ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ዓቢይ ጾምን፥ ተጋድሎ ሰናይ ንምግባር ይሃንጽ
ብዛዕባ ሚስጢረ ንስሓ ምዝውታር ዝቐርቡ ሕቶታት ኣብ ቃላት ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብዙሕ መልሲ ንረኽበሉ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቅድሚኦም ዝነበሩ በነዲክቶስ መበል 16ን ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ጳውሎስ ሻድሻይን ዮሓንስ መበል 23ን ገለ ካብ ስልጣናዊ ትምህርትታቶም ዝቐርብ ኣስተንትኖ ከምዚ ዝስዕብ ኣሕጽር ኣቢልና ንመልከት፥
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
እቲ ኣብ ርእሲ ሓሙኹሽቲ ብምንስናስ ኣሃዱ ዝብል ጉዕዞ ዓቢይ ጾም ሰለስተ ብቑዓት ባእታታት ኣለዎ፥ ጾምን ምጽዋትን ጸሎትን ዝብሉ ድማ እያቶም። ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ግዜ ዘዘኻኽሩና፥ ኣብነት ሕያዋይ ሳምራዊ ብምስዓብን ብምንባርን ዝኽወኑ እያቶም። ልዙብ ኣነባብራ እንተድኣ ተኸቲልና፥ “ዘይባኽን ዘይድርበን ሕይወት” ኣብ ምንባር ዋጋ ይህልዎ።
ጐይታ እንታይ ዓይነት ጾም እዩ ዝደሊ?
ዓቢይ ጾም፥ ንተጋድሎን ንስሓን ቦታ ዝህብ ፍሉይ ግዜ እዩ። ኣምላኽ ግና ካብ ሰብ እንታይ ዓይነት ጾም እዩ ዝደሊ? ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ሕቶ እዚ ዕለት 16 ለካቲት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ እዚ ሕቶ እዚ “ምርጫ መግቢ” ጥራይ ዘይኮነስ ሓደ ሰብ “ትሕትናን ጽንዓትን ዘለዎ ኣነባብራ ክነብር ዝብል እውን እዩ። ንሓጢኣትካ ኣፍልጦ ንምሃብን በዚ ድማ ገዛእ ርእስኻ ንምእራምን እዩ። ርእስኻ ትሕት ምባል። ብዛዕባ ሓጢኣትካ ምሕሳብ እቲ ጐይታ ዝደልዮ ጾም ሓቀይናን ቅኑዕን ምዃኑ ዝነግረና ቅዱሳት መጻሕፍቱ እነንብበሉ ዕድል” ምዃኑ የጉልሑ። ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ለካቲት 2023 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ናይ ለምዘበን ዓቢይ ጾም ንኸበግሱ ኣብ ዝሰርዕዎ ሓሙኹሽቲ ኣብ ርእሲ ናይ ምንስናስ ስነ ስርዓት ዘስምዕዎ ስብከት፥ “ጾም ንልብና ኣገዳስን ሓላፍን እንታይ ምዃኑ ክዝክር ዝድርኽ ሓያል እዋን እዩ” እንክብሉ የዘኻኽሩ።
ጾም እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ?
ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም ንዓና ክርስቲያን “ነቲ ጠቓሚና ዝኾነ መግቢ ምጿም እንታይ ትርጒም ከም ዘለዎ ገዛእ ርእስና ንሕተት። በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2009 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ንትምህርትታትን ቅዱሳት መጻሕፍትን ንክርስቲያናዊ ልምድታትን ከምዚ ብምባል ይዝክርዎ፥ “ጾም ካብ ሓጢኣትን ናብ ሓጢኣት ካብ ዝመርሑ ነገራት ንምርሓቕ ብዙሕ ከም ዝሕግዝ ዝምህረና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ድሕነት ጾም ብተደጋጋሚ ንኽንፍጽም እንዕደም። ጐይታ ድሮ ኣብ ቀዳማይ ገጻት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ንሰብ ነቲ እተኸልከለ ፍረ ካብ ምብላዕ ኪቝጠብ ይእዝዞ . . . ኵላትና ብሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ከበድ ስለ ዝጸዓነና ምስ ጐይታ ዘሎና ዕርክነት ንኸነሕድስ - ነቲ ከበድ ንኸነራግፍ ጾም የቕርበልና።” . . . ሓድሽ ኪዳን ጠቒሶም ድማ፥ “ሓቀይና ጾም ፍቓድ ኣቦ ብምፍጻም ሓቀይና መግቢ ህይወት ምምጋብ ማለት እዩ” እንክብሉ የብርሁ።
ጾም እንታይ ይውክል?
ጾም፥ ኣብ ጉዕዞ ዓቢይ ጾም እምበኣር ካብ መግቢ ወይ ንዋታዊ ነገራት ምቑጣብ ቀሊል ኣይኮነን። ብርግጽ “ዝተሓላለኸን ዓሚቝን ክውንነት” ይውክል። ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ ኣብ ዕለት 21 መጋቢት 1979 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንነጋድያን ኣብ ዝለገስዎ ቃሎም፥ “ጾም ምሳለ እዩ፡ ምልክት እዩ፡ ዕቱብን መነቓቕሕን ጻውዒት ምቕባል ወይ መስዋዕቲ ንምቕራብ እዩ፣” እንታይ ዓይነት ተጋድሎ ወይ ኣይፋልነት - ነቲ “ኣነነት” ማለት ንብዙሕ ዓይነት ሸውሃት ወይ ዘይጥዑ ባህጊ ምኽሓድ፥ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጒድለታት ምሕዳግ ነቲ ሰናይ ሕራይ ምባል ንባህረታዊ ድሌታትካ ምቁጽጻር ንሰናይ ድሌት ብምቛም ድሌት ሓውኻ ብምምላእ ርእሰ ምቁጽጻር ብምግባር ንቕዱስ ሕጊ ኣምላኽ እሙን ምዃን” ዝብል ሓሳብ ኣመላኺቶም፥ ጾም ማለት እምበኣር ርእሰ ምግታእ ምግባር ማለት እዩ። ስለዚ በዚ ኹሉ እዚ ኣቢልካ ድማ ምጽዋት ብምፍጻም ኣብ ሓባራዊ ሰናይ ብናይ ፍቕሪ ስራሕ ምርግጋጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።
ኣየናይ ዓይነት ጾም እዩ ተመራጺ?
ዓቢይ ጾም ናይ ተጋድሎን ንስሓን ግዜ እዩ። ከምኡ እውን “ግዜ ሕብረትን ምትሕግጋዝን”እዩ። ጳውሎስ ሻድሻይ ነዚ ኣብቲ ኣብ 1973 ዓ.ም. ኣብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ዓቢይ ጾም የስምሩሉ። ነቲ ናይ ነቢይ ኢሳያስ ምኽሪ ክንሰምዕ ይዕድሙና። እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ “. . . እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋኻውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን?” (ኢሳ. 58, 6 – 7 ረኣ)። እዚ ምዕዶታት እዚ “ብሓቂ ኣብ ስቓይን ሕሰምን ካልእ ክትሳተፍ ዝጽውዕ እዩ፡ ስክፍታታት እዋንና ሰብኣዊ ፍጥረት ዘንጸባርቕ ምዃኑ ር.ሊ.ጳ. ሞንቲኒ የስተብህሉ።
እዚ ቅድም ክብል ዮሓንስ መበል 23: ኣብ 1963 ዓ.ም. ኣብ ምጅማር ዓቢይ ጾም ብራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልኽቲ ኣቐዲሞም ዘስመሩሉ ኣስተንትኖ ከም ዝነበረን . . . “ዓቢይ ጾም ናብ ደጋዊ ምልምማድ ዝድርኽ ዘይኮነስ ናብ ናይ ፍቕርን ተወፋይነትን ልግስን ቃለ - ኪዳን እዩ ዝመርሕ፡ እቲ ቃለ ኪዳን ድማ፥ እቲ ኣነ ዝፈትዎ ጾምሲ ንመኣሰር እከይ ምፍታሕ፡ ንማእሰርቲ ኣርዑት ምዝላቕ፡ ንጥቑዓት ምውጻእ ሓራ፡ ኣርዑት ዘበለ ዂሉውን ምስባርዶ ኣይኰነን? እንጌራኻ ንጥሙይ ክትመቅል፡ ነቶም እተሰዱ ድኻታት ናብ ቤትካ ኸተእቱ፡ ዕሩቕ እንተ ርኤኻ ኽትከድኖ፡ ካብ ስጋኻውን ከይትሕባእዶ ኣይኰነን? ሽዑ ብርሃንካ ኸም ወጋሕታ ዀይኑ ኺወጽእ፡ ምሕዋይካ ኸኣ ቀልጢፉ ኺበቊል፡ ጽድቅኻ ድማ ቀቅድሜኻ ኪኸይድ፡ ክብሪ እግዚኣብሔርውን ደጀንካ ኪኸውን እዩ (ኢሳ፣ 58. 6 – 8 ረኣ)። ስለዚህ ጾምን ተግባርም ዝተጣመረ ክኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።