ብድሆታት ክገጥም” ሓደራ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።