ዲ ሰኚ፥ ፍራንቸስኮ ፍሉይ ዓርኪ ንህብዚ ኣይሁድ
ዕለት 13 መጋቢት ብምኽንያት ዝኽሪ 10 ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ሮማ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዓቢይ ራባይ ሪካርዶ ዲ ሰኚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ድልዱልን ጥበበይናን መርሕነትኩም ክቕጽል ትምኒትና እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሪካርዶ ዲ ሰኚ
ናይ ሮማ ማሕበረሰብ ኣይሁድ ዓቢይ መምህር
ኣብ ዝኽሪ ዓስራይ ዓመት ሕርየት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በጺሕና። ዓሰርተ ዓመት ከም ቍጽሪ እውን ኣገዳስን ምሳላያዊ ቍጽሪ እዩ፥ ናይ ኣቖጻጽራና ስርዓትን ዓሰርተ እጻብዕቲ ዒድንን፡ ኮይኑ ግና ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት እዩ ዝዝክር፡ ብጀካ እዚ ነቲ ዓለም ዝተፈጥረትሉ ዓሰርተ መሰረታዊ ቃላት ዘዘኻኽር እውን እዩ። ብቓላት መሴ እውን ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንዓሰርተ መዓልታት ኣይእዘዝን ዝበለለን ማዕልታት እውን የዘኻኽር። ስለዚ እታ “10” ቍጽሪ ብመሰረት ቅዱስ መጽሓፍ ጠባይን ምንዮትን ሓድሓደ ግዜ ነዚ ጠባይን ምንዮትን ንምምሓው መሰረት ኮይኑ እዩ ዝግለጽ።
ር.ሊ.ጳ. ጥዕናን ልዕሊ ኩሉ ድማ ጥበብ ከይፍለዮምን ከምኡ እውን ንማሕበረሰብ በቲ ክሳዕ ሕጂ ዘለዎም ብርታዐን ጥበብን ኪመርሑ እምነ። ምስ ህዝቢ ኣይሁድ ዘለዎም ፍሉይ ዕርክነት ድማ ይዓቅብዎ፡ እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።